ንሕና ዓበይቲ ብዝበደልናዮ ኣብ ድኽነትን ጭንቅን ስለዝነብሩ ሕጻናት ንጸሊ! ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
እቲ ኣብ ዓለምና ብወሰንቲ ኩሉ ነገር ዝኾኑ ዓበይትን መራሕትን ዝግበር ውሳኔታት ሳዕቤኑ ብቀጥታ ኣብቶም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ድኻታትን ሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ስለዝኾነ ሎሚ ኣብ ዓለምና በቲ ግጉይ ውሳኔታትን ንኣኡ ስዒቡ ዝመጽእ ጸገማትን ክንዲ ነቶም ብላዕሊ ኰይኖም ዝውስኑ መራሕትን ዓበይትን ኣብ ሕጻናት ዘውርዶ ኣደራዕ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘ሎሚ ኣብ ዓለምና ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ሕጻናት እናተሳቀዩ ኣብ ናይ ባርነት ናብራ ይነብሩ ኣለው’ እንክብሉ ዘሰቅቅ ህልው ኩነታት የብርሁ፤ እዚ ጉዳይ እዚ ብጣዕሚ ስለዘተሓሳሰቦም ድማ ነዛ ወርሒ እዚኣ ማለት ወርሒ ሕዳር 2022 ዓም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምልእታ ምስ መራሒኣ ር.ሊ.ጳ ኰይና ነዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ተቀቢላ ፍሉይ ኣተኩሮ ክትህበሉ ብማለት ብዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ገቢሮም መልእኽቶም ሰዲዶም። ብቀንዱ ግን ሚልዮናት ክንብል እንከሎና እዞም ሕጻናት እዚኦም ቊጽሪ ኣይኮኑን ብኣርኣያን ኣምሳልን ቅድስት ሥላሴ ዝተፈጥሩ ክብረት ዘለዎ ደቂሰባት መሰሎም ክሕሎ ዘለዎም ከማና ደቂሰባት ምዃኖም ክስቊረና እውን ሓደራ ቢሎም።
ሕጻናት ቊጽሪ ዘይኮነ ደቂሰባት እዮም!
ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ ዓለምና ክንድዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ኣጋጢምዎም ቢልና ቊጽሪ ደቂሰባት እንክነቅርብ ኣብቲ ቁጽሪ ጥራይ ብምድሃብ ንሰብኣውነት ስለ ዝዝንግዕ ማንም ቊጽሪ ዘይኮነ ብነፍስወከፍ ግለሰብ ዝቆመ ይንኣስ ይዕበ እዚ ግለሰብ እዚ ከኣ ክብረትን ግርማን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
ናብ እግዚኣብሔር ዘእዊ ገዓር!
ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ናይዞም ሕጻናት ምልስ ይብሉ እሞ ቅድሚ ዝኣገረ ሓላፍነት ናይዚ ድራማ እንስከም ንሕና ምዃና ኣዘኻርሮም እዞም ኣሎና ብ እንብል ተርሲዖም ዘለዎ ሕጻናት እዚኦም ዕለት ዕለት ዘሕልፍዎ ንጽገት ምጒናይን ጸርፍን ውርደትን ምስቲ ድኽነትን ኣደራዕ ናይ ኩሉ ግጭታት ምስካምን ተሓዊሱ ንመጻኢ ናይ ምዕባይን ምምዕባልን ተኽእሎ ዘይረኣየሉ ዝገደደ ከኣ መሠረታዊ መሰል ደቂሰባት ካል እስ ይትረፍ ነዛ ከብዶም ዝ ዕንግሉላ መሰል እኳ ዝተነፍጎም ሕጻናት ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
መሰል ትምህርትን ሕልምን ሙቀት ስድራቤትን!
ቅዱስነቶም ነፍስወከፍና ናብ ሕልናን ምልስ ቢልና ነዞም ኣብ ዓጸቦ ዝነበሩ ዘለው ሕጻናት ክንዝክር ኩነታቶም ሕልናና ንክትንክፍ ‘እዞም ሕጻናት እዚኦም ብሕትውና ክስምዖም ዝተጠንጠኑ ኮይኑ ክስም ዖም ክነፍቅድ የብልናን. ኲስኰሳ ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም! ፍቅሪ ስድራቤት ከማሙቆም ኣለዎም! በዚ ከኣ እግዚኣብሔር ከምዘረሰዖም ክፈልጡ እዮም፤ ስለዚ ስለኦም ንጸሊ እንክብሉ ነዚ ዕድመ እዚ ኣቅሪቦም።