ድኻታት ብዘይ ምንም ዋጋ ዕዳጋ ክፍቀሩን ክግልገሉን ከምዘለዎም ወንጌል ኣነጺሩ ይነግረና! ር.ሊ.ጳ
ዓመት መጸ ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝክረ ኩሎሙ ሙታን ብምግባር ስለ ኩሎም ሙታን ትጽሊ፤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ኣብ ባዚሊካ መንበረ ጴጥሮስ ስለእቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሞቱ ካርዲናላትን ጳጳሳትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ ነቶም ምስ ሞትና ኣብ መወዳእታ ፍርዲ መዔቀኒ ፍርዲ ዝኾኑ ድኻታትን ዝተገለሉን ክፍሊ ሕብረተሰብና ብምዝካር እንተደኣ ነዚኦም ብምግልጋል ሕይወትና ተዛዚሙ ድሕሪ ሞት ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብና ዚዓበየ በዓል ሓጐስ ከምዝኸውን ገሊጾም።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ዝቀርቡ ንባባት ቃል ኣምላኽ ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ክልተ ቃላት ብምጥቅላል ትጽቢትን ንትቅበሎ ዓይኒሰብ ዘይረኣዮን ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦን ታሕጓስ ምስንዳውን ክብሉ ነቲ ኢሳያስ ብትንቢቱ እግዚኣብሔር ንትጽቢታትና ብዘደንቅ መንገዲ ክውን ክገብሮ ምዃኑ ዝገልጽን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፎ መል እኽቱ ንሕና ኩልና ደቂ እግዚኣብሔር ብምዃና ወረስቲ መንግሥቲ እግዚኣብሔር መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃና ዝገለጾን ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ወንጌል ንጐይታ ክንርክብ ኣብ ትጽቢት እንርከብ ምዃና ዝገልጽ ክፍልታት ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ገሊጾም። ኣብታ ትጽቢትና ትዛዘመላ ዕለት ከኣ ነቲ ጐይታ ‘ኣቱም በቦይ ዝተባርኹም ንዑ ናብ ሓጐስ ጐይታ እተው’ ዝብላ ቃላት ሰሚዕና ልብና ብታሕጓስ ክውዒ ክስመዓና ዘለዎም ተስፋ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።
እዚ ዓለም እዚ ከም መጸበዪ ኣዳራሽ ኰይኑ ናብ መንግሥተ ሰማይ ንም እታው ንጽበ ኣሎና፤ ኢድና ኣጣሚርና ዘይኮነ ንመንግሥተ ሰማይ ዘብቅዕ ፍረ እናፈጸምና በዛ ትጽቢት ሰማይ ንበራታዕ፤ ድልየታትና ምስዚ ሃረርታ መንግሥተ ሰማይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ምስትንታን ክሕግዘና ይኽ እል፤ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ሓላፊ ነገራት ከይንጥሕል ነቲ ዘድልየና ጉዳያት ሃረር ምስ እንብሎ ነገራት ከይነደባልቆ እሞ ንትጽቢት እግዚኣብሔር ምስ በራሲ ዝኾነ ናይዚ ዓለም ነገራት ብምትሕሓዝ ቅድምያ ከይንህቦም፤ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ገዲፍካ ደድሕሪ ንፋስ ምጒያይ ዝ ዓበየ ጌጋ ናይ ሕይወትና እዩ፤ ንላዕሊ ንጠምት ከመይ ጒ ዕዞና ንላዕሊ ንሰማይ እዩ፤ ኣብ ርእሲዚ ከኣ እቲ ሃምናን ቀልብናን ዝሕዝ ዝበለጸ ጥበባትን ዓወታትን ዝወሃቡና ሽመታትን ኣር እስትትን ዝተኣከበ ሃብታትን ምድራዊ መኽሰባትን ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ንሰማይ ኣይበጽሑን እዮም፤ እኳ ደኣ ኣብ ቋሕሰም ኩሉ ኪጠፍእ እዩ ኢሎም።
እንተኾነ ነዚ ኩሉ እናፈልጥና ክሳብ ክንደይ በዚ ከንቱ ዝኾነ ነገራት ኣእምሮናን ሓይልናን ስም ዒትናን ተመሊኹ ክንደይ ሻቅሎትን ላዕልን ታሕትን ከምዝበሃል ዝገለጹ ቅዱስነቶም ክኸውን ዘለዎ ናብቲ ሓቀኛ ቤትና ብምትኳር መፈጸምታ ጒዕዞ ምድራዊ ሕይወትናን ብምሕሳብ ክንጐዓዝ ሓርራ ኢሎም፤ ነዚ ንክሕግዘና ከኣ ነቲ ጸሎተ ሃይማኖት ክንደግም እንከሎና ‘ብትንሣኤ ሙታን እኣምን ኣብ መጻኢ ዓለም ሕይወት ከምዝህልዋ እኣምን’ ንዝብላ ቃላት ክነስተንትን ኣብ ሕይወትና ካብዚ ቀንዲ ጉዳይ ከዘንግዑና ንዝፈታተኑና ነገራት ወጊድ ቢልና ነቲ ጽባሕ ድሕሪ ሞትና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዝጽበየና ዘደንቅ ነገራት ክንሓስብ ኣዘኻኺሮም።
ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዝጽበያ ዘደንቅ ነገራት!
