ር.ሊ.ጳ. ኣብ መድረኽ ዘተ ባሕሬይን፥ መራሕቲ ሃይማኖት ንደቂ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ኣለዎም
ቅዱስነቶም ኣብዚ ብሓገዝ ንጒስ ባሕሬይን ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ባሕሬይን፥ ኣንጻር ኲናት ከምኡ እውን ንሓቀይና ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰልን ክብርን ግደን ተዋሳእነት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ምሃብ መሰረታዊ መሰላት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምሕላው ተዋሳእነትን ህዝብን ዜግነታዊ ኣምርን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ዘተኮረ ሰፊሕ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ ብጸቢብ ረብሓታትን ኲናትን ትመሓደር ዘላ ዓለም፡ መራሕቲ ሃይማኖት ጽቡቕ ኣብነት ኪኾኑ ኣለዎም። ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ መዳይ ንዝቖሰሉ ክፍሊ ሕብረተሰብና ኣባይቲ ስድራን ንምትብባዕን ንምሕጋዝን መራሕቲ ሃይማኖት ቃል ኪኣተዉ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕጹጽ ጻውዒት
ቅዱስነቶም ኣንጻር ኲናት ከምኡ እውን ንሓቀይና ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰልን ክብርን ግደን ተዋሳእነት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ምሃብ መሰረታዊ መሰላት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምሕላው ተዋሳእነትን ህዝብን ሓቀይና ኣምር ዜግነትን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ህጹጽ መደብ ሕንጸት” ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም፥ ኣብቲ ብተጋባእያንን ብናይ ባሕሬይን ንጉስን ብናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማውን ዝተገብረሎም ምዉቕን ሕውነታውን ሕጉስን ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፥ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰብኣውነት ካብ ውህደት ኣዚዩ ዝተመቓቐለ ኮይኑ ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ንነብር ኣሎና፥”
ኣብ ወሰን ገደል
ኵላትና ኣብ ሓደ ቀላይ ብሓባር ኢና እንጓዓዝ ዘሎና ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ግና ኣክንዲ ምድግጋፍ መገዲ ግጥም ዝመረጽና ንመስል። ስለዚ እዚ መድረኽ “ምብራቕን ምዕራብን ንሓባራዊ ህይወት ደቂ ሰባት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣገዳስነት መገዲ ዘተ ይሕብረና፥
ድሕሪ ክልተ ዘስካሕክሕ ውግእ ዓለም ንዓሰርተታት ዓመታት ንዓለም ኣብ ስግኣት ዘጽንሐ ዝሑል ኲናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ግጭታት ሃይማኖታውያን ኣብ ክስታትን ምፍርራሕን ውግዘት ብምንባር ኣብ ወሰን ደልሃመት ክንከውን ኣይንድለ!
ንውድባዊ ረብሓታት ምእላይ
“መብዛሕቲኡ ህዝቢ ዓለም ተመሳሳሊ ጸገማት ኣብ ምግጣም ይርከብ፡ ብኸቢድ ቅልውላው መግብን ስነ ምህዳራውን ለበዳታትን ከምኡ እውን እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ዘሕፍር ዓለማዊ በደል ኣብ ዘሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ ውሑዳት ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኣብ ጻዕሪ ውድባዊ ረብሓታትን ፈላላይ መናድቕ ኣብ ምሕናጽን ግዜኦም ከሕልፉ ይረአ . . .
ኣብ ክንዲ ሰብኣውነትን ከባቢናን ነማዕብል ብሓውን ብሚሳይላትን ቦምብታትን ኣጽዋርን ናይ ሓባር ቤትና ብሓሙኹሽትን ጽልእን ሸፊንናያ ብሓዊ ንጻወት ኣሎና . . .
