ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንነፍሰኄር ብፁዕ ቀዳማዊ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክስ ቆጵሮስ ክሪዞስቶም 2ይ ይዝክሩ!
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ትማል ሮቡዕ ዕለት 9 ሕዳር 2022 ዓም ሶምናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ዛዘሙ ሃሞምን ቀልቦምን ናብታ ቀዳማዊ ሊቀጳጳሳ ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ክሪዞስቶም ካልኣይ ብምስኣና ኣብ ሓዘን እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ቆጵሮስ ምዃኑ ብምሕባር ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን ብመንፈስ ምሳኦም ምሕባሮምን ገሊጾም።
ነፍሰኄር ብፁዕ ቀዳማዊ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክስ ቆጵሮስ ክሪዞስቶም 2ይ ነታ ቤተክርስትያን ካብ 2006 ዓም ክሳብ ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኦም ዚዓርፉ ኣገልገል፤ ነፍሰኄር ብፁዕነቶም ብሕማም ካንሰር ይሳቀዩ ከምዝነበሩን ኣብ መንበሪ ገዛኦም ከተማ ኒኮስያ ከምዝዓረፉን ዝዝከር ቅዱስነቶም ናይ ዘተ ሰብን ፈታው ሰላምን ከምዝነበሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮምዎም።
ናይ ዘተ ሰብን ፈታው ሰላምን!
ቅዱስነቶም ብዓቢ ፍቅሪ እንክዝክርዎም ሕጽር ብዝበለ ቃላት ‘ሰፊሕን ነዊሕን ጠመተ ዝነበሮም ጓሳ ኣብ ርእሲ ምንባሮም ናይ ዘተ ሰብን ፈታው ሰላምን ብምዃን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ማሕበረ ክርስትያን ቤተክርስትያን ዕርቅን ሰላምን ንምድንፋዕ ብዙሕ ዝጸዓሩ ኣቦ ነበሩ፤ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2021 ዓም ኣብ ቆጵሮስ ኣብ ዝገበርክዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዝተራኽብናሉን ምሳኦም ዘተዛተናሉን ብ ዓቢ ናፍቆትን ፍቅርን እዝክሮ’ እንክብሉ ብሓቂ መንፈስ ሓድነት ቤተክርስትያን ዝተኣንገቡን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩን ምዃኖም ገሊጾም።
ንምንቅስቃስ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ዓቢ ኣበርክቶ ዘወፈዩ!
ነፍሰኄር ብፁዕ ቀዳማዊ ሊቀጳጳስ ኦርቶዶክስ ቆጵሮስ ክሪዞስቶም 2ይ ናይታ ሃገር ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ፕረሲደንት ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉን ኣብ ዘተ ሓድነት ኣብያተክርስትያን ብዙሕ ዘበርከቱን ኣቦ ነበሩ፤ ንቤተርክስትያኖም ወኪሎም ኣብ ቀብሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ኣብ ሲመት ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2005 ዓም ከምዝተሳተፉ እንክምልከት ምስ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ርክብ ከምዝነበሮም ይዝከር።
ነፍሰኄር ክሪዞስቶም 2ይን ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳትን!
ብ2006 ዓም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ነፍሰኄር ብፁዕ ክሪዞስቶም 2ይ ብ2005 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ኣብ ሲመት ር.ሊ.ጵጵስናኦምን ብምስታፍ ንዘርኣይዎ መንፈስ ሕውነትን ሓድነትን ንምድንፋዕ ኣብ ብዓለ ሲመት ቀዳማዊ ሊቀ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቆጵሮስ ዝሳተፉ ፍሉያት ወከልቶም ሰዲዶም ነበሩ፤ ዓመት ድሕሪ ሲሞቶም ከኣ ብ ዕለት 16 ሰነ 2007 ዓም ምስ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብሓንሳብ ኮይኖም ሓባራዊ ኣዋጅ ኣብ ከተማ ቫቲካን ከተሙ። ነዙይ ስ ዒቡ ብሓባር ኣብ ዝግበር ዝነበረ ርክባት እቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቆጵሮስ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብ ዕለት 5 ሰነ 2010 ኣብ ቆጵሮስ ተራኺቦም ዝተዛተይዎን ብፁዕነቶም እውን ብ2011 ዓም ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዕለት 28 መጋቢት ተራኺቦም ዝተዛተይዎ ይዝከር።
ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቆጵሮስ ዝነበር መንፈስ ሕውነት ዝዓሰሎ ርክብከስ በቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቆጵሮስ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ብፁዕነቶምን ቅዱስ ሲኖዶስን ኣብ ካተድራል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ናይታ ሃገረ ብዝገበርዎ ርክብ ኣጸቢቁ ደልደለን ሓየለን።
ኣብቲ ርክብ ቅዱስነቶም ምስጋናኦም እንከቅርቡ ንብፁዕ ነፍሰኄር ስለ እቲ ብክፉት ልቢ ምቅባሎምን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያን ንዝካየድ ዘተ ስለ ምድንፋዖምን ኣመስጊኖምዎም ነበሩ።
ብሓቂ ዝተመስከረሎም ጠበቃ ማሕበረ ክርስትያን ቆጵሮስ!
ብ1974 ዓም ነታ ደሴት ቱርኪ ምስ ወረርታ ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ተጸጊዖም ነበሩ፤ ነዘን ዝተፈላለያ ማሕበረ ክርስትያን እዚኤን ከም ኢኩመኒካዊ መራሒ ጠበቃ ኮይኖም ብዙሕ ዝተቃለሱሎም ነፍሰኄር ብፁዕ ኣቡነ ክሪዞስቶም 2ይ ከምዝነበሩ እውን ይንገር፤ ኣብ ግዜ ቀብሮም ካብ ዝተዘከሩ ብዙሕ ሥራሓቶም ንቤተክርስትያን ቆጵሮስ ዝነበሮም ፍቅሪ ዝገልጽ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያን ሃኒጾም ከምዘመረቁን ከማኡ እውን ኣሪገንን ጽገና ዘድልየንን ንዝንበራ ብዙኃት ኣብያተ ክርስትያን ከምዘሐደሱን ከምዝጸገኑን ተመልኪቱ።