ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዳግማይ ንምብጋስ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ መዚዞም ር.ሊ.ጳ.፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዳግማይ ንምብጋስ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ መዚዞም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዳግማይ ንምብጋስ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ መዚዞም

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ፥ ግብረ ሰናይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ዘለዎ ተልእኾ ምዃኑ ብምዝኽካር ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብልና ነገር እንተሃልዩ ናይ ሓገዝን ግብረ ሰናይን መበገሲኡን ሕመረቱን ኣምላኽ ባዕሉ ምዃኑ እዩ እዚ እውን “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” (1ዮሓ። 4,8)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ዶክተር ፒነሊ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት  ዝጥርንፍ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ” ክኾኑ ዝገብር እዋጅ ከም ዘውጽኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣዋጅ ንዶክተር ፒየር ፍራንቸስኮ ፒነሊ ግዚያዊ ኣመሓዳር፥ ዶክተር ማሪያ ኣምፓሮ ኣሎንሶ ኤስኮባርን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማኑኤል ሞርዦዋ ተሓባበርቲ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ እንክብሉ ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑ ከመላኽት እንከሎ፥ ብተወሳኺ ምኽትል ኣቦ መንበር ዋና ጸሓፊ ተሓዚ ገንዘብን ናይቲ ማሕበር ኤቅለስያዊ ጒዳያት ኣማኻርን ዝብል ሓላፍነት ዘልብስ ኣዋጅ እቶም ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ዶክተር ፒነሊ ኣብ ዝተወሃቦም ዕማማት ክሕግዙ ምዃኖም ይገልጽ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንድኻታት ክፍሊ ሕበረተሰብን ስኡናትን ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝዋሳእ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምሕዳር ዝተሓባበር ከምኡ እውን ብመንጽር “ወንጌልን ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” ኣብ መላእ ዓለም ግብረ ሰናይ ኣብ ምስፋሕ ዝተሓባበር ትካል ቤተ ክርስቲያን እዩ” እንክብሉ ቅድስነቶም ብምዝኽካር፥ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ንኽሸሙ ዝደረኾም ምኽንያት፥ ስርዓታትን ኣገባባትን ካሪታስ - ግብረ ሰናይ ንምግምጋምን ንዝቕጽል ናይቲ ማሕበር ሓፈሻዊ ጒባኤ ንዝግበር ናይቲ ማሕበር ቤት ምሕደራ ምርጫታትን ኣድላዪ ምድላዋት ንምግባር” ዝብል ምዃኑ  ኣብቲ ኣዋጅ ከም ዝገልጹ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣዋጅ መስርሕ ገምጋብ ይስዕብ

በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ መሰረት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት - ዘይንጽ ኣገልግሎት ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሕቆፍ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት፥ ቅዱሰንቶም ኣብ ልዕሊ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፥ ባዕሎም ዝመዘዝዎ ሓደ ገለልተይናን ናጻን መርማሪ ሽማግለ ድሕሪ ዘካየዶ ገምጋም መሰረት ገይሮም ዝደንገግዎ ኣዋጅ ምዃኑ ኣነጺሩ፥ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ምእካብ ናይ ገንዘብ ሓገዝን ኣብ ምምሕዳሩን ዕዉት ምዃኑ” ብምዝኽካር እቲ እዋጅ ቀንዲ መሰረቱ፥ “ኣብ  መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣባላቱ ብዝበለጸ ንምምግልጋል” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቶም ሓደስቲ ዝተሰምዩ

ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ ዶክተር ፒነሊ፥ “ፍሉጥ ውድባዊ ኣማኻርን ኣመሓዳርን” ተባሂሉ ዝንገረሎም፥ “ኣብ ኣሰራርሓኦም ካብ ዕደ ጥበባዊ ኣገባብ ንላዕሊ ሰብኣዊ ኣገባብ ዘማእክሉ” ኢግናዝያዊ መንፈሳውነት ድሕረ ባይታ ዘለዎም፥ ከም ወለንተይና “ብዕጸ ፋርስን ካልእ ብዝተፈላለዩ ወልፍታት” ዝሳቐዩ ብምድሓን ናብ ልምዓታዊ መዳይ ከብሉ ዝኣልዩን ንተልእኾ ወንጌል ድጋፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ተሳታፍን ወዳብን መምህር ትምህርተ ክርስቶስን” ኮይኖም ከም ዘገልግሉን ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ትካላት ጸዓት ከም ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ኮይኖም ዝሰርሑ . . . ኣባል ናይቲ ብኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጒዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ገምጋሚ ሽማግለ ኣባል እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመላኽት።

ኣብ ናይ ካርቲታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፥ ኣብ ዙርያ እቲ እዋጅ ኣብ ዝተወሃበ መግለጺ መደረ ዘስምዑ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣግልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ድልየት ናይቶም ኣብ ግብረ ሰናይ እተገልግሎም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዚዩ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ኣብሪሆም፡ “ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነዞም ብድሆታት ንምግጣም ጽቡቕ ድልውነት ክህልዎ ኣገዳሲ እዩ፥ ስለዚ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ፥ ግብረ ሰናይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ዘለዎ ተልእኾ ምዃኑ ብምዝኽካር ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብልና ነገር እንተሃልዩ ናይ ሓገዝን ግብረ ሰናይን መበገሲኡን ሕመረቱን ኣምላኽ ባዕሉ ምዃኑ እዩ እዚ እውን “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” (1ዮሓ። 4,8) እንክብሉ የዘኻኽሩ ቢሎም፥  ግብረ ሰናይ - ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም ንኣሽቱን መከራን ኣብ ልቡ ምሩጽ ቦታ ዝሓዙ ምሕቋፍ መለት እዩ (ዕለት 27 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ) ከም ዝበልዎን ነዚ ንምርግጋጽ ዝኣመተ ኣዋጅ እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝንቀሳቐስ 162 ካቶሊካውያን ማሕበር ረድኤት ልምዓትን ማሕበራዊ ኣግልግሎት ትካላትን ዝሓቍፍ ምስ - ፈደራላዊ ማሕበር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕዳሴ መሰረት እውን ቤት ጽሕፈቱ ኣብቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ኣገልግሎት ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

23 Nov 2022, 16:37