ድለ

2022.11.24 Membri della Commissione Teologica Internazionale 2022.11.24 Membri della Commissione Teologica Internazionale  (Vatican Media)

ምዕቃብ ባህሊ ድሕረት ኣይኮነን! ክንዮኡ እስኪ ሕለፉ! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሊቃውንቲ ንባበ መለኮት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንኣባላት ናይቲ ብ1969 ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተምሥረተ ዓለምሓቆፍ ኮሚሽን ንባበ መልኮት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ክወራረስ ንዝመጸ ባህሊ ቤተክርስያን ብእምነትን ብፍቅርን ክቅበልዎ ተኣማኒ ብዝኾነ ፈጠራ ከኣ ከማዕብልዎ እሞ ጽን ቢልካ ናይ ምስማዕን ምዝታይን ምምማይን ክእለት ዘውሕስ ከይዲ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ንተልእኮ ንባበ መለኮት ክፍጽሙ ሓላፍነቶም ክለብሱ’ ሓደራ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ዘዘራርብ ዘሎን ንሊቃውንቲ ንባበ መለኮት ኣብ ዓቃባውያንን ገስገስትን ዝብል ንምክፍፋል ዝደናደን ጉዳይ ውርሻ ባህሊ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዘተሓሳሰቦም ቅዱስነቶም ባህሊ ሱር መሠረት ምዃኑ ንምግላጽ ‘ባህሊ ንቤተክርስትያን ከምቲ ሰራውር ንሓንቲ ኦም ዝገብሮ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከም እትዓቢ ይገብራ፣ እንተኾነ ሎሚ ሓደ ዓቢ ሓደጋ ኣሎ፣ ክንዲ ንቅድሚት ንድሕሪት ምስጓም ኮይኑ ኣብ ድሕረት ጥሒልካ ወትሩ ከምዚ እዩ ዝግበር ዝነበረ ብዝብል ኣተሕሳስባ ንምዕባሌ ዝገትእ ድሕረት ኣሎ’ እንክብሉ ካብዚ ሓደጋ ንክሕለው ንኣባላት ዓለምሓቆፍ ኮሚሽን ንባበ መለኮት ኣዘኻኺሮም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣገልግሎቶም በዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተለሞ መንፈስ ተሓድሶ ክቅጽሉ በዚ ከኣ ክንዮ እቲ ዘሎ ኣተሓሳስባን ኣካያዳን ክስጉሙ ሓደራ ኢሎምዎም።

ክንዮ ህልው ኣተሓሳስባ ምስጓም!

ቅዱስነቶም ነቲ ንብዙሓት ዝዕቅጽ ዓቃባውነትን ንትምህርትን ኣተሓሳስባን ካብ ምዕባሌ ዝዀልፍ ኣብ ዝሓዝካዮ ጽናዕ ዝብል ንቅድሚት ፈልከት ዘየብል ፍርህን ሰጊሮም ክፉት ኣተሓሳስባ ብምትእትታው ተሓድሶ ከምጽኡ እንከዘኻኽሩ ምስ ቊሩብ ዓቃባውነት ዝመስል ትምህርቲ ቤተክርስትያን ንምትሕልላፍ ዝሠርሑ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ንህጻናት ነቲ ሥልጣናዊ ትምህርቲ መዝገበ እምነት እንክምህሩ ቁሩብ ዕጽቅ ዝበለ እዩ፣ ምስ ግዜ ንዝመጽእ ተሓድሶ ብዙሕ ዕድል ኣይህብዎን፣ ሊቃውንቲ ንባበ መለኮት ግን ብኣንጻሩ ‘ዘቅርብዎ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ነቶም ዝስዕብዎ ዘድሊ ኣድናቆትን ሙቀትን ዝፈጥር እንተኾነ ኪሓቱ ኣለዎም’ እንክብሉ ክንዮ ህልው ኩነታት ክሰግሩ ሓደራ ኢሎምዎም። ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ኮሚሽን ኣመልኪቶም እውን ‘ኣብቲ ኮሚሽን ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ቊጽረን ክበዝሕ ኣሎዎ፣ እዚ ግን ንፋስ ዘመኑ ንምስ ዓብን ደድሕሪኡ ንምጒያይን ዘይኮነ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ፍልይ ዝበለ ሓሳባት ስለዘለወን ንትምህርቲ ንባበ መለኮት ዕምቈትን ፍሉይ ጣዕምን ክህባኦ ይኽእላ’ ብማለት ምስ ኣዘኻኸሩ ንመንፈሳዊ ውርሻ ሕያው ባህሊ ቤተክርስትያን ከኣ ስለ ንም ዕቃብ ዘይኮነ ፈጠራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ተኣማንነቶም ከጽን ዑ ሓደራ ቢሎምዎም።

ፈጠራዊ ተኣማንነት ንባህሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ስፍሓት ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ብጥንቃቄ ንመጻኢኡ ብዝምልከትን ምስ ካልኦት ትምህርታት ቤተክርስትያን ንዘለዎ ርክብን ምትሕብባርን ብጥንቃቄ ክፉት ንምዃንን ነቲ ብውረድ ተዋድረ ዝመጸ ቅዱስ ውርሻ ባህሊ ቤተክርስትያን ፈጠራዊ ተኣማንነት ከምዘድሊ እዚ ነቲ ዝጸንሐ እናሓሎኻ ምስ ግዜን ኩነታትን ብምግንዛብ ከኣ ብተኣማንነት ሓደስቲ ነገራት ምፍጣር ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

