ጸሎትን ሕውነትን ዕጥቅናን መጋበሪናን ኮይኖም ዘስልጡ ኣጽዋር እዮም! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብ ባህረይን ኣብ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ምስቶም ሓወይ ዝብልዎ ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢይ ኢማም ሸክ ኣሕመድ ኣል ጣይብ ብሓባር ኮይኖም ንኣባላት ቤትምኽሪ ዓበይቲ ዓዲ ምስልምና ባህረይን ኣብ ሻኪር ሉዑላዊ ኣደራሽ ዝርከብ መስጊድ ዓርቢ ዕለት 4 ሕዳር 2022 ዓም ኣማስያኡ ተራኺቦም። ከምቲ ደጋጊሞም ብቋንቋ ዓረብ ዘቅርብዎ ሰላምታ ከኣ ሰላም ዓለይኩም ክብሉ ሰላም እግዚአብሔር ምሳኦም ኪኸውን ብምምንይ ከኣ ኩሎም ኣብ መንጎ እምነት ምስልምና ምምቅቃልን ግጭትን ንምውጋድ መንፈስ ዕርቂ ከደንፍዑ ምናዳ ጽንፊ ዝሕዙ ንቅኑዕ እምነት ዘማስኑ ግጉይ ትርጉም እምነት እናዘርግሑ ንእምነት ኣሉታዊ ኣገልግሎት ስለዘውፍዩ ብእዋኑ ክእረሙ ንምዝኽኻር ከምዚ ቢሎምዎ።
እግዚአብሔር ሰላም እዩ!
ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝተመነዪሎም ሰላም እግዚአብሔር ምዃኑ ከመይ ምንጪ ሰላም ንሱ ስለዝኾነ ብምንም ተኣምር ውግእ ከምዘየምጽእን ጽልኢ ከምዘይዘርእን ንዓመጽ እውን ብምንም ተኣምር ከምዘይድግፍ ኣነጺሮም። ንሕና እቶም ብኣኡ እናምኣምን ከኣ ብመጋበሪ ሰላም ክነደንፍዕ እዚ ከኣ በቲ ኦክስጅን ናይ ሰላማዊ ኅብረምንባር ዝኾኑ ብከምዚ ዚኣመሰሉ ርክባትን ብትዕግስቲ እሂን ምሂን ቢልካ ብምዝታይን ሰላም ክነደንፍዕ ዝተጸዋዕና ኢና። እግዚአብሔር ከምቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ቤትምኽርኹም ዝኾነ ኣብ ፍትሒ ዝተመሥረተ ባህሊ ሰላም ንክንዝርግሕ ትሑዛት ምዃና ክንፈልጥ ይደልየና። ከመይ እታ ዘላትኒ እንኮ መንገዲ መንገዲ ሰላም ኮይና ንሳ ኸኣ ሳዕቤን ናይ ጽድቂ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ሰላም ሰላም እንተተባህለ ቀሊል ከምዘይኮነን ብቀሊሉ ብምእዋጅ ከምዘይትግበር እንታይ ደኣ ሱር ክሰድድ ክሕገዝ ዘለዎ እዚኣ ሕንፍሽፍሽን ጽልእን ዘለዓዕሉ ዝኾነ ዓይንት ዘይማዕርነትን ኣድልዎን ብምውጋድ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ምስ በሉ ከም ሓደ ሓውን ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ሰላምን ኣብ ማእከሎም ከምዝተረኽቡ ገሊጾም።
ሓውን መንፈሳዊ ነጋዲ ሰላምን!
ቅዱስነቶም ቀንዲ ምኽንያት ሓውጾተ ኖልዎኦም ብሓጺር ንምግላጽ ‘ኣብ መንጎኹም መጺኤዮ ዘሎኹ ከም ኣማኒ እግዚአብሔርን ከም ሓውን ከመ መንፈሳዊ ነጋድን እንክኸውን ምሳኹም ብመንፈስ ናይቲ ብኣፍካ ሰላም እንክትሰብኽ ኣብ ልብኻ ዚዓበየ ሰላም ከምዘሎ ኣረጋግጽ ዝብል ዝነበረ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ብሓባር ንምጒዓዝ እዩ። ኣብ ባህልኹም ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ንሰላምታ ኢዱ ምስ ሰደደ ነታ ሰላም ዝበለት ኢዱ ኣብ ኣፍልቡ ብፍቅሪ እንከዕልባ ካባይ ኣይትርሓቅ ኣብ ልበይ እቶ ኣብ ሕይወተይ እቶ የስምዕ። ኣነውን ምስ ምሉእ ኣኽብሮን ፍቅርን ንነፍስወከፍኩም እንክጥምት ኢደይ ኣብ ኣፍልበይ አቀምጥ ነቲ እዚ ርክብ ሓድሕድ ክውን ዝገበረ ልዑል እግዚአብሔር ከኣ እባርኽ ከመይ ርክብን ሕውነትን ተመላላእቲ እዮም ኢሎም።
ርክብን ሕውነትን!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል መግለጺ ሕውነት ርክብ ስለዝኾነ ግድን ክራኸቡ ከምዘለዎም እዚ ከኣ ነንሕድሕድካ ንምፍላጥን ንምኽባርን ንክውንነት ቅድሚ ሓሳባት ንደቂሰባት ከኣ ቅድሚ ርእይቶታት ብምሥራዕ ክንዮ ፍልልያት ዓለምና መንግሥተ ሰማያት ይኸፍተልና። ብስም እቲ ምንጪ ሰላም ዝኾነ ዝተፈጥረ ታሪኽ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ዘይምርድዳእን ሕሉፍ ግርጭታት ሰጊርና መጻኢ ሕውነት ክነቀድም ኣሎና። ኩልና በቲ ዓሚ ኢማም ዓሊ ዝበሎ ማለት ‘ሰባት ክልተ ዓይነት እዮም፣ ወይ ብእምነት ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ወይከኣ ብሰብኣውነት ብጾትና ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዮን እዮም’ ብዝብል ኣምር ክንምራሕ ሓደራ እብል። በዚ ከኣ ንዝሓለፈ ንረስዕ ብክፉት ልቢ ነንሕድሕድና ንረዳዳእ፣ ምስ ብሉ ንመኽሰብ ኩልና ከኣ ሰላምን ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ሞራላዊ መምሪሒታትን ክዕቅቡን ከደንፍዑን ከምዚ ክብሉ ሓደራ በሉ።
ሓይሊ ሕይወት!
