ድለ

ታሕጓስ ጐይታ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ኣይትሰንልችው! ር.ሊ.ጳ ንውሉደ ክህነት ባህረይን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ምዝዛም ሓውጾተ ኖልዎ ባህረይን ምስ ጳጳሳትን ውሉደክህነትን ናይቲ ዓዲ ተራኺቦም ኣብ ዘቅረብዎ ለበዋ ‘ሓጐስ ጐይታ ንዝተፈላለልዪ ሕዝብታት ወሽመጥ ዓድኹም ኣባጽሑ’ ምስ በሉ ስለሰላም ኢትዮጵያን ኡክራይንን ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ስደተኛታት ወሲኽካ ከባቢ ኣርባዕተ ሚእታዊት ዝኸውን ምእመናን ባህረይን ብምብጻሕ ቅዱሰንቶምን ዘቅረቡሎም መሥዋዕተ ቅዳሴን ምጽንናዕን እንክሕጐሱ ኣብ መወዳእታ ዕለት ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ነቶም ነዞም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለምና ዝመጹ ነበርትን ሠራሕተኛታት ዝጓስዩ ጳጳሳትን ካህናትን ኣኪቦም ጸሎተ ዳዊት ብሓባር ምስ ደገሙ ፍልይ ብዝበለ ከመ ውሉደ ክህነት ነቲ ክርስትና ዝህቦ ታሕጓስ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ገዛእ ርእሶም ክዕቅብዎን ከዕምቊዎን ነዚ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኩሎም እናኣብጽሑ ክግበርዎ ንእግዚአብሔር ሒዞም ከኣ ዘይስገርዎ ግድል ከምዘየሎ ኣረጋገጹሎም።

ቅዱስነቶም ነዙይ ዝበለሉ ኣብ ምዝዛም ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ዋና ከተማ ባህረይን ከተማ ማናማ ዝርከብ ቊምስና ንጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣገልግልቲ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮን ተቀቢሎም ብሓባር ኣብ ዝጸለልዩኡን ምኽሮም ኣብ ዝለገሱሉን ግዜ ነበረ።

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዝብልዎ ክርስትያን ማለት ወትሩ ሕጉስ ኮይኑ እዚ ሓጐስ እዚ ከኣ ኣብ ብሥራት ወንጌል ዝውለድ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ክርስትያን ዝነብርን ምስ ካልኦት ትካፈሎን ጸጋ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ወትሩ ተሓጐሱ ደጊመ ተሓጐሱ እብለኩም ክብል ሓደራ ዝበሎ ብምዝኽኻር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወቶም ኪኣቱ ብምፍቃድ ምጽንናዕ ሂቡ ነቲ ቀንዲ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሓደነት ክህቦምን ነዚ ሓድነት እዚ ብቀጻሊ ክሕልውዎ ሓቀኛታትን ተኣመንትን ወንጌል ኮይኖም ንዘተ ክፉታትን ስንድዋትን ክኾኑ ሓደራ ከመይ ገጽታ ኢየሱስ ውህደትን ሓደነትን እዩ ኢሎምዎም።

ውህደት መልክዕ ኢየሱስ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብተን ኣብ ባህረይን ዝጸንሕወን ሰልስተ መዓልታት ካብ ዘድንቅዎ ነገራት ናይዛ ኣብ መንጎ ምስልምና እትርከብ ማይበረ ክርስትያን ከም ገነት ኣብ ማእከል ምድረበዳ ኮይኑ ካቶሊካዊ መልክዖም ምሉእ ብምሉእ ብመንፈስ ኩላዊት ቤተክርስትያን ዝገልጸሉ ደቂ ኣባት ደቂ ዓድስ ይኹን እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ባህረይን ዝርከቡ ክርስትያን ብሓባር ሃደ እምነት ኣብ ክርስቶስ ክምስክሩ ምኽኣሎም ድሕሪ ገሊጾም፣ ካብቶም ተጋባእቲ ገሊኦም ሊባኖሳውያን ምዃኖም ምስ ኣስተውዓሉ ከኣ ንስቃይ ምእመናን ማእከላይ ምብራቅ ወትሩ ከምዝዝክርዎን ስለ እታ ብሕማቅ ቆሲላን ደኺማን ዘላ ፍቅርቲ ሃገሮም ከምዝጽልዩን ብመንፈስ ኣብ ጎድኖም ከምዝኾኑን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ብዝተፈላላአይ ታሪኻትን ብዝተፈላለዩ ገጻትን ዝቆመት እሞ ከኣ ብውህደት መልክዕ ኢየሱስ እትገልጽ ቤተክርስትያን ክፍሊ ምዃን ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ ኢሎም።”

