ድለ

ድቅድቅ ጸልማት ኣብ ዘንጸላልዎ ዘመንና ክርስትያን ዘቦኡ ቀንዴል ተስፋ የብርህ! ር.ሊ.ጳ

ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ንሻድሻይ ግዜ ንምዝካር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 13 ሕዳር 2022 ዓም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ብዙሓት ድኻታት ኣብ ዝተረኽቡሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ብሓባር ምሳኦም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝተመስሑ እንክምልከት ‘ክርስትያን ኩሎም ገዓር ቃንዛ ድኽነት ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረትሰብና ጽን ቢሎም ክሰምዑ ሓደራ’ ከምዝበሉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዓመት መጸ ንክዝከርን ብጭቡጥ ንድኻታት ገለ ክግበርን ዝጽውዕ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ንሎም ዘመን ‘ስለኹም ክርስቶስ ድኻ ኮይኑ’ ብዝብል ተማ ቅዱስነቶም ብእዋኑ ነስተንትኖን መሪሕ ቃልን ዝህብ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ይዝከር።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 21.5-19 ኮይኑ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብ ሰንበት ዘደብረ ዘይት ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ንሓዋርያት ሓደራ ዝበልዎ ‘ዑቊኬ ኢያስኅቱክሙ ወንበሩ ድልዋኒክሙ’ ከየጋግኹም ተጠንቀቁ ተሰናዲኹም ንበሩ ቢሉ እቲ ምልክት መወዳእታ ዓለም ዝኾነ ፍጻሜታት ከኣ ንምስክርነቱ ከምዝኾነ ዝገልጽ ስለዝነበረ ቅዱስነቶም ነታ ከየጋግዩኹም ተጠንቅቁ እትብልን እዚ ንምስክርነት እዩ ዝብላን ሓረጋት ብምውሳድ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዘጠንቅቆም ዋላ እቲ ምልክታት መወዳእታ ዓለም ቢሉ ዝገለጸሎም ውግእን ወረ ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሕማምን ፌራን ክሕደትን ስደትን እንተ ረኣዩ እውን ክስምብዱ ከምዘይብሎም ከመይ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ እዚ ኩሉ ንምስክርነቱ ስለዝኾነ ጸኒዖም ክሳብ መወዳእታ ክዕገሱ ሓደራ እንክብል መንፈስ ስዕረት ከየሸንፎም ክሳብ መወዳእታ ክቃወምዎ ዘዘኻክር ክፍሊ ምባሩ ገለጹ።

መንፈስ ተሳዓርነት ተቃዊምካ ምኽኣል!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ጽባቄ ቤተመቅደስ ዘድንቁ ዝነበሩ እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ዘይተርፈሉ ግዜ ክመጽእ እዩ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ ምስ በሎም ምልክታት ምስ ሓተትዎ እቲ ዝነገሮም ምልክታት ዘርህን ዘርዕድን ኮይኑ ከም ማይ ዝሑል ብዝባኖም ክወርድ ምስ ረኣየ ኣጆኹም በዚ ኣይትሰምብዱ እዚ ነቲ ክኸውን ዘለዎ ቅልውላው ቀዳማይ ክፍሉ ስለዝኾነ በዚ ኣይትደሃሉ ካብዚ ንምህዳም ኣብ ጥንቆላን ቀሊል መፍትሒ ምድላይን ዘዛዙ ፈተና ከየሸንፎም እምነቶም ከኣ ካብ ፍርህን ራዕድን ዝነቀለ ከይከውን ጽኑዕ ምትምማን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ካብ ፍቅሩ ክፈልዮም ዝኽእል ምንም ዓይነት ስደትን መከራን ከምዘየሎ ብእዋኑ የጠንቅቆም።

“ሓዋርያ ክርስቶስ ብቀሊሉ ኢድ ዝህብ ወይውን ተስፋ ዝቆርጽ ኣይኮነን! ዋላ ኣብቲ ዝሓሰመ ጸገማትን ክበድ ኩነታትን ኣምላኹም ኣምላኽ ትንሣኤን ኣምላኽ ተስፋን ኮይኑ ወትሩ ንዝወደቀ ዘተንሥእ ምዃኑ ክተኣማመኑ። ንሕና ኩልና ምሳኡ ብሓባር ኰና ኣብ ዝኾነ እዋን ጠመትና ንላዕሊ ክነቅንዕ እሞ ከምብሓዲሽ ክንጅምር ንኽእል ኢሎም።”

ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ሰፍ ዘይብል ፈተና ከጋጥሞ እንከሎ ብቀዳምነት ክሓታ ዘለዎ ‘ካብዚ መከራ እዚ እንታይ ጽቡቕ ክረክብ እኽእል’ እትብል ክትከውን ከምዘለዋን ጐይታ ንብደሆታት ናብ ዕድላት ክንቅይር ከምዝጽወዓናን ክንምስክር ኣዘኻኺሮም።