ትጽቢት ቀንዲ ቀላሲት ኣተሓሳስባናን ሕይወትናን ምዃና ምስ ገለጹ እንታይ ኢና እንጽበ ን እትብል ሕቶ መልሲ እትኸውን እቲ ጐይታ ኣሰናዲውልና ዘሎ ዘደንቅ ሕይወት ዓይኒ ሰብ ዘይረኣዮ ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተደኒቆም ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ንጉይታ ‘መኣስ ጠሚኻ ጸሚእካ ረኺብናካስ ነዚ እትብሎ ፈጺምና’ ዝብልዎ ንሕና ብከምዚ ዝበለ ኣድናቆት ነዚ ሠናይ ቃላት ክንሰምዕ ምዃና ምሕሳብ የድሊ፤ እዚ ግን ነቶም ግብረሠናይ ብምግባር ንመንግሥተ ሰማይ ዚኣትው ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኩነኔ ዝተፈርዶም እውን ዝምልከት ምዃኑ እሞ ከማኣቶም መኣስ ጠሚኻ ርኢና ዝብላዕ ኣይሃብናን ዝብሉ ሃንደብነቱ ብክልቲኡ ወገን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻርሮም።
መኣስ ደኣ! ንእትብል ቃል እስኪ ንገዛእ ርእስና ንድገማ! ከመይ ብዛዕባ ፍርዲ ሕይወትን ፍትሒ ኣብ ዓለምን ብዝምልከት ይግባይ ዘይበሃሎ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይጽበየና ኣሎ፤ ኣብ መለኮታዊ ቤትፍርዲ ኣምላኽ እንኮ መኽሰብን መኽሰስን ንድኻታት ንዝተገለሉን ዝግበር ናይ ምህረት ሥራሕ እዩ፤ እታ ጐይታ ነቶም መኣስ ከምዚ ኰንካ ርኢናካ ንዝበሉ ‘ነዞም ንኡሳን ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ን ዓይ ኢኹም ዝገበርኩምዎ’ እንክብል እቲ ልዑለ ልዑላን ዝኾነ ጐይታ ኣብ ድኻታት ክነብር ካብ ሰማያዊ ዙፋኑ ምስቶም ዓለምና ምንም ትርጉም ዘይህቦም ክነብር ምፍቃዱ ዝ ዓበየ ሃንደበትነት እዩ፤ ነዚ ከኣ ንጽበ፤ እሞኸ ደኣ መዛግብ መንግሥተ ሰማያት ንመዝግብ ቢሎም።
ሓቀኛ መዛግብ መንግሥተ ሰማያት!
