ድለ

ንሕና ዓበይቲ ብዝበደልናዮ ኣብ ድኽነትን ጭንቅን ስለዝነብሩ ሕጻናት ንጸሊ! ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ብዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ መደብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሕዳር ብርእየት ማለት ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሖ ስለ እቶም ብሰንኪ በደል ዓበይቲ መሠረታዊ መሰሎም ዝተነፍጎምን ኣብ ክንዲ ትምህርትን ኲስኰሳን ኣገልግሎትን ዝረኽቡ ብሓለንጊ ጥሜትን ድኽነትን ጭንቅን ዝግረፉ ዘለዎ ብምዝካር ‘ገዓሮም ናብ ጐይታ የእዊ ኣሎ ብምንም ተኣምር ዝተጠንጠኑ ኰይኑ ብሕትውና ክስምዖም ክነፍቅድ የብልናን’ እንክብሉ ነዛ ወርሒ እዚኣ ስለኦም ክንጽሊ ይዕድሙ ኣለው።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ኣብ ዓለምና ብወሰንቲ ኩሉ ነገር ዝኾኑ ዓበይትን መራሕትን ዝግበር ውሳኔታት ሳዕቤኑ ብቀጥታ ኣብቶም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ድኻታትን ሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ስለዝኾነ ሎሚ ኣብ ዓለምና በቲ ግጉይ ውሳኔታትን ንኣኡ ስዒቡ ዝመጽእ ጸገማትን ክንዲ ነቶም ብላዕሊ ኰይኖም ዝውስኑ መራሕትን ዓበይትን ኣብ ሕጻናት ዘውርዶ ኣደራዕ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘ሎሚ ኣብ ዓለምና ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ሕጻናት እናተሳቀዩ ኣብ ናይ ባርነት ናብራ ይነብሩ ኣለው’ እንክብሉ ዘሰቅቅ ህልው ኩነታት የብርሁ፤ እዚ ጉዳይ እዚ ብጣዕሚ ስለዘተሓሳሰቦም ድማ ነዛ ወርሒ እዚኣ ማለት ወርሒ ሕዳር 2022 ዓም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምልእታ ምስ መራሒኣ ር.ሊ.ጳ ኰይና ነዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ተቀቢላ ፍሉይ ኣተኩሮ ክትህበሉ ብማለት ብዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ገቢሮም መልእኽቶም ሰዲዶም። ብቀንዱ ግን ሚልዮናት ክንብል እንከሎና እዞም ሕጻናት እዚኦም ቊጽሪ ኣይኮኑን ብኣርኣያን ኣምሳልን ቅድስት ሥላሴ ዝተፈጥሩ ክብረት ዘለዎ ደቂሰባት መሰሎም ክሕሎ ዘለዎም ከማና ደቂሰባት ምዃኖም ክስቊረና እውን ሓደራ ቢሎም።

ሕጻናት ቊጽሪ ዘይኮነ ደቂሰባት እዮም!

ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ ዓለምና ክንድዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ኣጋጢምዎም ቢልና ቊጽሪ ደቂሰባት እንክነቅርብ ኣብቲ ቁጽሪ ጥራይ ብምድሃብ ንሰብኣውነት ስለ ዝዝንግዕ ማንም ቊጽሪ ዘይኮነ ብነፍስወከፍ ግለሰብ ዝቆመ ይንኣስ ይዕበ እዚ ግለሰብ እዚ ከኣ ክብረትን ግርማን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“ማንም ቊጽሪ ኣይኮኑን! ስም ዘለዎም ናቶም ገጽታ ዘለዎም ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደሎም መንነት ዝውንኑ ክቡራት ደቂሰባት እዮም፤ ብዙሕ ግዜ ሓላፍነትና ንዝንግዕ እሞ ኣብ ቅድሚ ምዝመዛ እዞም ሕጻናት እዚኦም ርኢና ከምዘይረኣና ንምዃን ንጽዕር! ንክጻወቱ ንክመሃሩ ንክሓልሙ መሰል ዝተሓረሞም ገርና ንሓስብ፤ እንተኾነ መሳኺን እዞም ሕጻናት እዚኦም ሙቀት ስድራቤት እውን ዝተነፍጎም እዮም። ክንፈልጣ ዘሎና ግን ገዓሮም ብቀጥታ ናብ እግዚኣብሔር ከምዘዝእዊ እዩ ኢሎም።”

ናብ እግዚኣብሔር ዘእዊ ገዓር!

ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ናይዞም ሕጻናት ምልስ ይብሉ እሞ ቅድሚ ዝኣገረ ሓላፍነት ናይዚ ድራማ እንስከም ንሕና ምዃና ኣዘኻርሮም እዞም ኣሎና ብ እንብል ተርሲዖም ዘለዎ ሕጻናት እዚኦም ዕለት ዕለት ዘሕልፍዎ ንጽገት ምጒናይን ጸርፍን ውርደትን ምስቲ ድኽነትን ኣደራዕ ናይ ኩሉ ግጭታት ምስካምን ተሓዊሱ ንመጻኢ ናይ ምዕባይን ምምዕባልን ተኽእሎ ዘይረኣየሉ ዝገደደ ከኣ መሠረታዊ መሰል ደቂሰባት ካል እስ ይትረፍ ነዛ ከብዶም ዝ ዕንግሉላ መሰል እኳ ዝተነፍጎም ሕጻናት ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝኾነ ብማሕበረሰብ ዝተገለለን ብስድራቤቱ ዝተጠንጠንን ሕጻን ብዘይ ምንም ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን እንክነብር ሓደ ኣውያት እዩ! እዚ ኣውያት እዚ ከኣ ብቀጥታ ኣብ ጐይታ ይ ዓርግ እሞ ነቲ ንሕና ዓበይቲ ዘቈምናዮ ምሕደራ ይኸስስ። ነፍስወከፍ ዝተጠንጠነ ሕጻን ዓገብ ናትና ናይ ዓበይቲ እዩ፤ ከም ሕጻን ክመሃር ክሓልም ብስድራቤት ክሕቈፍ መሰል ኣለዎ ኢሎም።”

መሰል ትምህርትን ሕልምን ሙቀት ስድራቤትን!

ቅዱስነቶም ነፍስወከፍና ናብ ሕልናን ምልስ ቢልና ነዞም ኣብ ዓጸቦ ዝነበሩ ዘለው ሕጻናት ክንዝክር ኩነታቶም ሕልናና ንክትንክፍ ‘እዞም ሕጻናት እዚኦም ብሕትውና ክስምዖም ዝተጠንጠኑ ኮይኑ ክስም ዖም ክነፍቅድ የብልናን. ኲስኰሳ ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም! ፍቅሪ ስድራቤት ከማሙቆም ኣለዎም! በዚ ከኣ እግዚኣብሔር ከምዘረሰዖም ክፈልጡ እዮም፤ ስለዚ ስለኦም ንጸሊ እንክብሉ ነዚ ዕድመ እዚ ኣቅሪቦም።

“ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ሕጻናት ምናዳ ኣብ ጐዳናታት ዝናበሩ ከማኡ እውን ኣደዳ ውግኣት ዝኾኑን ዘኽታማትን ኲስኰሳ ትምህርቲ ክረኽቡሉ ዝኽእሉን ማሙቊ ፍቅሪ ስድራቤት ዳግም ክረኽቡሉ ዝኽ እሉሉ ጸጋ ምእንቲ ክህበና ንጸሊ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 Nov 2022, 12:54