ቅዱስነቶም ምሥጢር ሓይሊ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ዝለዓለ ምዃኑ እኳ ርዱእ እንተኾነ ምናዳ ኣብቲ ደረቅ ኣጻምእ ምድረበዳ ንክነብር ዘኽእሎ ሓይሊ ሰራውሩ ናብ ዝዓመቈ ክፍሊ መሬት ብምስዳድ ማይ ብምርካብ ስለዝኾነ ኣብዚ ካብ ደረቅ ምድረበዳ ተፈጥሮ ዘይሰንፍ መነባብሮ ደቂሰባት ከኣ ማይ ርክብን ሰላማዊ ኅብረመነባብሮን ግድን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ናብታ ኣብ ባህረይን እትርከብ ምሳሌ ኦም ሕይወት ምልስ ብምባል ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኦም ሕይወት ዝብል ኣብቲ እግዚአብሔር ንደቂሰባት ዝሓለኖ ገነት ኤደን ከምትርከብ ጠቂሶም። እቲ ጸገም ግን ደቂሰባት ንፈጣሪ ምእዛዝ ኣበዩ ሳዕቤኑ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእስን ቅትለትን (ዘፍ 14) ኣብ መንጎ ካልኦት ትዕቢትን ማሕበረሰባዊ ግጭትን (ዘፍ 11) ኮነ። እዚ ክሳብ ሎሚ ዘሳቅየና ዘሎ ክፍኣተ ግብሪ ሱር መሰረት ንእግዚአብሔር ምንጻግ ከማኡ እውን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምንጻግ ኮይኑ ነቲ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ፈጣሪ ክንርእዮ ስለዘይከኣልና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንፍጽሞ ዘሎና ምትሕልላይ ሓለዋን ኣጥፋእና። እንተኾነ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ወትሩ ዘይተርፋ ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ (ዘፍ 3.9) ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ (ዘፍ 4.9) ዝብላ ክልተ ሕቶታት ንዝኾነ እምነት ዝምልከታ ኣለዋ እንክብሉ ነፍስወከፍና ክምልሶ ዘለዎ ሕቶ ምስ ኣቅረቡ ነቲ ካብ እግዚአብሔርን ጐረቤትን ዘርሕቀና ግላውን ማሕበረሰባውን ዓለምለኻውን ቊጠባውን ክፍኣተ ግብሪ ከማኡ እውን ኣከባብያዊ ቅልውላው ዘመና ክንሓስበሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾ።
ኣብ ክንዲ ቃላት ተግባራት!
ቅዱስነቶም ነቲ ኩሉ ሓደራ ዝበልዎ ብቃላት ሓሳብ ጥራይ ኮይኖም ከይተርፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ግድን ስለዝኾነ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰብን ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ነዚ ከኣ ብቀዳምነት ነቲ ዝሰብክዎ ብኣብነት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣብቲ ዘለውዎ ዓድታት ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር እውን ክምስክሩ ዘለዎም ሓላፍነት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ደቂ እቲ ኣቦ እምነት ዝኾነ ኣቦና ኣብርሃም ከም ምዃና መጠን ኣብ ጉዳያት ገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሕጸር ኣይከኣልን እንታይ ደኣ ብሓድነት መጠን ዝዓበናሉ ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ መላእ ዘመደ ኣዳም ክንዛረብ ኣሎና። ሰብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ! ስቃይ ክፍኣት ሞት ፍትሒ ምጒዳል ስለምንታይ ይህሉ! ድሕሪ ሞት እንታይ ይጽበየና! ብዝብል ሕቶታት ነዚ ብንዋታዊ ጥቅምን ሃልክን ተዋሒጡ ነዚ ሕቶታት ዓቢጡ ዘሎ ዓለምና ነበራብር። በዚ ጉዳይዚ ነንሕድሕድና ንደጋገፍ። ነዚ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ንብሎ ዘሎ ንስዓቦ! ብሓባር ንጐዓዝ። ነዚ እንተገበርና ብልዑል ኣምላኽን ብንኡሳንን ተኣፈፍትን ፍጡራት ክንባረኽ ኢና እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።