ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምስሪ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ንብረት ኣየር የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምስሪ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ንብረት ኣየር የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምስሪ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ንብረት ኣየር የተባብዑ

እቲ ኣብ ምስሪ ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣሰር ስምምዕ ፓሪስ ብምስዓብ ንቕድሚት ዝስጉሙ ውሳኔታት ብትብዓትን ብቆራጽነትን ኣብ ግብሪ ከውዕል ተስፋ እገብር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ካብ ዕለት 6 – 18 ሕዳር ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ምስሪ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተዋጽኡ መራሕቲ ሃገራት ኣሳቲፉ ኣብ ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብምትብባዕ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ምጅማር ቀዳማይ ዓመት ተግባሪ መስርሕ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዛዕባ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝዕድም ዓዋዲ መልእኽቲ ከም ዝዘከሩን ኣብ ምስሪ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተወዲቡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝዝትዩ ዘለዉ ተጋባእያን፡ ከቢቢ ንምሕላው ኣብ ዝግበርዎ ጻዕሪ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኣስዒቡ ቅዱስነቶም፥

እቲ ኣብ ምስሪ ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣሰር ስምምዕ ፓሪስ ብምስዓብ ንቕድሚት ዝስጉሙ ውሳኔታት ብትብዓትን ብቆራጽነትን ኣብ ግብሪ ከውዕል ተስፋ እገብር፡

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፥

“ይሴባህ” ዓዋዲ መልእክቲ ተግባሪ መስርሕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ 2015 ዓ.ም. “ይሴባህ” ብዝል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዛዕባ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝምዕድ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘኪሮም፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 7 ሕዳር ብመሰረት እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ምስ ምኽባር ስነ ምህዳርን ስነ ህይወትን ዝሰማማዕ ኣነብብራን ዘተባብዕ ተበገሶ ተግባሪ መደብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ከም ዝነበረ ዘኪሮም ቅዱስነቶ ኣብቲ ተግበሶታት ውልቀ ሰባት ኣባይቲ ስድራ ማሕበራት ትካላት ንግዲ ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ባህላውን ጥዕናውን ጉዳይ ዝምልከታ ትካላትን ሓዊስካ ብጠቕላላ ልዕሊ ሽዱሽተ ሺሕ ተሳተፍቲ ይዋስኡ ከምዘለዉ ዘኪሮም፥

እዚ ንኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ናይ ሸውዓተ ዓመት ዓቢይ ጉዕዞ ጅማሮ እዩ። ኩሉ ሰብ ፍጥረት ንምሕብሓብ ጭቡጥ ተወፋይነት ምእንቲ ከዕቢ እዚ ንመጻኢ ወዲ ሰብ ዝምልከት ወሳኒ ተልኾ አተባብዕ

ከም ዝበሉ የመላኽት።

መበል 27 ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ለውጢ ኣየር - ይቕጽል

እቶም ኣብ ምስሪ ኣብ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝመኽሩ ዘለዉ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ሚኒስትራት ነቲ ከባቢ ኣየር ንምሕላው ዝዕንቀጽ ዘበለ ኣገባባት ኵሉ ክሰብሩን ዓለም ኣብ ምክንኻን ከባቢ ኣየር ንድሕሪት ከይብል ክጽዕሩ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፥ እቶም ተጋባኣያን ነቲ ጠንቂ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዝፈጥር ልቀት በካሊ ጋዝ ንምንካይ ቀጻሊ ስጉምትታት ኣማኣኪሎም ይመያየጡ ከምዘለዉን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 11 ሕዳር ነቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሃገሮም “ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ዘለዋ ተልእኾ ከም ግድን ጥራይ ዘይኰነስ ብዓይኒ ታሪኽ ክርአ እንከሎ እውን “ህይወት ናይ ሓባር ቤትን” ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ እውን እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዝመጽእ ሓደጋታት ከቢድ ቁጠባዊ ክሳራ ዘጋጥመን ሃገራት ንምሕጋዝ ዓለም ለኻዊ መስርሕ ምውላ ክፈጥር ምዃኑ ከም ዘፍለጠን፡ ጀርመን እውን ነዚ መደብ ሓገዝ ዝውዕል ብግምት 170 ሚሊዮን ዶላር ክትልግስ ቃል ክታኣትው እንኮላ ኦስትሪያ ሓዊስካ ካልኦት ሃገራት ድማ ብድምር 225 ሚሊዮን ዶላር ከበርክታ ምዃነን ክንገር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ጻውዒት ዘቕርብ ዝተፈላለያ ዛዕባ ከባቢ ኣየርን ናይ ሓባር ቤትናን ዝግደሳ ስነ ምሕዳራዊ ጥዕና ዘነቓቕሓ ውድባት ስነ ምሕዳር፥ “ብዘይ ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒ ከባቢ ኣየር” የለን ብዝብል መርሕ ቃል ወፍሪ ንምንቕቓሕ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዳ ከም ዘለዋ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

14 Nov 2022, 15:58