ድለ

2022.11.12 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ” 2022.11.12 ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ” 

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”

ክርስቲያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ክርስቲያናውን ሰብኣውን ክብርታት ከቅርቡ ንኻልኦት ምስ ኣምላኽ ዝራኸብሉ መገዲ ዝምህሩ ክዀኑ ኣለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 12 ሕዳር ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጒባኤ ንናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ከስምዕዎ ዝነበረ ብጽሑፍ ዘዳለዉዎ ቃለ ምዕዳን ንናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ሂቦም፡  ብዛዕባ ኣገዳስነት ርክብ ኣማእኪሎም ሰፊሕ ምዕዳን ከም ዝለገሱን ቅዱስነቶም፥

ሓደኣዊ ኣንፈት ርክብ የሎም ርክብ፥ ዝኸይድን ዝመጽእን ወይ ዝምለስን እዩ፥ በዚ ኢና ንሓና እውን እንዓቢ፡

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”
ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”

ምትእስሳር ምፍጣር

ሕንጻይ ጥራይ እዩ መዛተይኡ ዝብሎ ከይሰምዓ ዝዛረብ፡ ስለዚ ሰብኣዊ ርክብ ብጭቡጥ ግና ልክዕ ከምቲ ብስልኪ እነካይዶ ዓይነት ርክብ፡ ጽን ትብልን ትሰምዕን ትዛረብን ዘተ ብድሆ እዩ ምኽንያቱ ሕድገታት ስለ ዝሓትት ቢሎም፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ነዊሕ ቃለ ምዕዳኖም ኣስዒቦም፥ ጋዜይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ተዓዘብቶም ዝኸዱን ንተዓዘብቶም ዘዋስኡን ክኾኑ ኣለዎም፥

ስለዚ ናይ ምርኻብ ሓደጋ ከይፈራሕና ኵሉ ግዜ ኣብ መገዲ ምስ ህይወት ዝዋፈር ክኸውን ኣለዎ!

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”
ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”

ክቡራት ዋጋታት ምርኻብ

ኣብቲ ብዘይ ጽሑፍ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ቀጺሎም፥ ዛዕባ “ክቡራት ዋጋታት ምክፋል” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣሞርኵይዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስለዚ ኣብ ርክባት - ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን እቲ ዝራኸበና ምስ ክቡራት ዋጋታትና እዩ ክራኽብ ዘለዎ፥ . . .

ክርስቲያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ክርስቲያናውን ሰብኣውን ክብርታት ከቅርቡ ንኻልኦት ምስ ኣምላኽ ዝራኸብሉ መገዲ ዝምህሩ ክዀኑ ኣለዎም፡ ስለዚህ ካብ ናይ ጋዜጠይናውነት ስልትን ሜላን ጥራሕ ካብ ምትኳር ሓደጋ ምጥንቃቕ የድሊ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ህልው ምዃን የድሊ፥

ስለዚ እቲ ሜላ ልቢ እተሃልዩ ኣእምሮ እንተሃልዩ ሰብኣውነት እንተሃልዩ ገዛእ ርእሱ ገዛእ ርእሳ እትህብን ሰብ እንተሎ ጥራሕ እዩ ክሕግዝ ዝኽእል!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣትሓሒዙ፥

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”
ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር፥ “ምስ ተዓዘብቲ ምውሳእ”

ሰብኣውነት ኣብ ስራሕ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ከም ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጡ ንዝነብሮ ዘሎ ሰብኣውነትን ኣገልግሎቱን ንኢዶም፡ እዚ ኸኣ ሳላ እቶም ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ ምእመን ዶክተር ፓውሎ ሪፊኒ ንቑሕ በሊሕን ኣገልግሎቶም እዩ እዚ መንፈስ እዚ ድማ ክዕቅቡ ኣላበው፡ ንቕድሚት ተጓዓዙ ሓደጋ ኣየፍርሕኩም ምስ ካልኦት ጭቡጥ ርክብ ይሃልዅም ተበዓትን ተኣማኒያን ኵኑ” ቢሎም ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰላምታኦም ተለዋዊጦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Nov 2022, 15:52