ድለ

በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ነቲ ሃንጐፋይ ቢሉ ዝቅበል ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምምልካት ገለ ክንገብር ይዕድመና

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 21 ሕዳር 2022 ዓም ናብታ መበቆል ዓዶም ዝኾነት ዞባ ፕየሞንተ ብምኻድ ኣብ ካተድራል ኣስቲ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ብምዝካር ነቲ ጐይታ ብወዲ ገቢሩ ኣብ ዕጸ መስቀል ኢዱ ብምዝርጋሕ ንዘቅረበልና ጻውዒት ፍቅሪ ንእግዚአብሔር ንብጻይናን ብምግልጋል ሕያው እምነት ብምንባር ንመስክሮ እምበር ብሸለልትነት ኣይንገታእ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ሡር መሠረትካ ንምንዳይ መበቆልካ እዩ ኣብ ዝበሉኻ ዝግበር ጒዕዞን ሃሰሳን ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጥር ዝገለጹ ቅዱስነቶም ናብታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣቦኦም ሩሖም ጠቅሊሎም ምስ ወለዶም ንሃገረ ኣርጀንቲና ናብ ስደት ዝነቀሉሉ ቦታ ምርካቦም እውን ‘ሡር መሠረቶም ዳግም ንክረኽቡን ኣጸቢቆም ንከስተማቅሩን’ እዚ ምብጻሕ እዚ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ዕድል ከምዝፈጠረሎም ብምግላጽ ስብከቶም ጀሚሮም።

እዚ ዝኽሪ እዚ ነቲ ነዚ ስዒቡ ኣብ ሕይወቶም ዝተፈጸመ ጒዕዞ ታሪኽ ሕይወት እውን ከምዝዝክሩ ብምግባር ብንእስነቶም ኣብ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ብምእታው ከም ኣንባቤ መጻሕፍት ሀ ቢሎም ጒዕዞ ክህነት ከምዝጀመሩ ብምዝንታው ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ነፍስወከፍና ናብቲ ምእንታና ዝተሰቅለን ብሞቱ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝሃበናን መስቅል ጐይታ ብምጥማት ናብ ሡር መሠረት እምነትና ከም እንምለስ ይገብረና ኢሎም። ናብ መስቀል መድሓኒና እንክንምልከት ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ናይቲ መስቀል ‘እዚ ንጒሥ ኣይሁድ እዩ’ ዝብል ነንብብ። እዚ ስግንጢር ዝኾነ ሃዋህው ምስቲ ኣብ ኣእምሮና ዝቅጀል ንግሥነትን ክብርን ልዕልናን ብምግጫው ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ክንሱ በቶም ኣብ ሥልጣን ዘለው ከም ሓደ ባርያ ክስቀል ንዕዘብ።

“ብሽንካራትን ኣኽሊል እሾኽን ዝተሰለመ ብፍቅሪ ሃብታም ክንሱ ኩሉ ኩሉ ዝተነፍጎ ጐይታኸስ ካብቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ዝገልጾ ዙፋኑ ነቲ ሕዝቢ ብቃላቱ ኣይኮነን ዝምህሮ፣ ከም መምህር ኣእዳው ሓፍ ኣየብልን። ነጻብዑ ናብ ማንም ኣይወጣውጥ፣ እኳ ደኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ይዝርግሖ። በዚ ከኣ ንሱ ንጉሥና ምዃኑ የርእየና። ኣብ መስቀል ብዝተዘርገሐ ኣእዳው ከኣ ንነፍስወከፍና ሃንጐፋይ ቢሉ ከምዝቅበል ይገልጸልና።”

እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና ኣእዳው ዘርጊሑ ሃንጐፋይ ቢሉ ይቅበለና!

