ድለ

2022.11.10 ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን 2022.11.10 ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን 

ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን

ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ድሕሪ እቲ 25 ደቓይቕ ስወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፥ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሩቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን

ዕለት 10 ሕዳር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብበዓልቲ ቤቶም ንግስቲ ራንያን ኣሰነይቶምን ተዓጂቦም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ሓሸሚት ገዛኢ መንግስቲ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ 25 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ቢን ኣል ሑሰይን ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕን ስደተይናታትን ሰላምን ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ምስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ክራኸቡ ንራብዓይ ግዜኦም ከም ዝኾነን፥

ክሌኣዊ ርክብ

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብ ሃገሮም ናይ ዝርከብ ቅዱሳት ስፍራታት ዓቃብን  ሃገሮም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ምእንጋድን ዘለዋ ዓቢ ግደ ከም እተሰምረሉን እዛ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝህዝባ ሃገር ደረት ኣልቦ ጸጋታት ዝተዓደለት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ሶርያውያን ዘአንገደትን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተይናታት ሰራሕተይናታት ብቐንዱ ካብ ጎረባብታ ዝመጹ እተአንግድን ከም ዝኾነትን ነዚ ዝጠቐሱ ቅዱስነቶም፥ ኣብነት እንግዶት እንክብሉ ገሊጾም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን

ክሌኣዊ ዘተ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማዊ ድሕሪ እቲ 25 ደቓይቕ  ስወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፥ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሩቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ እውን፥ “ንዘሎ ናይ ቅድስቲ  መንበርን ሃገረ ዮርዳኖስን ጽቡቕ ክሌኣዊ ርክብ” ብምዝካር ብዛዕባ ስደተይናታትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዮርዳኖስ ተልእኾኣ ብናጽነት ብምፍጻም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ቀጻልነት ክህልዎን ክምዕብልን ኣገዳስነት ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሕቶ ፍልስጥኤምን ጒዳይ ስደተይናታትን ህላወ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብቲ ዞባ ክኽበርን እዚ ህላወ እዚ እውን ክድገፍን ክተባባዕን ከም ዘድሊን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ቅዱሳት ቦታታት ምልክት ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ እውን ክኸውን ክዕቀብን ከም ዝግብኦ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም እተሰመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን
ክሌኣዊ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ን ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዱላሕ ዳግማውን

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክሌኣዊ ክርብ ፍጻመ ዝግበር ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተኻየደን፡ ንጒስ ኣቡድላሕ ዳግማዊ ንቅዱስነቶም ቅዳሕ ናይ ጥንታዊ ቁርዓንን ዕጣንን ኣብ ዮርዳኖስ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐሉ ቅዱስ ስፍራ ዝመጸ ቅዱስ ማይ ከም ዝለገሱሎምን ቅዱስነቶም እውን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስል ዝተቐርጾ ዓምድታት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘርእይን ናይ  ቅዱስነቶም ናይ 2022 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላምን  ከምኡ እውን ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነትን  ዕለት 27 መጋቢት ለብዒ ኮቪድ 19 ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍን ገጸ በረኸት ከም ዘቕርቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
11 Nov 2022, 15:51