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል እቲ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ካብ ኢየሱስ ዝፍልፍል ሕያው ማይን እቶም ዝኽተልዎ ክርስትያን እውን ከማኡ ምንጪ ናይዚ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ኮይኖም ነዚ ሓጐስ ተሓሪምዎ ዘለዎ ዘመንና ጽምኢ ሓጐሱ ከርውዩ ጽውዓት ምዃኖም ገለጹሎም።

ሽሕ’ኳ ጽፍሒ ደቂሰባት ብፍርህን ጸገማትን ድኻምን ዝተወረረ እንተመሰለ እቲ ኣብ ልባትናን ኣብ ነፍስናን ዘሎ መንፈስ ነዚ ምድረበዳነት ዳግም ከምዝዕምብብ ገቢሩ ንዝደረቀ ሕይወት ይዘርእ ነዚ ከኣ ነቲ ደረቅ ሓመድ ጠለት ብምሃብ ጽምኢ ሓጐስና ከምዘርዊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“መንፈስ ወትሩ ሕይወት ይዘርእ። እዚ እቲ ኢየሱስ ዝዛረበሉ ማይ ኣዩ። ናይቲ ንሱ ዘተስፍወና ዓይኒ ማይ ሓዲስ ሕይወት እዩ። እዚ ከኣ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ለዋህን ኣፍቃርን ሓይሊ ዘሐድስ ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ልደት ቤተክርስትያን ንምዝኽኻር ‘ቤተክርስትያን ካብ ዝተወግኤ ጐድኒ ኢየሱስ ካብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ከም እትውለድ ዝገብር ማይ እያ ተወሊዳ፣ ክርስትያን ዝኾናሉ ብናትና መንፈዓትና ሥራሕን ዘይኮነ በታ እኣምን እንብላ ጸሎተ ሃይማኖት እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እዚ ማይሕይወት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ግዜ ጥምቀት ደቂ እግዚአብሔር ኰና ነንሕድሕድና ሓውን ሓውትን ኰና ሓዲስ ፍጥረት ከም እንኸውን ገቢሩና’ እንክብሉ ክርስትና ዝተቀበልናዮ ጸጋ እምበር ብተግባርና እንረኽቦ ጉዳይ ከምዘይኮነ ገሊጾም። ኩሉ ካብ ጸጋ እዩ ኩሉ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝዕደለና ምዃኑ ምስ ጠቀሱ ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ በብሓደ ዘርዚሮም።

ሰለስተ ዓበይቲ ውህበታት!

ቅዱስነቶም ነዘን ሰለስተ ዓበይቲ ውህበታት ዝበልወን በታ ቀዳመይቲ ዝበልዎ ብውህበት ሓጐስ ይጅምሩ እሞ መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ሓጐስ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“እቲ ጐይታ ኣብ ምድረበዳ ሰብኣውነትን ተኣፋፍነትን መሬትናን ከውሕዞ ዝደሊ ብቀዳምነት ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና በይንና ከምዘይኮና ዝዋሃበና ርግጽነት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብምንም ተኣምር በይንና ኣይሓድገናን እዩ። ድምጺ ብዘይብሉን ዝሮሩ ህላዌኡን ገቢሩ ዘጸናንዓና መንፈስ ቅዱስ ከስ ብፍቅሪ የሰንየና ኣብ ቃልስናን ጸገማትናን ይድግፈና ንዝበለጸ ሕልምታትና ዓሚቊ ሃረታታትናን ኣብ ግብሪ ንክነውዕል የተባብዓና በዚ ከኣ ንኣድናቆትን ጽባቄን ሕይወት ክፉታት ከምእንኸውን ይገብረና ቢሎም።”