ኣብ ክንዲ ምትሕግጋዝ ግርጭት ኣጒሊሕና ክንቅጽል እንተድኣ መሪጽና ናይ ገዛእ ርእስና ኣገባባት ምልካውነትን ሃጸያውነትን ኣብ ልዕሊ ሃገራውን ህዝባዊ ራእያት ብትሪ ኣብ ምጽዓን እንተጸኒዕና ሳዕቤኑ መሪር እዩ ዝኸውን። . . . ድምጺ ድኻታት እንተዘይሰሚዕና ብቕሊል መገዲ ንሰባት ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ቀጽሪ እንተድኣ ወዳዲብና ንሓድሕድና ክንረዳዳእን ብጽቡቕ ኵሉ ክንተሓባበርን ዘኽእል ጻዕርታት እንተድኣ ዘይመረጽና ጥፍኣት እዩ ዝኸውን።
ነጻልን ጐናይን ኣተሓሳስባ ምንጻግ
ንሕና ኣብዚ ዘሎና ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ ሕዋትናን ኣሓትናን እንኣምን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኵላትና ነቲ ዓቢ ባሕሪ ሰብኣውነት ዕሽሽ ዝብል “ነጻልን ጐናይን ኣተሓሳስባ” ኣይፋል ክንብልን ክነጽግን ኢና!
እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ግጭታት “ነቲ ብዙሕ ዘይረአይ ኣብ ሰብኣውነት ዝርአ መዓት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዝፍጸም በደል ዘሕፍር መዓት ጥምየት ዘሀልዎ ዘይምዕሩይነትን” ንኸይነቃልበሉ ዝድርክ ክኸውን የብሉን፥ እቲ ዝርአ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንገዛእ ርእሱ ክሳብ ክንደይ ንናይ ሓባር ቤትና ዘይንሓስብ ምዃና ምልክት እውን እዩ።”
መራሕቲ ሃይማኖታት ጽቡቕ ኣብነት ክኾኑ ኣለዎም
ቅዱስነቶም ኣብቲ ነዊሕ መደረኦም፥ ብዛዕባ ኣገዳሲ ተራን ሓላፍነትን መራሕቲ ሃይማኖት ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፥
ነቲ ንዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሳቕ መዓት ኣብ ዝረኣየሉ ኩነት መራሕቲ ሃይማኖት ብርግጽ ጽቡቕ ኣብነት ክኾኑ ከም ዘለዎም ክኣምኑ ይግባእ . . . ፍሉይ ተራ ኣሎና ንሓድሕዶም ዚመረዃኾሱ ነቲ ዝተገማምዐ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ባሕሪ ንኽጓዓዙ ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ዘለዎም ኢና!
ምስ ጸሎትን ሕንጸትን ተግባርን ዝተኣሳሰሩ ብድሆታት
ጸሎት ንልቢ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑን በዚ ምኽንያት እዚ ልብና ንልዑል ኣምላኽ ክፉት ክንገርብ ካብ ርእሰ ፍትወትን ዕጹው ኣተሓሳስባን ርእሰ ውከሳን ሓሶትን በደልን ንምንጻሕ ጸሎት ኣገዳሲ እዩ። እቶም ዝጽልዩ ናይ ልቢ ሰላም ይረኽቡ . . . ስለዚህ እዞም ሰባት ኣዚኣቶም ብቓልን ብህይወትን ሰባት ናብቲ ክብረቶም ዘዋርድ ግብረ ኣረማውነት ከይወድቁ ዝመርሑን ብቃልን ሕይወትን ዝሓንጹ ክኾኑ ኣለዎም።
ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ጐድኒ ካልኦት ኮይኖም ኣብ ዝጓዓዙሉ እዋን ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ጠመተኦም ናብ ሰማይ ከልዕሉ ዝዕድሙ ናይ ሰላም ሰባት ብምዃን ነቲ ዝርአ ፈተናታትን ጸበባታትን ኵሉ ጸሎት ዝገብሩ እያቶም።
