ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ “ኲናት ብናይ ቈልዓዊ ስነ መጎት ኣጽዋር ፈጺሙ ኣይፍታሕን” ር.ሊ.ጳ.፥ “ኲናት ብናይ ቈልዓዊ ስነ መጎት ኣጽዋር ፈጺሙ ኣይፍታሕን” 

ር.ሊ.ጳ.፥ “ኲናት ብናይ ቈልዓዊ ስነ መጎት ኣጽዋር ፈጺሙ ኣይፍታሕን”

ነቶም ኣዚዮም ዝሳቐዩን ብወገን ውግእ ዘካይዱ ዕሱባት ጭካነ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ንጸሊ ጐይታ ሰላም ክህብ ንማህለል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ህሞታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስክፍታኦም ከም ዝገለጹን ዕለት 9 ሕዳር ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ እወን ደጊሞም ስክፍታኦም ብምግላጽ ዕጥቂ ብምርጋፍ ዘተ ክካየድን ኣተሓሒዞም እውን ኣብ መላእ ዓለም ሞትን ዕንወትን ዘስዕቡ ብዙሓት ዝተረስዑ ውግኣት እውን ዘኪሮም ዝኾነ ይዅን ግጭትን ኲናትን ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 9 ሕዳር “ቈልዓዊ ስነ መጐት ኣጽዋር” ክውገድ እዚ ኸኣ ኣብ ዩክረይን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሶርያ የመንን ሚያንማርን ውእን ዕብዳን ኵናት ደው ንምባል ዘተ ክካየድ ጻውዒት እንከቕርቡ፥

ዕብዳን ዝተመልኦ ኲናት እየ ዝሓስብ! እወ ኲናት ዕብዳን እዩ! እታ ትሳቐ ዘላ ዩክሬይን ግዳይ ናይዚ ዕብዳን እዚ ኮይና ከምኡ እውን ካልእ ብዙሕ ግጭታት ብቈልዓዊ ስነ መጐት ኣጽዋር ዘይኮነ ብልኡም ሓይሊ ዘተ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ!

ቢሎም ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዛዕባ እታ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝካየዱ ዝተረስዑ ግጭታትን ውግኣትን ክሓስቡ ዓዲሚም፥

ውግእ እንታይ ይዓብስ! ጥፍኣት እዩ፥ ሰብ ንብረት ኵሉ የጥፍእ፡ ስለዚ ግጭት ብኵናት ይብእስ እምበር መፍትሒ ኣይረክብን

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ዩክሬይን

ስለ እታ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን “ክጽለ” ዝዓደሙ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥

ነቶም ኣዚዮም ዝሳቐዩን ብወገን ውግእ ዘካይዱ ዕሱባት ጭካነ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ንጸሊ ጐይታ ሰላም ክህብ ንማህለል

ሕውነትን ህይወትን

ኣብ ዩክሬይን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝተፈላለየ ስቓይ ዝተቓልዑ እናሓሰቡ፥ ዕለት 10 ሕዳር ናይ ፖላንድ መዓልቲ ናጽነት ምዃኑ ብምዝካር፥

እቲ ትርጒም ዘለዎ ዝኽሪ ኣብ ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ምስጋና ዘነቓቕሕ ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ፖላንድን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽን ብፍላይ ድማ ኣብ ጎረቤት ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝኾነት ዩክሬይን ንሕውነትን ንምሕላውን ምኽባርን ህይወትን ክብሪ ዳግም ተወፋይነት ዘተባብዕ ይዅን

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Nov 2022, 15:43