እዚ ታሕጓስ መንፈስ ቅዱስ እዚ ግን ማንም ግዝያዊ ስምዒት ከይመስሎም ዘጠንቀቁ ቅዱስነቶም ‘ምስ እግዚአብሔር ካብ ዝግበር ርክብ ከምዝውለድ ክንዮ ሓደ ክርስትያን ዘሕልፎ ቃልስታትን ጸልማት ለይታትን ንሱ ምሳና ስለዝኾነ በይናን ከምዘይኮናን ከምዘይንጠፍእን ከምዘይንሰዓርን ዘረጋግጽ ሓይሊ እዩ’ ኢሎም። በዚ ከኣ ብጐይታ ንኩሉ ክንስዕር ንኽእል ኢሎም።

ምስ እግዚአብሔር ንኩሉ ክነሸንፍ ንኽእል!

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ እግዚአብሔር ምሳና እንተኾይኑ መን ኪቃወመና ይኽእል ንዝበሎ ብምዝኽኻር፣

“ምስ እግዚእአብሔር ንዝኾነ ጸገም ዋላ ንዓዘቅቲ ቃንዛን ሞትን ከይተረፈ ክንገጥሞን ክነሸንፎን ንኽእል! ኢሎም”

እዚ ሓጐስ እዚ ወትሩ ከምዝህልወካ ዝገብር ምሥጢር ንምግላጽ ከኣ መጠን ንካልኦት ዝሃብካዮ መጠኑ ኣባኻ ከምዝጸንዕን ከምዝዓብን ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ርግጽ እዩ ክርስትያናዊ ሓጐስ ተላባዒ እዩ። ወንጌል ክንዮ ገዛእ ርእስና ንጽባቄ ፍቅሪ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ከምእንሳተፍ ስለዝገብረና መጠን ምስ ካልኦት ዝተሳተፍናዮ ሓጐስና ይዓቢ። ስለዚ እዚ ሓገስ እዚ ኣብ ማሕበረክርስትያን ከተሰጋገረ ከይተርፍ ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።”

ዝለዓለ ናይ ማሕበረክርስትያን ምንጪ ቅዳሴ ስለዝኾነ ነዚ ሓጐስ ወንጌል ብሥርዓተ ኣምልኾን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ምናዳ ምስ መንእሰያትን ስድራቤታትን ከማኡ እውን ንክህነትን ገዳማዊ ሕይወት ዝኲስኰሱ መንእሰያትን ክንካፈሎ ሓደራ ምስ በሉ ናብታ ካልአይቲ ዓባይ ውህበት ዝበልዋ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን ሰጊሮም።

ደቂ እግዚአብሔር!

መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ሓጐስ ኣብ ርእሲ ምዃን ምንጪ ውህደትን ሓድነትን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“መንፈስ ቅዱስ ዝቅበሉ ኩሎም ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦ ይቅበሉ እሞ ውሉድ ኣምላኽ ይኾኑ! ውሉድ ኣምላኽ ካብ ኮኑ ከኣ ነንሕድሕዶም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም።”

እዚ ማለት ደጊም ንስራሕ ስጋ ቦታ የሎን ንስስዕቲ ምክፍፋል ንባእሲ ስም ምኽፋእን ሕሜትን ቦታ የለን። ኣብ ዓለምና ዝረኤ ምክፍፋል ዓሌታዊ ባህላውን ሥርዓታውን ፍልልያት ነዚ ሓድነት መንፈስ ቅዱስ ከቊስል ወይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርድ የብሉን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ዓለማዊ ሃረርታ ኣቃጺሉ ንሕይወትና በቲ ኢየሱስ ዘፍቅረና ምውቅን ርሕሩሕን ፍቅሪ ገቢሩ ዳግም ንክኹላዕ የኽእሎ እሞ ነንሕድሕድና ከምእንፋቀር ንኸውን ነዚ ዚስዕብ ቋንቋ ፍቅሪ ከኣ ነዘውትር።

“ፍቅሪ ናይ ዘይምትእምማንን ጽልእን መናድቅ ኣፍሪሱ ንምቅብባልን ዘተን ቦታ የጣጥሕ። ካብ ፍርሂ ሓራ ኣውጺኡ ብምሕረት ገቢሩ ኣጽዋር ጽልኢ ኣውሪድና ንካልኦት ንክንረክብ ትብዓት የዕጥቀና። ሓድነት ሃሰስ ንበል ናይ ሓድነት ሓለውትን ሃነጽትን ንኹን። ምስ ካልኦት እንክንዛተ እሙናት ንምዃን ብሕውነት ንንበር ኢሎም።”

