ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳም ሓደር ዜጋታት ዝተወፍየ ናይ ሓወልቲ ስራሕ መሪቖም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽለሊ ብዝብል ኣርእስቲ ንግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝውክል ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ንምጽንባል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ናይ ቅዱስ ቪንሰንት ደ ፓውል ማሕበረሰብ ንቤት ኣልቦን ግዳም ሓደርን ዜጋታት “መጽለሊ ምቕራብ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘካይዶ ዘሎ “ወፍሪ መንበሪ ገዛ ንዅሉ” ግምት ዝሃበ ብካናዳዊ ናይ ሓወልቲ ቀረጻ ስነ ጥበበይና ቲሞትይ ሽማልዝ ዝተሰርሐ ናይ ንሓስ ሓወልቲ ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝባረዅ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ንቤት ኣልቦን - ግዳም ሓደር ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተወፍየ ዘይንፈልጦም መላእኽቲ እያቶም ዝብል ስደተይናታትን ቤት ኣልቦ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝውክል ግዳም ሓደር ብእትነፍር ርግቢት ዝወሃቦ መሸነፊ ክሽፈን እንከሎ ዘርኢ ካናዳዊ ስነ ጥበበይና ናይ ቅብእን ቀረጻ ሓወልትን በዓል ሞያ “መጽለሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝሰረሕዎ ሓድሽ ናይ ሓወልቲ ስራሕ ከም ዝመረቑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስእነት ቤት
ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ስእነት መንበርን ኣልቦ ቤትን ንምብዳህ ኵሉ ኣቃልቦ ክገብረሉን ማሕበረሰብ ቪንሰንት “ወፍሪ ቤት” ብዝብል መጸውዕ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ፍትሒ ጐስጓስ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ዓለማውያን ማሕበራትን ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ዘዋስእ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ መሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ ክሳብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደም ኣብ እተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ን 10.000 ቤት ኣልቦ ዜጋታት ገዛ ክረኽቡ ምግባር ዝብል ሸቶ ዝገበረ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ቤት ኣልቦነት ክፍታሕ
ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ደፓውል ኣቦ መንበርን “መጽለሊ” ናይ እተሰምየ ጸገም ቤት ኣልቦ ንምፍታሕ በቲ ማሕበር ናይ ዝካየድ ጎስጓስ ኣወሃሃዲ ማርክ ምግረቭይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝመረቕዎ “መጽለሊ” ዘርእስቱ ሓወልቲ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ክንፈልጦምን ስሌኦም ክንጣበቕን ቀሪብና ክንርድኦምን ይዕድመና፥
ታሪኽ እቶም ገዛ ዘይብሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀሪብና ክንሰምዖን ዘጓነፎም ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተዋሳእቲ ክኾኑ ምግባር ኣገዳሲ እዩ!
ቢሎም፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ከምኡ እውን ናይ ቅዱስ ቪንሰንት ደ ፓውል ኣስተንፍሶ ገርና ብትሕትና ዓበይቲ ነገራት ንሓልም፡ እዚ ሕልሚ ድማ ኣብ ዓለም ቤተ ኣልቦ ዝኾነ ዜጋ ከይህሉ ዝብል እዩ ከም ዝበሉ ይሕብሩ።
ስነ ጥበበይና ሽማልዝ
እቶም ነቲ ሓወልቲ ዝቐረጹ ካናዳዊ ቲሞትይ ሽማልዝ መብዛሕቲኡ ናይ ስነ ጥበብ ስርሓቶም ኣብ እዋናዊ ጒዳያት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ገዛ ዘይምህላው ድኽነትን ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝኣመሰሉ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት መሰረት ገይሮም ዝቐረጽዎ ሓወልቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተተኺሉ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና እውን ከም ዝመረቕዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት
እቲ ብቲሞትይ ሽማልት ዝተቐርጸን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 ሓዳር ዝመረቕዎ “መጸለሊ” ዘርእስቱ ናይ ንሓስ ሓወልቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እቲ ዕለት 13 ሕዳር ዝኽበር ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዘተሓሳስብ እውን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ካብ 2017 ዓ.ም. ጀምሩ በቢ ዓመቱ ኣብ መበል 33 ተራዊ ሰንበት ክበዓል ከም ዝወሰኑን ለምዘበን ንሻድሻይ ዓመት ዝበዓል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።