ድለ

2022.11.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቲ ኣብ ባሕረይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንማርያም የመስግኑ 2022.11.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቲ ኣብ ባሕረይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንማርያም የመስግኑ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቲ ኣብ ባሕረይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንማርያም የመስግኑ

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ከም ዘቕረቡ . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር  ኣብ ባሕሬይን ዘካየድዎ መበል 39 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ብናይ ባሕሬይን ንጉስን ስድራ ቤት ንጉስነቶምን ንኽብሮም ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት በቆጻጽራ ባሕሬይን ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቅ ካብ መዕፍሮ ነፈርቲ ሳኪር ነቒሎም ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምብጻሖም ከምቲ ልሙድ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምእታዎም ስለ እቲ ዘካይድዎ መበል 39 ሓዋርያዊ መገሻ በማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ንኸመስግኑ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳስዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሱነቶም ኣብዚ ኣብ ባሕሬይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ከምቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣትሒዞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምንቃሎም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳው ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ሓዋርያዊ መገሻኦም ንሓለዋ ቅድስተ ማርያም ሓደራ ከም ዝብሉን ኣብ ምምላሶም እውን ስለ እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ንዝገበረትሎም ሓለዋ ንኸመስግኑ ናብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፍጽሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ምስጋና ጸሎት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

07 Nov 2022, 16:29