ነቲ ባህሊ ዓቂቡ ዘረከበንና ውርሻ ብእምነትን ፍቅርን ምቅባሉ የድሊ፤ ካብኡ ብምሉእ ሓይልኻን ብክፉት ኣእምሮን ቃል እግዚኣብሔር ጽን ቢልካ እናሰማዕካ ከማኡ እውን ንድምጺ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምሳኡ እናኣንናዘብካ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ሥልጣንዊ ትምህርቲቢቤተክርስትያንን ዝተፈላለዩ ውህበታት መንፈስ ቅዱስን ኣገልግሎት ብልቢ ብምስትውዓል ንምልክታት ግዜ ኣንቢብካ ጽጹይ መመያ ብምግባር ስለ ግስጋሴ ሓዋርያዊ ባህሊ ከምቲ ቃለ እግዚኣብሔር ዝብል ሰነድ ጉባኤ ቫቲንካ ዘስምተህሮ ብምርሒት ደገፍ መንፈስ ቅዱስ ምሥራሕ የድሊ። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንባህሊ እንክገልጽዎ ብ ዕለት 26 ሚያዝያ 2006 ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርት ክርስቶስ ‘ሓርያዊ ባህሊ ሕያው ውሒጅ ኮይኑ ወትሩ ነተን መበቆላውያን ነጥብታት ዝሓዘ እዩ፤ በዚ ከምዚ ከኣ ዝተፈላለየ መሬታት እናኣስተየ ኣብ ዝተፈላለየ ጂኦግራፊካዊ ቦታ ንዝርከቡ ባህልታት ቀሊቡ እቲ ከም መሬት ዝምሰል ባህልታት ከምዝምዕብል ይገብሮ፤ በዚ ከምዚ ከኣ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ኣብ ዝርከብ ባህልትታ ወትሩ ሓዲስ ብዝኾነ መንገዲ ምውላዱ ይቅጽል’ ይብሉ፤ ስለዚ ንዝቀደመ መበቆላዊ ነገራት ሒዝካ ንሓዲስ ክፉት ምዃን የድሊ፤ እዚ ከኣ ንባህልታት ጥራይ ዘይኮነ ንዝተፈላለያ ካልእ ትምህርታት ቤተክርስትያን እውን ክፉታት ምዃን ይሓትት ኢሎም።

ንካልኦት ትምህርታት ቤተክርስትያን ክፉታት ምዃን!

ቅዱስነቶም ኣብ ርእሲ ፈጠራዊ ተኣማንነት ንሓዋርያዊ ባህ ሊ ቤተክርስትያን ንኣባላት ኮሚሽን ንባበ መለኮት ሓደራ ዝበልዋ ካልአይቲ ነጥቢ ን ዓ ናዝምልከት ንሱ ጥራይ እዩ ብማለት ኣብ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ጥራይ ከይተሓጽሩ ኣብቲ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ነታ ብኢንካልቹረይሽን እትግለጽ ንብሥራት ወንጌል ምስ ዝተፈላለየ ባህልታትን ኣተሓሳስባታትን ብምቅላስ እትካየድ ስፍሓት ንክትድንፍዕ ምስ ዝተፈላልዩ ትምህርታት ዋላውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘይኮኑ ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ሊቃውንቲ ብምርኻብ ተመኲሮ ክለውወጡ እቲ እዚ ኮሚሽን እዚ ዝቆመሉ ሓዋርያዊ ኣዋጅ 1979 ንምምሕያሽ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዕለት 29 ጥሪ 2018 ዘውጽ እዎ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ቨሪታቲስ ጋውድዩም ታሕጓስ ሓቂ ዝእዝዞ ክስ ዕቡ ኣዘኻኺሮም፤ እቲ ኣዋጅ ‘ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ትምህርታት ቤተክርስትንያ ዝምድናን ምድግጋፍን ክህሉ፤ እዚ ከኣ ተታሓሒዝካ ንምድኻም ዘይኮነ ነቲ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ መጽናዕትትታ ካብቲ ብብርሃን ግልጸት እግዚኣብሔር ዝርከብ ጥበብ ብምጥማዕን ሓቢሩ ከምዝኩዕ ብምግባርን ከውሃህድዎ ሓደል’ ንዝብል ምሕጽንታ ብምዝኽኻር ከም ሳልሰይቲ መጋበሪት ከኣ ኮለጃሊቲ ዝበል ከምቲ ንሶም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ኩሎም ጳጳሳት ከም ጳጳስ ሮማ ብምሕባር ዝመርሕዎን ዝነብርዎን ጸዋዕታ ሊቅነት ንባበ መለኮት እውን ጸዋዕታ ኣገልግሎት ኮይኑ ኩሎም ሊቃውንቲ ንባበበ መለኮት ንዝገብርዎ መጽናዕትን ሥራሕን ብሕብረት ብመንፈስ ሲኖዶስ ክገብርዎ እሞ ጽን ቢልካ ምስማዕን ምዝታይን መመያን ከደንፍዑ ሓደራ ብማለት ኣሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
25 November 2022, 15:44