ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባሕሬይን ምስ መንእሰያት

ምእንቲ ክንሕደስን ሓደስቲ መገድታት ክድህስስ ሓደስቲ ቋንቋታት ክንፍትን ዝያዳ ሓጐስን ተቐበልቲ ኣጋይሽ መታን ክንከውን . . . ዓበይቲ ነገራት ናይ ምሕላምን ህይወት ምሉእ ብምሉእ ናይ ምንባርን ትብዕት ፈጺምኵም ኣይተጥፍኡ፡ ናይ ሓልዮት ባህሊ ተቐቢልኵም ምስፋሕን ናይ ሕይወት ጐብለል ኵኑ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ባሕረይን ኣብ ዘካየድዎ መበል 39 ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዝፈጸምዎም ርክባት ሓደ እቲ ዕለት ሓሙሽተ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣዋሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ምትህርቲ ቅዱስ ልቢ ምስ መንእሰያት ዘካየድዎ ክኸው እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ፈጠራኹምን ሕልምታትኩምን ትብዓትኩምን ስሕበትኩምን ፍሽኽታኹምን ተላባዒ ሓጐስኩምን እቲ ናብ ኩሉ ከተብጽሕዎ እትኽእሉ ውዕዉዕ ሓይልኹምን ጐብለልነትኵምን የድልየና እዩ። እዚ ኻኣ ካብቲ ዝሓለፈን ንህልው ዓለም ዘይዛረብ ዝዓሰወ ልምድታትን ኣተሓሳስባን ነገራትን ኵሉ ንኽንወጽእ ይሕግዘና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 5 ሰንበት ኣብ ባሕሬይን ከተማ ኣዋሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ልቢ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ዓበይቲ ነገራት ናይ ምሕላምን ህይወት ምሉእ ብምሉእ ናይ ምንባርን ትብዓት ፈጺምኩም ኣይተጥፍኡ” እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝለገዎ ቃለ ምዕዳን ሰለስተ መንእሰያት ምስክርነት ከም ዘስምዑን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓቖፍቲ ናይ ሓልዮት ባህሊ ኵኑ

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት፥ “ናይ ሓልዮት ባህሊ ክቕበሉ” ዓዲሞም፥ ሓልዮት ማለት ንኻልኦት ሰባትን ረብሕታቶምን ናብ ሓልዮት ዝመርሕ ውሽጣዊ ናይ ርህራሄ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ማለት እዩ፡ እዚ ባህሊ ሓልዮት እዚ ነታ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ እትርከብ ዘመናዊት ዓለም፥ “ነጥቢ መቐይሮ” ወይ “ፈውሲ” ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም፥ እቶም መንእሰያት ንኻልኦት ንምሕላይ ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእሶም ክሓልዩን ህርመት ልቦም ብምስማዕ ከምኡ እውን ምስ ኣምላኽ ብምዝራ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ናይ ዝራኸብዎም ሰባት ሓጐስን ሓዘንን ተኻፈልቲ ክኾኑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነት ምስፋሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም “ናይ ሓልዮት ባህሊ እንተድኣ ሓቝፍናዮ ዘርኢ ሕውነት ከነዕቢ ኢና። . . . መንእሰያት “ናይ ሕውነት ጐብለል ኣብ ምዃኑ ክጽዕሩ” ጻውዒት ኣቕሪቦም “ሓነጽቲ መጻኢ” ክኾኑን ከመይሲ ኣብ ሕውነት ጥራይ ዓለምና መጻኢ ስለ ዝህልዎ” ስለዚ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሎም ዝምድናታት ክሓንጹ ኣተባቢዖም፡ ብፍላይ ከኣ ምስ እግዚኣብሔር ዝምድና ክሃንጹ ከም ዘለዎምን እዚ እውን ንእግዚኣብሔር ኣብ ካልኦት ብቐጻሊ ክትርእይዎ የኽእለኵም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሳነ ናይ ምውሳድ ብድሆ ምቕባል

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንእሰያት፥ “ኣብ ህይወት ውሳነታት ናይ ምውሳድ ብድሆታት ክቕበሉ” ጸዊዖም፡ ጽቡቕ ውሳነታት ምውሳድ ኣማራጺታት ከመይ ጌርካ ከም እትመዝንን ቅኑዕ ምገዲ ከም እትመርጽን ምምሃር ክምዘጠቓልል እውን ገሊጾም፥ . . . መንእሰያት “ብዘይ ፍርሒ ንቕድሚት ክብሉን ይዅን እምበር ኣብዚ ንቕድሚት ምባል እዚ ፈጺሞም በይኖን ከይጓዓዙ” ኣተባቢዖም፡ እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና እዩ፥ “ብናይ ጽሞና ጸሎትን ምስኡ ብቐረባ ብምምይያጥ” ድምጺ እግዚኣብሔር ምልላይ ክንመህር ንኽእል ኢና፡” ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ መንእሰያት ናይ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባትን ምኽሪ ቅድሚ ምቕባሎ” ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም “ቅኑዕን ጥዑይ ኣማኻሪ ክደልዩ” ኣተባቢዖም፥ “ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉዕዞ ሕይወት መጓዕዝቲ - ኣሰነይቲ የድልየና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዓቢ ክትሓልሙ ፈጺምኵም ትብዓት ኣይተጥፍኡ!

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ብሓይለ ቃል፥ “ንስኻትኵም ተድልዩና ኢኹም - መሃዝነትኩም ሕልምታትኩም ትብዓትኩም ስሕበትኩምን ፍሽኽፋትኹም፥ እቲ ተላባዒ ሓጐስኩም እቲ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ከተምጽእዎ እትኽእሉ ውዕዉዕ ሕይወትኩም የድልየና እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዝዓሰወ ልምድታትን ኣገባባትን ኣጠማምጥታ ነገራትን ንኽንወጽእ ዝሕግዘና እዩ” ከምኡ እውን “ቤተ ክርስቲያን ምሳኻትኩም ስለ ዘላ ንነፍሲ ወከፍኩም ኣዚያ ተደልየኩም። ምእንቲ ክንሕደስን ሓደስቲ መገድታት ክድህስስ ሓደስቲ ቋንቋታት ክንፍትን ዝያዳ ሓጐስን ተቐበልቲ ኣጋይሽ መታን ክንከውን . . . ዓበይቲ ነገራት ናይ ምሕላምን ህይወት ምሉእ ብምሉእ ናይ ምንባርን ትብዕት ፈጺምኵም ኣይተጥፍኡ፡ ናይ ሓልዮት ባህሊ ተቐቢልኵም ምስፋሕን ናይ ሕይወት ጐብለል ኵኑ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባሕሬይን ምስ መንእሰያት
07 Nov 2022, 16:22