ንብድሆታት ናብ ዕድላት ምልዋጥ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ። ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ኬብጽሑኹም እዮም’ እንክብል ነቲ ዘሰንብድ ምልክታት መወዳእታ ዓለም ይነግሮም እሞ ምልስ ቢሉ ከኣ ኣጆኹም ኣይግረምኩም ኣይትሰብዱ ብዚብል ቃና ‘እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ’ ይብሎም። እዚ ትርጉሙ እንታይ እዩ እንተበልና ሕሰምን መከራን ንክንምስክር ዕድል ዝኸፍተልና ምዃኑ ንምምልካት እዩ። ነፍስወከፍና ነናትና ዝኾነ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ሕይወት ኣሎና እንተኾነ ነፍስወከፍ ፍጻሜ ዋላ እቲ ዝሓሰመ ቅልውላው ሓደ ሠናይ ነገር ንምግባር ዝወሃበና ዕድል ምዃኑ ክንዝክር ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም።

“ናይ ዝኾነ ፍጻሜ ግዳይ ካብ ምዃን ምርሓቅ ዓቢ ክርስትያናዊ ጥበብ እዩ። እኳ ደኣ ኣብቲ ዝወርደና መከራን ቅልውላውን ተሓቢኡ ንዘሎ ዕድላት ርኢናን ኣለሊናን ብምኽኣል ነቲ ዕድል ከይተወላወልና ክንምጥሎ እሞ ካብቲ ኣሉታዊ ፍጻሜ እቲ ክወጽእ ንዝኽእል ሠናይ ነገር ንጨብጥ። ዝኾነ ቅልውላው ንመንፈሳዊ ዕብየት ዝወሃብ ናይ ዕድል ተኽእሎ እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናብታ ክርስቶስ ተጠንቀቁ ዝበላ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ክንህመል የብልናን እኳ ደኣ ንዝኾነ ፍጻሜ ንምስክርነት ወንጌል ዝኸውን ዕድል ገቢርና ንለውጦ’ ምስ በሉ ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብዚ ዘመንናል ንመላእ ዘመደ ኣዳም ወሪሩ ዘሎ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ ዝገብር ውሳጣዊ ጽሙምነት ንስዓር ኢሎም።

ውሳጣዊ ጽሙምነት ኣሸኒፍካ ምኽኣል!

እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ቅዱስነቶም ናብ ናይ ዕለቱ ወንጌልን ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታትን ብምትእስሳር ነዚ ዚስዕብ ቢሎም።

“ኣብዚ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ቃል ኢየሱስ ነቲ መሊኹና ዘሎ ውሳጣዊ ጽሙምነት ክነሸንፍ እሞ ነቲ ዘሰቅቅ ገዓር ድኻታትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብናን ንዝኽልክሉና ነገራት ክነወግድ ንጽዋዕ ኣሎና ኢሎም።”

ኣብዚ ዘመነና እንዕዘቦ ንኣብነት ውግእ ኡክራይና ብዙሓት ሰባት ቤትኣልቦ ከምዝኾኑ ገቢሩ። ብዙሕ ግዜ ኣደራዕ ናይዚ ዝኸፍሉ እቶም ዝደኸዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዮም። ልብና እንተደኣ ደሪቁን ዘይተጋዳስነት ኣጥቂዕዎን ነዚ ዘሰቅቅ ኣውያቶም ክንሰምዖ ኣይንኽእል ምሳኣቶምስ ይኹን ስለኦምስ ይኹን ክንበኪ ኣይንኽእልን። ክሳብ ክንደይ ብሕትውናን ስቃይን ኣብተን ተረሲዔን ዘለዋ ከተማታት ከምዝሓቅዮም ክርንኢ ኣይንኽእልን። ኣነ እሞ እንታይ ክግበር እኽእል ኮይነ ቢልና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ካብ ምጥማት ኣብዚ ድቅድቅ ጸልማት ዝወሮ ዘሎ ዓለምና ናይ ተስፋ ቀንደል ነብርህ ኢሎም።

ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ዓለምና ቀንደል ተስፋ ምብራህ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ንኩሎም ናይ ዘመንና ናይ ጥፍኣት ነቢያት ኮይኖም ጸልማትን ተስፋ ቊርጸትን ንዝዘርኡ ክቃወም ከመይ እዚ ሕጹጽ ጻውዒት ዝመስል ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ንሕዝቢ ብቀሊሉ ዝርከብ ፍታሕን ሓገዝን ብምትስፋው ንኩሉ ስለዘጸልምቱ ወጊድ ምባሎም የድሊ ኢሎም።

“ኣብ መንጎ ድቅድቅ ጸልማት ናይ ተስፋ ቀንደል ነብርህ። ኣብ ድራማዊ ኩነታት ንምስክርነት ወንጌል ታሕጓስ ንዘሎና ዕድል መንዚዕና ንኽኣል በዚ ከኣ ሕውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንህነጽ፣ በዚ ንፍትሕን ሰላምን ካብ እግዚአብሔር ኣቦና ክንቅበል ንኽእል፣ እዚ ከኣ ብግዲኡ ንክነፍቅር ሓይሊ ከልብሰና ስለዝኾነ፣ ሃየኸስ ነቶም ኢየሱስ ስለኦም ድኻ ዝኾነ ድኻታት ብምሕላይ ንኢየሱስ ንርከቦ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 Nov 2022, 17:32