ድለ

Kiev, due civili uccisi a Bakhmut, nel Donetsk Kiev, due civili uccisi a Bakhmut, nel Donetsk 

ሓዘን ር.ሊ.ጳ ንሓያል መጥቃዕቲ ሚሳይል ሃገረ ኡክራይና! ምጒህሃር ውግእ ደው ይበል!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ 16 ሕዳር 2022 ዓም ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ነቲ ኣብዘን መወዳእታ ሰዓታት ናብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ዝተወንጨፈ ልዕሊ 100 ሚሳይላት ከምዘሕዘኖምን ኩልና ምእንቲ ሰላም እዛ ሃገር ክንጽሊ ‘እግዚአብሔር ንልቢ እቶም ገና ውግእ ዝደልዩ ይለውጥ’ እንክብሉ ጻውዒት ብምቅራብ ነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ እስጣንቡል ሃገር ቱርክ ብመጥቃዕቲ ራዕዲ ዝተጐድኡ እውን ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ቅደም ተኸተል ናይቲ ሓደጋታት ብምስዓብ እስጣንቡልን ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይናን ኣብ ሕማቅ ከምዘለዋ ብምዝካር እዚ ፍረ ጨካን ዓመጻት ዝኾነ ዋሕዚ ደም ንጹሓት ደው ክብል ጻውዒት ኣቅሪቦም። ዝሓለፈ ሰንበት 13 ሕዳር 2022 ኣብ ታቅሲም ዝበሃል ኣደባባይ ከተም እስጣንቡል ሃገረ ቱርኪ ብዝተጻወደ ፈንጂ ንዝተጐድኡን ብሩስያ ናብ ከተማታት ክየቭን ለዮፖልን ካልእ ከተማታትን ዝዘነበ ልዕሊ ሚእቲ ሚሳይላት ከማኡ እውን ኣማስያኡ ገና ብመን ከምዝኾነ ዘይተፍልጠ ደብዳብ ነፈር ፕርዘዎዶ እትበሃል ከተማ ሃገረ ፖላንድ ሕይወት ክልተ ሰባት ዝቀዘፈን ኩሉ ኩሉ ውግእን ወረ ውግእን ብምዃኑ በጃኻትኩም ሰላም ኣንግሱ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ንሰላም ንደልያ!

ልዕሊ ኩሉ ንቅዱስነቶም ዘተሓሳሰቦም እቲ እናተጐሃሃረን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ከይልሕም ዘስግእ ስለዝኾነ ውግእ ካብ ዘጐሃሃሩ ነገራት ክቊጠቡ ተማሕጺኖም።

“ነቲ ሕማቅ ዜና ከም ብሓዲስ ናብ ኡክራይና ገጹ ሓያል መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከምዝተገብረን ሕይወት ሰባት ከምዝቀዘፈን ኣብ ብዙሕ ሲቪላዊ ተቊዋማት ዓቢ ዕንወት ከምዘስዓበን ዝገልጽ ብዓቢ ሓዘንን ሻቅሎትን ሰሚዔዮ። እግዚአብሔር ልቢ ናይቶም ገና ናብ ውግእ ዘወጣውጡ ክልውጥ ንጸሊ። እዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ሰላም ክነግሳ ንዝኾነ ንውግእ ዘጐሃሃር ነገራት ደው ክተብልን ውግእ ደው ንክብልን ዘተ ንክጅመርን መንገዲ ክትከፍት እምሕጸን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ንትሽዓተ ወርሒ ምስ መመላእታ ውግእ ኡክራይናን ራሻን ካብ ዝውላዕ ስለሰላም እዘን ሃገራትን መላእ ዓለም ንክንጽሊ ኣብ ኩሉ ሕዝባዊ ኣስተምህሮታቶም ደጋጊሞም ከምዝተማሕጸንዎ ሎሚ እውን ኦ ጐይታ ቀልጢፍካ ርዳእ እናበልና ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ተማሕጸኑ።

ደው ዘይብል ጸሎት ስለ እታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ኡክራይና ነቅርብ። እግዚአብሔር ንሕዝቢ ኡክራይና ምጽንናዕን ሓይልን ኣብ ዘጓንፎም ፈተና ከማኡ እውን ተስፋ ሰላም ይሃብ። ኩልና ስለ ኡክራይና ኣብ እነዕርጎ ጸሎት ኦ ጐይታ ቀልጢፍካ ርዳእ ንበል ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
16 Nov 2022, 13:07