ምስዚ ኩሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ እዩ እኳ ደኣ ናይ ኩሉ ንጉሥ ናይ ሰማይን ምድርን ኣባኡ ዘሎ ፍጥረታትን ኩሉ ንጉሥ እዩ። ነዚ ከኣ ኣብቲ ዝረሓቀ ዶባት ሰብኣውነትን ተመኲሮኡን ብምብጻሕ ኣብቲ ድቅድቅ ጸልማት ጒድጓድ ጽልእን ምጥንጣንን ብምውራድ ነፍስወከፍ ሕይወት ብርሃን ከም እትርከብ ብምግባር ንኩሉ ፍጥረት ክሓቁፍ ክኢሉ። ብምልኣት እዩ ተወፊዩ ነዚ ከኣ ሕይወቱ ንኣገልግሎት ብምውፋይ ንነፍስወከፍና ፍቅሪ ዝመልኦ ቅርበት እግዚአብሔር ኣርእዩና። እዚ እዩ እምበኣር እቲ ንጉሥ ቢልና እንእውጆ፣ ነዚ ንጉሥ ኩሉ ቢልና እንእውጆ ንጉሥ ሕይወትና ምዃኑ እውን ነፍስወከፍና እንተንእውጅ ክንደይ ሠናይ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ነዚ ዓቢ ምሥጢር ክንርድኦ እንኽእል ኣብ ሕቊፉ ምስ እንጥሕል ጥራይ ኮይኑ እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ናብ ጥርዚ ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ብሙማት ካባኡ ክንደይ ርሒቅና ከምዘሎና ብዘየገድስ ንነፍስወከፍና ሃንጐፋይ ቢሉ ኣብ ሕቁፉ ምእንቲ ክቅበል ሞትናን ስቃይናን ድኽነትናን ድኻምነትናን ኢዱ ዘርጊሑ ተቀቢልዎ። ካባና ትድለ ነዛ ፍቅሪ እግዚአብሔር ሃጐፋይ ቢልካ ምቅባል እያ።”

ፍቅሪ እግዚአብሔር ተቀቢልካ ምኽኣል!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብምስቃይ ዝነገሠ ክርስቶስ ክንጥምት ይዕድሙ እሞ እቲ ኣብ መስቀል ተዘርጊሑ ተሸንኪሩ ዘሎ ኣእዳው ኩነትናን ታሪኽናን ውድቀትናን ብዘየገድስ ንነፍስወከፍና ሃንጐፋይ ቢሉ ክቅበል ብፍቅሪ ክሓቊፍ ዝተኸፍተ ኮይኑ ነዚ ዕድመ ፍቅሪ ክንቅበልን ሕይወትና ክንልውጥን ወትሩ ዝቀርበልና ክፉት ዕድመ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣብ መንግሥቲ ሕይወቱ ክትሳተፍ ዕድል ይህበካ ኣሎ! ነዚ ከኣ ነቲ ትሑት ፍቅሩ ነቲ ወትሩ ዝምሕረካ ፍቅሩ ነቲ ካብ ውድቀትካ ብኢድካ ሒዙ ዘልዕልን ደው ከምእትብልን ብምግባር ወትሩ ንጉሣዊ ክብሪ ግርማኻ ዳግም ዝመልሰልካ ፍቅሪ ኢድካ እንተደኣ ሂብካ ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀመሉ ትኽእል። እዚ ግን ብፍቅሪ ዝቀርበልካ ዕድመ እምበር ተጽዕኖ ኣይኮነን ኢሎም።”

ንፍቅሪ እግዚአብሔር ብምቅባል ካብ ብዙሕ ነገራት ሓራ ክንከውን ንኽእል ካብ ባርነት ስስዔናን ሓጢኣትናን ከማኡ እውን ካብቲ ንሕይወትና ዓፊኑ ሒዙ ዘሎ ስቃያት ሓራ ክንከውን ንኽእል። ነዚ ኣብነት ዝኾነና እቲ ኣብ የማኑ ተሰቂሉ ዝነበረ ሰራቂ እዩ። ተዓወት ኢልዎ ነዚ ዕድመ ፍቅሪ እግዚአብሔር ተቀቢሉ ‘ተዘከረኒ ኦ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ’ ምስ በለ ‘ሎሚ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምሳይ ከም እትህሉ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ’ እንክብል ኣረጋገጸሉ። ጐይታ ንነፍስወከፍና ዝምነዮኸስ እዚ እዩ። ነዚ ብምግባር ከኣ ኣምላኽና ንየ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኮይኑ ወረና ዘይብሉ ዘይፍለጥ ኣምላኽ ዘይኮነስ ቀረባና ኮይኑ ለውሃቱን ርሕራሔኡን ዝገልጽ ንከጸናንዓና ንክድህስሰናን ኣእዳው ዝዝርግህ ኣምላኽ እዩ። እዚ ንጉሥና እዩ። ስለዚ ኣብ ወሰን ደው ቢልና ተዓዘብቲ ዘይኮነስ ኢድና እንሕውስ ተዋሳእቲ ንኹን።

ወሰን ኮይኖም ዝዕዘቡን ኢዶም ብምሕዋስ ዝዋስኡን!

