ር.ሊ.ጳ. ምስ ሰለስተ ዩክራይናውያን ስደተይናታት ኣባይቲ ስድራ ተራኺቦም
ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ...
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ባሕሬይን ቅድሚ ምንቃሎም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ኣብ ሮማ ብኢጣሊያውያን ኣባይቲ ስድራ ካብ ዝተኣንገዱ ምስ ሰለስተ ዩክራይናውያን ስደተይናታት ስድራ ቤት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ኣብ ባሕሬይን ብዘካይድዎ መበል 39 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መደብ መሰረት ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ደቓይቕ ሮማ ናብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምቃሎም ብኢጣልያውያን ኣባይቲ ስድራ ዝተኣንገዱ ሰለስተ ካብ ዩክረይን ዝመጹ ኣባላት ስድራ ቤት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
03 Nov 2022, 13:34