ፍራንቸስኮ ባሕሬይን ኣትዮም
ቅዱስነቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር ንመበል 39 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ነቒሎም ኣብ ባሕሬይን ኣዋሊ ኣብ ዝርክበ መዓርፎ ነፈርቲ በቆጻጽራ ባሕረይን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ከም ዝኣተዉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ናይ ባሕሬይን ንጉስ ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ናብ ንጉሳዊ ቤተ መግንስቲ ሳኪር ንክብሪ ንጉስነቶምን ሃገርን ህዝብን ባሕረይን ምብጻሕ ኣካይዶም ድሕሪ እዚ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ሰበ ስልጣናትን ወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ሃይማኖታትን ኣብ ባሕሬይን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ከም እተራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ ድሕሪ መደረ ንጒስ ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ቅዱሰንቶም መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
04 Nov 2022, 16:17