ነቢያዊ ጸዋዕታና!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነታ ሳልሰይቲ ዓባይ ውህበት ዝበልዋ ትዕድልቲ መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ትንቢት ምዃን ብምዝኽኻር ታሪኽ ድሕነት እግዚአብሔር ብዝውዖም ነቢያት ምሉእ እዩ ኢሎም።

ነቢያት ካብ መንፈስ ቅዱስ ውሳጣዊ ብርሃን ዝተቀበሉ ኮይኖም ንኩነታት ከንብቡን ክትርጉሙን ዋላ ኣብቲ ዝጸልመተ ጒዕዞ ታሪኽ ህላዌ እግዚአብሔር ክርእዩን ንሕዝቢ ክገልጹ ዝኽእሉ እዮም። ሽሕ’ኳ ቃላቶም ዝሓቅዩን ዝገንሑን ነቲ ዘሎ ጌጋ ዘጋልጹን ንንስሓ ዝጽዑን እንተኾነ ክስምዑ ዘለዎም ምዃኖም ንሕና እውን ዕጫኦም ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ንሕና እውን ትንቢታዊ ጸዋዕታ ኣሎና። ዝተጠምቁ ዘበሉ ኩሎም መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም እዮም። በዚ ከኣ ነቢያት ናይቲ ልዑል እዮም። ክፍኣተ ግብሪ ከምዘይረኣናዮ መሲልና ቀሲና ክንነብርን ኣእዳውና ከየነርስሕ ክንጸቅጥ ኣይከኣልን እዩ። ብዕለታዊ ምስክርነት ሕይወትና ወንጌል ክንሰብኽ ኣእዳውና ክንጽይቅ ትርጉም ዘለዎ ተግባራት ከም እሱራት ምብጻሕን ካልእ ግብረ ሠናይን ክንፍጽም ኣሎና ኢሎም።”

ጽንዓትን ሓጐስን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ብዝተግብረሎም ኩሉ ኣመስገኖም ቡራኬኦም ምስ ሃቡ ከምዚ ክብሉ ክጸንዑን ብሓጐስ ክነብሩን ሓደራ በልዎም።

“ኣብ መንፈሳውን ቤተክርስትያናውን ጒዕዞም ጽንዓትኩምን ሓጐስኩም ክትዕቅቡ ኣተባብዓኩም፣ ኣማልድነት ማርያም ሃገረ ዓረብ ኣይፈለኹም። ምሳኹም ኮይነ ከኽብራ ሕጉስ እየ። ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕን ብፍቅሪ ክንጥመርን ብሓጐስ ክነብር ትደግፈና ኢሎም።”

እቲ ርክብ ከባቢ ፍቅሪ መዓልቲ ናይቲ ዓዲ ብምዝዛሙ ሰንበት እውን ብምንባሩ ድሕሪ ማዕዳኦም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ። ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ስለሰላም መላእ ዓለም ክጽለ ሓደራ ምስ በሉ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኩነታት ኡክራይና ብምዝካር እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ወያኔን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተረፈ ውዑል ሰላም ከምዘሐጎስምን ዕውትን ነባርን ንክኸውን ዘለዎም ምንዮትን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ሰላም ንምግባር ዝተከተመ ስምምዕ ተስፋ እዩ። ነባሪ ሰላም ከምጽእ ነዚ ጻዕሪ እዚ ኩሎም ክድግፉ ኣተባብዕ። ብሓገዝ እግዚአብሔር ከኣ መንገዲ ዘተ ክቅጽል ሕዝቢ ከኣ ሰላምን ክብረት ዘለዎ ሕይወት ክረኽቡ እዮም ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ነታ ካብ ውግእ ዝውላዕ ዘይረሰዕዋ ሃገረ ኡክራይና ብምዝካር ስለሰላማ እውን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኪሮም።

“ስለታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ክርስዕ ኣይደልን ንስኹም እውን እዚ ውግእ እዚ ከብቅዕ ክትጽልዩ ሓደራ እብለኩም ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
07 Nov 2022, 13:13