ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ወለንተናዊ ኣገልግሎት
“ግጭት ኣብ ዝመልኦ ዓለም ሕውነት ንምህናጽ ዝሕግዝ”፥ ብዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ወለንተናዊ ኣገልግሎት ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ወለንተናዊ ኣገልግሎት ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ቅዋመኡ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብፍላይ ኣብዚ ኵናትን ጥምየትን ዝለመደ ዓለም እቲ ኢጣሊያዊ ማሕበር ኣብ ልምዓትን ሰላም ንዝገብሮ ክቡር ኣበርክቶ ከም ዝነኣዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ FOCSIV - ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ወለንተናዊ ኣገልግሎት ብምኽንያት ናይዚ ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ድኽነት ንምብዳህ ሰብኣዊ ክብሪ ንምድንፋዕ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት ንጥፈት ዘሳልጥ ዘሎ 94 ዝተፈላለያ ክርስቲያን ማሕበር ወለንተናዊ ኣገልግሎት ዝጥርንፍ ኣብ 1972 ዓ.ም. ዝተመስረተ ትካል ብምኽንያት ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ዝካይዶ ዘሎ ዓውደ ጒባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም፥
ሰናይ ምልክት ሕውነት ኣብ ዝተሰብረ ዓለም
እቲ ማሕበር ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ድኽነትን ሕራጐትን ምንጻልን ንሓለዋ ሰብኣዊ ክብሪን ምዕባለ ከባብያዊ ማሕበርሰብ ንዝገብሮ “ክቡር ኣበርክቶ” ኣመስጊኖም። እዚ ድማ “ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ክፍልታት ኣገልግት ነቲ ዓቢይ ኣዶ ሕውነት ክሃንጽ ከም ዝክእል ዘርኢ ኣበርክቶ እዩ፥”
እዚ ማሕበር እዚ ኣብዛ ዕንደራን ጥሜትን ውግእን ዝለመደት ዓለም ተስፋ ናይ እትፈጥር ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ሰናይ ምልክት እዩ። ምስክርነትኵም ነቶም ድሕሪ ደጊም ኣብ ክህሉ ዝኽእል ሰላም ዘይኣምኑ ጭቡጥ ምላሽ እዩ፡
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዓለም ብሓባር ምህናጽ
ቅዱስነቶም ናይቲ ማሕበር፥ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኽብሪ ገዛእ ርእሱ ዝኽውነሉ ንዅሉ ፍጥረት ዘኽብር ዓለም ምሕናጽ” ዝብል ናይቲ ማሕበር ጭርሖ ዘኪሮም፥ እዚ ጭርሖ እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ኣዚዩ እዋናዊ መልእኽቲ እዩ። ጽላሎት እቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ኵሉ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ዘለዎ ሳላሳይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ዕጫ መላእ ኣህዛብ ኣብ ዘንጸላልወሉ እዋን ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን ዕላማ እውን እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ጐደና ሕያዋይ ሳምራዊ ምጉዓዝ
ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ውድብ ዝልለየሉ ንዅሉ ከገድሱ ዝግብኦም፥ ወለንተይናዊ ስራሕ፡ ሰላምን ዘይንጽል ምዕባለን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ዕላማታት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡን፡ ወለንተይና ምዃን ኣብ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ናይ ምትሕግጋዝ ኣተሓሳስባን ሕውነትን ዝተመስረተ ናይ ትብዓትን ግልጽነትን ምልክት እዩ፡ . . . ጐይታ ኣብ መገድታት ህይወትና ዘቐምጦ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ሓቝፍና” ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ምጉዓዝ ይግብኣና፥ “እንጓዓዘሉ መገዲ - መገዲ ሕይዋዋይ ሳምራዊ ክኸውን ኣለዎ።
ሰላም ምድንፋዕ
ነቲ ኣብ ዩክረይን ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም፥
[ንኣዋርሕ ናይ ጥፍኣትን ሞትን ምልክታት ንርኢ ኣሎና፡ ሰላም ኣብ ፍትሒ ክቡር ህይወት ብሓባር ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት እዩ]
ኣብዚ ኵሉ ታሪኻዊ ህሞት እዚ ወለንተይና - ህያብ ምዃን ማለት እዩ፡ “ዓለም ባዶ ቃላት ኣይኮነን ዘድልዩ እንታይ ደኣ ንዘተ ክፉታት ዝኾኑ ኣሚኖም ዘእምኑ መሰኻኽርን ገበርቲ ሰላም እዩ ዘድልዮ።”
ግዱድ ስደት ሓደ ካብ ዓበይቲ ክፋእ ዘመንና
ቅዱስነቶ ኣስዒቦም፥ ንዅሉ ሰብ ክቡር ህይወት ንምሕላው እቲ ማሕበር ኣብ መዳይ ልምዓት ዝገብሮ ተወፋይነት ኣተኵይሮም፡ “ምሉእ ኵለንተናዊ ምዕባለ፥ ሰብን ዝነብረሉ ኩነታትን ዘይነጻጽል ኣገልግሎት ብውልቃውን ማሕበራውን መዳይ ንዅሉ ክፉት ዝኾነ መጻኢ” ይውሕስ። ንምሊዮናት ተስፋ ዝቖረጹ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ “ኢሰብኣዊ ጒዕዞን ኵሉ ዓይነት ዓመጽን” ከስዕበሎም ዝድርኽ ግዱድ ስደት ምውጋድ ዘኽእል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓቀይና ምዕባለ ምርግጋጽ ጥራይ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ ንስቓይ ብዙሓት ሸለል ምባል ኣይንኽእልን፡ ስደተይናዊ ህይወት ክንበር ኣይንፍቀድ ከም ልሙድ እውን ኣንርኣዮ፥ ግዱድ ስደት ነወግድ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሕውነት ኣንጻር “ስልጣነ ግጥም”
ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝመርሕ “ስልጣነ ግጥም” ኣብ ዝረኣየሉ ምንባር ክርስትያናዊ ክብርታትን ሰብኣዊ ሕውነትን ንምድንፋዕ ወለንተናዊ ኣገልግሎት ወሳኒ እዩ፥
ወልንታዊ ስራሕ - ኣገልግሎት፥ መዝሙር ሕውነት እዩ!
እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ወለንተናዊ ኣገልግሎት ካብ ዝቐውም 50 ዓመት የቝጽር ከም ዘሎን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 27 ሺሕ ወለንተይናታት መንእሰያት ኣዋፊሩ ኣብ ማሕበራዊ ጥዕናዊ ሕርሻዊ መግብን ትምህርታዊ ዓውድታት ልምዓትን ውጥናት ዘሳልጥ ኮይኑ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ጉዳይ ማሕበራዊ ፍታሕ ንቕሓት ንምዝርጋሕ ኣብ መዳይ ህንጸትን ትምህርትን ጎስጓሳት ዘስፍሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።