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል ኣብ ሕይወት እንክንዕዘብ ክልተ ምርጫታት ከምዘለዋና እታ ሓንቲ ብሸለልትነትን ትህኪትን ዝተጐብኤት ተዓኒድካ ኣብ ወሰን ደው ቢልካ ተዓዛቢ ጥራይ ኰንካ እትነብራ እታ ሓንቲ ከኣ መንገዲ ሕያውነት ኮይና ኣብ ኩሉ ኢድካ ብምሕዋስ እትዋሳኣላ መንገዲ ምዃነን ምስ ገለጹ ከምቲ ሕያዋይ ሰራቂ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኦ ኢየሱስ ኣብ መንግሥትኻ ዘከረኒ ክብል ንኢየሱስ ብሽሙ ብምጽዋዕ ወሳኒ ምርጫ ዝገበረ ንሕና እውን ወሳኒ ምርጫ ሕይወትና ክንገብር እዋኑ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“በዚ ከምዚ ዝበለ ወሳኒ ምርጫ ገበነኛ ዝነበረ ሰብ ቀዳማይ ቅዱስ ኮነ፣ ኣብ ቅጽበት ናብ ኢየሱስ ይሰሓብ ኢየሱስ ከኣ ንዘለዓለም ኣብ ጐድኑ የቀምጦ። ቅዱስ ወንጌል ንታሪኽ ሕያዋይ ሰራቂ ንጥቅምና ከምዝኾነ ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ክፍኣተግብሪ ክንዲ ተዓኒድካ ተዓዛቢ ምዃኑ ብምቅዋሙ ክተሸንፎ ከምዝከኣል የዘኻክረና፣ ስለዚ መንገዲ ሕያውነት ንምረጽ ኢሎም።”

ጐዳና ሕያውነት!

ከመይ ከመይ ገቢርካ ጐዳና ሕያውነት ክምረጽ ይከኣል ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ናብቲ ሕያዋይ ሰራዊ ዝተኸተላ ኣገባብ ምልስ ይብሉ እሞ ብቀዳምነት ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንኢየሱስ ብስሙ ጸዊዕካ ምኽኣል ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ጐይታ ምሉእ ምትእምማንን እማነትን ብምሕዳር ሓጢኣትካ ተኣሚንካ ምንዛዝ የድሊ። ክንዲ ናይቲ ሕያዋይ ሰራቂ ዝኸውን እማነት ኣሎናዶ! ናብ ጐይታ እንክንቀርብ ካብ መዓሙቊ ልብና ብዝነቀለ ንጽሕናን ግሉጽነትንዶ ንቀርብ! ንጐይታ ገርህነትናን እማነትናን ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ኢዱ እንተኣንበርና ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ቢልና ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዝክር ኢና እሞ ንሶ እውን ንንጉሥና ሃንጐፋይ ቢሎም ክቅበሉ ክፉታት ክኾኑ ንሕግዞም በዚ ከኣ ኣብዚ ዓለም ምህላውና ንገዛእ ርእስና ጥራይ ንክነድሕን ከምዘይኮነ ንግንዘብ፣ ስለዚ እጅገና ንሰብስብ ንስራሕ ንበገስ ኢሎም።

እጅገና ንሰብስብ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ነቲ ጐይታ ኣእዳው ኣብ ዕጸ መስቀል ብምዝርጋሕ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ ንዘቅረብልና ጻውዒት ንምርዳእ ናባኡ ክነተኲርን ነዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ምስ ካልኦት ክንካፈሎ እምበር ኣብ ቅድሚ ዝሳቀዩ ተዓኒድና ተዓዘብቲ ክንከውን የብልናን! ኣብ ተግባር ንምውፋር እጅገና ክንስብስብ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም።

[ ሎሚ እቲ ዕራቁ ኮይኑ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ዘሎ ኢየሱስ ንምሥጢረ እግዚአብሔር ብምግላጽ ንዝኾነ ግጉይ መልክዕ ንጉሥነቱ ብምእላይ ናባኡ ገጽና ኣተኲርና ንጠምት እሞ ናብ ገዛእ ርእስና ክንጥምት ትብዓት ክንረክብ ኢና፣ ናይ ትብዓትን ምምልዳን ጐዳና ክንስዕብን እሞ ምሳኡ ክነግስ ኢና ኢሎም። ]  

ብድምጺ ንምክትታል!
21 Nov 2022, 13:48