ድለ

ር.ሊ.ጳ ኣብ ባህረይን ንምድረበዳዊ ናብራ ደቂሰባት ማይ ሕውነት የምጽኡ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ንጉሥ ባህረይን ኣብ ሻኪር ንጉሣዊ ኣዳራሽ ብምኻድ ሰላምታኦም ምስ ኣቅረቡ ንሰበሥልጣን እታ ሃገርን ኣባላት ሲቪላውያን ማሕበረሰባት ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን በታ ኣብታ ሃገር ምልክት ሕይወት ዝኾነት ኦም ሕይወት ምሳሌ ብምውሳድ ቃሎም ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ስለእተግበረሎም ተቅባል ምምስጋንን ንሃገረ ባህረይን ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ዓለምና ዝራኸቡላን ጥንታውን ዘመናውን ምዕባሌ ዝተሓናፈጸላ ከማኡ እውን ዓቃባዊ ባህልን ገስጋሲ ምዕባሌን ዝተሓዋወሱላ ልዕሊ ኩሉ ግን ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሕዝብታት ፍሉይ ቂሔ ጽልሚ ሕይወት ዝተማህዘላ ሃገር ምዃና ገሊጾም። ቅዱስነቶም ነዙ ፍሉይነት ባህረይን ዘንጸባርቅ ኣብታ ሃገር ምልክት ጽንዓትን ሕይወትን ዝኾነት ተኽሊ ጨዓ ‘ኦም ሕይወት’ ክብሉ ንዝገልጽዋን ኣርማ ሕይወት ኮይና ኣብታ ሃገር ንእተገልግልን ከም ምሳሌ ተጠቂሞም ከምዚ ክብሉ ቃሎም ጀመሩ።

“ግሩም መልክዕ ዘለዎ ኦም ጨዓ ኣብዚ ቁሩብ ዝናም ዘለዎ ምድረበዳ ክነብር ዝኸኣለሉ ሳላ እቲ ዓሚቊ ሰራውሩ አዩ። ሱር ባህረይን እውን በቲ ልዕሊ 4500 ዓመታት ንድሕሪት ዚጐዓዝ ታሪኹ ገቢሩ በቲ ዘሎ ዓሌታውን ባህላውን ብዙሕነትን ብሰላም ሓቢርካ ምንባርን ባህላዊ ምቅባል ጋሻ ናይቲ ሕዝብን የንጸባርቅ። እዚ ብዙሕነት እዚ ዝምስክሮ ከኣ ኣብዛ ዓውለማዊ ቊሾት ኮይና ዘላ ዓለምና ብሓባር ክትነብር ምኽኣልን ኣድላይነቱን ይምስክር። እንተኾነ ገና ብብዙሕ መንገድታት ምቅባል ጋሻን ነንሕድሕድካ ምክብባርን መንፈስ ሕውነትን ዝኾነ መንፈስ ቊሾት ጐዲልዎ ኣሎ። ስለዚ ኣብዛ ምሳሌ ኦም ሕይወት ነተኩር እሞ ኩልና ኣብዛ ምድረበዳነት ዝዕብልላ ዘላ መነባብሮ ደቂሰባት ማይ ሕውነት ነምጽእ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ከኣ ብሓባር ንሥራሕ ኢሎም።”

ዋዕላ ዘተ!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ምኽንያት ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ባህረይን ንምግላጽ ዚኣክል ‘ኣብዚ ምድሪ ኦም ሕይወት ከም ዘራኢ ሰላም ኮይነ ኣብቲ ሰላማዊ ሓቢርካ ንምንባር ዝግበር ዋዕላ ዘተ ምብራቅን ምዕራብን ንምስታፍ መጺኤ ኣሎኹ’ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ነቲ ዕላማታት ምክብባርን ምጽዋርን ናይ እምነት ነጻነትን ብፍሉይ መንገዲ ዝዝቲ ብመንግሥቲ ባህረይን ዝግበር ኮንፈረንስ ዘሰናደው ኣመስጊኖም። እዘን ጉዳያት እዚኤን ማለት ምክብባርን ተጻዋርነትን ነጻነት እምነትን ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ባህረይን እኳ ተውሪቀን እንተለዋ ኣብ ግብሪ ንምውዓለን ግን ቀጻሊ ተወፋይነት ከምዘድሊ በዚ ከኣ ነጻነት እምነት ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽን ሥርዓተ ኣምልኾ ዘይገትእን ማዕርነት መሰልን ዕድላትን ናይ ነፍስወከፍ ጉጅለን ግለሰብን ክረጋገጽ ይኽእል። ምንም ዓይነት ኣድልዎ ኣይክህሉን እዩ። መሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት ከኣ ኣይክገሃሱን እኳ ደኣ ክድንፍዑ እዮም ምስበሉ ካብዚ መሠላት እዚ እቲ ቀንዲ ዝኾነ ብሕይወት ክትነብር ዝወሃብ መሰል ዋላ ነቶም ቀተልቲ እንብሎም እውን ስለዝምልከት ሕይወቶም ክትቅዘፍ የብላን እንክብሉን ናይ ሞት ፍርዲ እውን ዳግመ ግምት ክግበረሉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብምሕባር ናብ ዓውለማዊ ቅልውላው ሰጊሮም።

ዓውለማዊ ቅልውላዋት ሽቅለት!