ቅዱስነቶም ምሥጢር ምውናን መዝገብ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ኣገልግሎት እቶም ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ክብል ኢየሱስ ዝገልጾም ድኻታትን ሕብረተሰብና ዝገለሎምን ምዃኑ ንምግላጽ ካብ ሓደ ሉተራዊ ኣገልጋሊ ካህን ካብ ኡክራይና ንዘኽታማት ውግእ ኣብ ምርዳእ ዘሎ ዝጸሓፎም መልእኽቲ ብምጥቃስ ከምዚ ክብሉ ጠቂሶም።
እቲ ሉተራዊ ኣገልጋሊ ኣብ መል እኽቱ ‘ኣገልግሎተይ ነዞም ዝተገለሉ ዘኽታማት ውግ እ ምሕብሓብ እዩ፤ ከመይ እቲ ጨካን ውግእ ወለዶም ኣሕዲግዎም በይኖም ገዲፍዎም’ ይብል፤ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ይገብር ኣሎ፤ ነቶም ኣላዪ ዘይብሎም ኣብ ትራጀዲ ዝርከቡ ናሽቱ ይከናኸን። ኣነ ነዛ ብብዙሕ ስቃይ ዝተጻሕፈት መል እኽቲ ምስ ኣንበብኩ ነቢዔ ብልበይ ከኣ ‘ጐይታ ብሓቂ ንስኻ ነቲ ሓቀኛ መዛግብ መንግሥተ ሰማይ ብቀጻሊ ትዘር እ ኣሎኻ’ ኢለ፤ ስለዚኸስ መምዘኒ ፍርዲ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ድሮ ተገንዚብናዮ ኣሎና ኢሎም።
ናይ መወዳእታ ፍድኸስ እዚ እዩ ዝኸውን ዝፍጽሞ ከኣ እቲ ትሑት ጐይታ ፍቅሪ ዝኾነ ኢየሱስ እዩ፤ ነታ ዘይትተርፍ ሁመት እቲኣ ንምስንዳው እንታይ እንታይ ክንገብር ከምዘሎናኸስ ኣዳዕዲ ዕና ንፈልጥ ኢና፤ ብነጻ ምፍቃርን ምንም ክገብሩልካ ትጽቢት ከይገበርካ ሠናይ ብምግባር ዘይበርስ መዝገብ ነጥሪ፤ ኣሕዋተይን ኣሕዋተይን ንሕና በዚ ሃንደበታዊ ፍርዲ እዚ ክይንድህለል ንጠንቀቅ ንቃል ወንጌል ከምዝመስለና ካብ ምትርጓም ክንጠንቀቅ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻርሮም።
ምኽንያቱ ከኣ ብዙሕ ግዜ ንክጥ ዕመና ብማለት ንመል እኽቲ ኢየሱስ ክንጠማዝዞ ብዘይናቱ ክንጅልሖ ንርከብ፤ ፈቲና ጸሊ እና ኩልና ንክጥ ዕመንና ንቃለ ወንጌል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም እነውርድ ንተኣመን! ክሳብ ኣብዚ ክሳብ ኣብቲ እናበልና ንወዓዓ! ንጥሙያት ም ዕንጋል እወ እንተኾነ ንክንደዩ ክፈትሕ ኣነ ሽግር ጥሜት ዓለም ዝተሓላለኸ እዩ! ንድኻታት ምሕጋዝ እውን ከማኡ እንተኾነ ጉዳይ ፍትሒ ምጉዳል ብካል እ መንገዲ ክጥመት ኣለዎ ስለዚ ክጽበ! ከማኡ ንሕሙማት ምስናይ ስደተኛታት ምቅባል ነናትና ምኽንያት ብምሃብ ሓንሳብ ናብ ፖሎቲካ ሓንሳብ ናብ ቊጠባ እናኣጸጋጋዕና እወ እንተኾነ እናበለ ንቃል ወንጌል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነውርዶ! ኣብ ክንዲ ገርሀናታት ኣርድእቲ ኢየሱስ ምዃና ከምቲ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ኣብ ኩነኔ ዝቀርቡ መኣስ እሞ ርኢናካ ዝብል ኣምር ሊቃውንቲ ኰና ኣብ ክንዲ ገለ ምግባር ክንማጐት ግዜና ነሕልፎ! እዞም ንማጐት ወላ ሓደ ድኻ ብስሙ ኣይፈልጡን ዋላ ሓደ ሕሙም ኣይበጽሑን።
እታ መልሲ ሓንቲ እያ፤ መኣስ ንዝብል ሕቶ ሕጂ እያ መልሳ፤ ሕጂ ካብዚ ቅዳሲ ምስ ወጻእኪ፤ ሎሚ! ኩሉ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ! ናይ ምሕረት ሥራሕ ኣብ ዘተን ምጉትን ኣይኮነን ዘሎ፤ ሎሚ ጐይታ ሞት ነዚ ንክፈሊ ሓቂ ንክገልጽ እዩ ዝመጽእ እንክብል የዘኻኽረና ኣሎ፤ ኣይፈለጥናን ክንብል ኣይንኽእልን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።
03 Nov 2022, 13:29