ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ናብ ታንዛኒያ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ናብ ታንዛኒያ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ናብ ታንዛኒያ

በዚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ እተጐድኡ ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤት ግዳያት መንፈሳዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ

ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ታንዛኒያ ዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ዝተሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሕዳር ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራን ብይብጻሕ ኣብ ታንዛኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣቢሎም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ታንዛኒያ ከተማ ቡኮባ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋርቲ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎትን ቅርበትን መጸናንዕን መልእኽቲ፡ ንዅሎም እቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ እተጐድኡ ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤት ግዳያት መንፈሳዊ ቅርበቶም ብምርግጋጽ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነቶም ዝቖሰሉ ቅልጡፍ ሕውይት ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ህጹጽ ናይ ምድሓን ኣገልግሎት እተሳተፉ ብርታዐ ክረኽቡ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ናይ እግዚኣብሔር ምጽንናዕን ሰላምን እምህለል ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 Nov 2022, 16:04