ጸሎት ዘይገብር ካህን ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኮይኑ ይነብር! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ መሠረታዊ ሥነመዕበያ ኣብ ዘርአ ክህነት ሰብኣውን ሥነኣእምሮኣውን ጒስነታውን ኲስኰሳ ብሰፊሑ ምስ ተንተኑ ኣብታ መንፈሳውነት እትምልከት ግን ፍልይ ብዝበለ መንፈስ ክልተ ጉዳያት ብምትኳር ክጥንቀቀለን ዘለወን ጉዳያት ከም ሓውሲ ምኽርን መጠንቀቅታን ኣቅረቡሎም። እታ ቀዳመይቲ ኣብዛ ኣርእስቲ ዝሰማዕናያ ‘ዘይገብር ካህን ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኮይኑ ይነብር’ እንክብሉ ኣድላይነት ጸሎት ከም ቀንዲ መዋስኢ ምስ እግዚአብሔርን ከፋቲ ተዋስኦን ዘተን ሓድሕድን ምዃኑ ምስ ገለጹ እታ ካልአይቲ ከኣ ‘ድርቅናን ትርን’ ኣብ ምምሕዳርስ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ምኽሪ ምናዳ ኸኣ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ፈጺሞም ክዝተውሩ ዘይብሎም ምዃኖም ብዓቢ ሓደራ ገሊጾምሎም። ሕጽር ብዝብለ እታ ቀንዲ ኣብ ኲስኰሳ ጸዋዕታ እተድሊ ቅርበት ኰይና ንሳ ኸኣ ብኣርባዕተ መንገዲ ክትዝውተር ከምትከኣል ተንቲኖም።
ኣድላይነት ቅርበት!
እታ ቀዳመይቲ መንገዲ ቅርበት ምስ እግዚአብሔር እትዝውተር ኰይና ንሳ ኸኣ ብመንገዲ ጸሎት ምዃና ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ኣድላይነት ምሥጢረ ንስሓ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ብምስማር ‘ዓቢይ ሓጢኣት ብጣዕሚ የፍራሃኩም ይኸውን እንተኾነ ብኡ ንብኡ ከይወዓልኩም ከይሓደርኩም ክትናዘዙ ኣሎኩም፣ እንተዘየለ ፈሪሳውነት ከጥቅዓኩም ብኣምሰሉነት ክትመላለሱ እሞ መንጎ መንጎ ዝኾነ ሕይወት ክተሕልፉ ኢኹም። እዚ ከኣ ዘይጽሊ ካህን ብቀሊሉ ክወድቆ ዝክእል ኩነት እዩ’ እንክብሉ ኣጠንቀቁ።
ካልአይቲ መንገዲ ቅርበት ዝበልዋ ቅዱስነቶም ምስ ኣቡናቶም ክህልዎም ዘለዎ ቅርበት ኮይኑ እዚ ቅርበት እዚ እውን ብምንም ተኣምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ እዩ። ምናልባት ኣቡንኩም ሓደ ቁሩሕ ወይ ሕሱም ኣቡን ክኸውን ይኽእል ንስኹም እውን ከምታ ናቱ ቁሩሓት ክትኮኑ ፈትኑ እሞ ቁሩሕ ንቁሩሕ ኰንኩም ክተረኣዳድኡ ኢኹም። እንተ እቲ ኮይኑ እንተ እዚ ኣቡን ኣቦኹም እዩ፣ ስለዚ ወትሩ ቀረባኡ ኩኑ፣ ነዚ ግን ክተምስሉ ክትንእድዎ ክትፈተው ኢልኩም እሞ ደስ ዝብለኩም ቊምስና ክህበኩም ኣይኮነን ክትገብርዎ ዘሎኩም፣ ከም ኣቦኹም ኮይኑ ይሰመዓኩም ምስ ኣቦ ኰንካ ንጉዳያት መሚኻን ኣለሊኻን ጸጽቡቁ ምግባር ክትክእሉ ኢኹም።
ብሳልሳይ ደረጃ ምስ ኣሕዋትኩም ካህናት ብግዲ ክትገብርዎ ዘሎኹም ኣድላዪ ቅርበት ምዃኑ ዘክሩ ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ ‘ካብቲ ዝሕሰመ ግብረ እከይ ካህናት ሓደ ሕሜታ ኮይኑ ኣንጻር ኣሕዋትካ ሕማቅ ምዝራብ እዩ። ካብ እዝግስ እኳ ኣሕዋትኩም እዮም። ኣብ ቤተክርስትያን እውን ከይተረፈ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብዙሕ ሕሜታ ኣሎ። ሓደራኸስ ኣብ ኲስኰሳን ሕሜታ ከይልመድ ከመይ ሕሜታ ሕይወት የዕኑ’ ብማለት ሕሜታ ካብ ዘርኣ ክህነታ ብሱሩ ክጠፍእ ኣዘኻኺሮም።
ራብዔይትን ናይ መወዳእታ መንገዲ ቅርበት ዝበልዋ ቅዱስነቶም ‘ካህናት ወትሩ ምስ ምእመናኖም ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅርበት ክህልዎም ግድን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ሓደጋ ድርቅና (ትሪ)!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣብ ኲስኰሳ ዘርአ ክህነታት ዝረኤ ትርን ድርቅናን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣብተን ቀንዲ ፈተናታት ዘመንና ዝበልወን ጉዳያት ምልስ ይብሉ እሞ ካባይ ንላዕሊ ከምእትግንዘብዎ ሎሚ ዘሎ ዓቢይ ጸገም ምስ ተሪር መደባት ኲስኰሳ ጸዋዕታ እንክትርከብ እዩ። ገሊኦም ገዳማውያንን ገዳማውያትን እዚ መንገዲ እዚ ኣዕንይዎም በብቁሩብ ኣብ ምዕጻው ገዳማት ዝበጽሑ ኣለው። ስለዚ ተሪር መደባት ኲስኰሳ ወጊድ ንበሎ። እዚ ሕቡእ መዕነዊ እዩ። ንናይ ሎሚ ወለዶ ቅሙጥ መልስታት ምሃብ ሓጋዚ ኣይኮነን። ቀስ ብቀስ ብንጹር ሥልጣናዊ ትምህርቲ ክነሰንዮም ኣሎና እንክብሉ ከከም ዘመኑ ግን ኣብ መስመር ቤተክርስትያን ኰንካ ንመንእሰያት ምስናይ ከምዘድሊ ገሊጾም።