ቅዱስነቶም ገና ካብ ምሳሌ ኦም ሕይወት ከይወጹ ኣብ ሃገረ ባሕረይን ዝተገብረ ዘደንቅ ምዕባሌ መብዛሕትኡ ብስደተኛታት ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ዓለምና ሎሚ ሸቅሊኣልቦነት ከምዘለዎ ብምዝኽኻር እቲ ክብሪ ወዲሰብ ዝኾነ ሽቅለት ማዕረ ማዕረኡ ክብሪ ወዲሰብ ክግህስ ከምዝኽእል ብምግላጽ ነቲ ንዓለምና ኣጸጊሙ ዘሎ ቅልውላው ሽቅለት ከስተውዕሉሉ ጸዊዖም። ሥራሕ ንሠናይ ነገር ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዘተኰረ ደኣ እምበር ማንም መኻዕበቲ ሃብቲ ጥራይ ኮይኑ ክረኤ የብሉን ምስ በሉ፣ ንሃገረ ባህረይን ግን ሥራሕ ብምምሃዝን ቀዳማይ ቤተትምህርቲ ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ወሽመጥ ብምኽፋታን ባርነት ብምውጋድን ክዀርዑ ብምዝኽኻር ንመጻኢኣ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንምድንፋዕ ማዕርነት መሰላትን ዝተመሓየሸ ኩነታት ሠራሕተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብምርግጋጽ ፍሉይ ቈላሕታ ኣብተ ዝተገለሉ ኮይኖም ዝስምዖም ስደተኛታትስ ይኹኑ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ ብምኽባርን ብምሕብሓብን ኣብዚ ዞባ እዚ ኣብነታዊት ትኹን ኢሎም።”

ምክንኻን ኣከባብን ምድንፋዕ ሕይወትን!

ቅዱስነቶም ናብ ኣተኲሮ ሰማዕቶም ዘቅረብወን ክልተ ቀንዲ ጉዳያት ንነፍስወከፍና ዝምልከተና ብጣዕሚ ተኣፈፍቲ ዝኾና ጉዳያት ብዛዕባ እዛ እንነብረላ ዘሎና ሓባራዊት ገዛና ዝበልዋ ዓለምና ምክንኻን ኣከባብን ማንም ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ዝቃለሰሉ ሕይወት ምድሓን ንደቂሰባት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ሕይወት ሰብ ምክልኻልን ዝብላ ነበረ። ነዚ ጉዳይ እዚ ብሕልፊ ዝሕተቱሉ ናይ ዓለምና መራሕትን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዘመደ ኣዳም ሓላፍነት ዘለዎም ኩሎም ስለዝኾኑ ከባቢ ንምክንኻንን ሕይወት ንምድንፋዕን ኪቃለሱ ሓደራ ቢሎም። እቲ ኣብዘን ዝስዕባ ቁሩብ ዕለታት ኪካየድ ተወሲኑ ዘለዎ ብኮፕ27 ዝፍለጥ ርክብ ነዚ ብዝምልከት ሓደ ጭቡጥ ስጉምቲ ንቅድሚት ክገብር ተስፋኦም ድሕሪ ምግላጽ ካልእ ኣሻቃሊ ጉዳይ ከኣ ጉዳይ ምዃኑ ብምምልካት ሰላም እምበር ውግእ ኣየድልየናን ኢሎም።

ንሰላም እወ ንውግእ ኣይፋል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ብምረት ዝገልጽዎ እቲ ቀታሊ ተጋባራቱን ፈኸራኡን ዝቅጽል ዘሎ ውግእ ዓለምና ከማኡ ዘስቅዕቦ ዘሎ ብዙሕን ትርጉም ኣልቦን ዕንወታት ኣመልኪቶም እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ኩሉ ቦታት እንትርፊ ዕንወት ምዝራእን ተስፋ ምቅሃምን ካልእ ፋይዳ ከምዘይብሉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝኾነ ውግእ ኣብ ዝባራዓሉ ሞት ሓቂ የምጽእ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብተን ዝተረሰዓ ውግኣት ከም ኣብ በዓል የመን ዝኾነ ውግእ እንትርፎ ስዕረት ነፍስወከፍን ዕንወትን ዓወት ዝበሃል የብሉን። በጃኹም ኢለኩም! ግጭት ኣጽዋር መወዳእታ ይሃልዎ! ኣብ ኩሉ ቦታ ብጭቡጥ ሰላም ንምግባር ንወፈ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ መንግሥቲ ባሕረይን ኣብ ቅዋሙ ኣስፊርዎ ዘለዎ ‘እምነት ኣብ ምህናጽ ሰላም ዘለዎ ግደ’ ዝብል ጠቂሶም ‘ሎሚ ኣነ ኣብዚ ዘለኹም ከም ኣማኒ ከም ክርስትያን ከም ሰብ ከማኡ እውን ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ሰላም ኮይነ እየ፣ ምኽንያቱ ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ኩሉ ቦታ ብቊምነገር ገበርቲ ሰላም ክንከውን ክንውፈ ንጽዋዕ ኣሎና እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 Nov 2022, 11:22