ኣገዳስነት መርገጺ፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት
እዚ ንኽከውን ድማ ሓደ ኣገዳሲ ቅድመ ኵነት ኣሎ። ንሱ ድማ ናይ ሃይማኖት ናጽነት እዩ! ኣብ እዋጅ ንግስትነት ባሕሬይን፥ “ኣምላኽ ነቲ መለኮታዊ ውህበት ዝኾነ ናጽነት ንኽንጥቀመሉ ይምህረና” ዝብል ጽሑፍ ነንብብ ከም ሳዕቤኑ ድማ “ዘገድድ - ሃይማኖት፥ ንሓደ ሰብ ትርጉም ምስ ዘለዎ ርክብ ምስ ኣምላኽ” ኣየእትዎን እዩ። ዝኾነ ሃይማኖታዊ ምግዳድ፥ . . . ንልዑል ኣምላክ ዘይበቅዕ እዩ።
እምበኣር ናጽነት ፍጡራት ንልዑል ናጽነት ፈጣሪ ዘንጸባርቕ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ስፍራ ወትሩን ኣብ ኵሉን ስፍራ ክሕሎን ክኽበርን ጽሎት ሞገስ ፈጺሙ ከይዕንቀፍ ኣብ ምርግጋጽ ንወፈይ።
ሓቀይና ሃይማኖት፥ ናጽነት ድዩ ኣይኮነን ነብስና ንመርምር
ፍቓድን ናይ ኣምልኾ ናጽነትን ኣፍልጦ ምሃብ እዅል ኣይኮነን፡ ሓቀይና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምርካብ ኣድላዪ እዩ። ስለዚ ኵሉ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት - እምነት እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ገዛእ ርእሱ ክምርምር ይጽዋዕ።
ሃይማኖት ንፍጡራት ሰባት ደጋዊ ኣስገዳድ ድዩ ወይስ ካብ ውሽጢ ሓራ ጸውጽኦም ንሰባት ትረትን ዓመጽን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ክነጽጉ ዝሕግዞም ድዩ፡ ንኣመንቲ ብሓቀይና ናጽነት ክዓብዩን ክመላለሱ ይሕግዞም ድዩ፡ ቢልና ክንሓትት ኣሎና፡ እዚ ድማ እንደልዮ ምግባር ዘይኮነስ ናብቲ ዝተፈጠርናሉ ሰናይ ንምቕናዕ እዩ።”
ብድሆ ሕንጸት
ናይ ጽሎት ብድሆ ንልቢ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ ናይ ትምህርቲ ግና ንኣእምሮ ዝምልከት እዩ። ኣዋጅ ንግስነት ባሕሬይን፡ “ድንቁርና ጸላኢ ሰላም እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ዕድላት ትምህርቲ ኣብ ዝጐድለሉ ጸንፈይናነት ይውስኽ ኣኽራርነት ሱር ክሰድድ ድማ መሰረት የንብር” ቢሎም፡ ስለዚ ሰብ ተራኻቢ ፍጥረት ብምዃኑን ናይዚ ምርኻብ እዚ ተዋሳኢ ምዃኑ ዝጥምትን ነዚ ዘኽብርን ትምህርቲ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፥”
ደረቕ ዘይኮነስ ንብድሆታት ክፉትን ንባህላዊ ለውጢ ስንድው ዝኾነ፡ ንርእሰ ውከሳን ንምንጻል ዘይኮነ ንታሪኽን ባህልን ካልኦት ዘተኵር፡ ዘይሓትትን ሕቶ ዘይቕበልን ዘይኮነስ ናይ ኵላትና ዝኾነ ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንምሕቛፍ ክፉት ዝኾነ ትምህርቲ የድልየና!
ኣፍልጦን ኣኽብሮትን ንደቂ ኣንስትዮ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኣብ መደብ ሕንጸት ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ይሕብሩ፥
ቀዳማይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መዳያት ኣፍልጦ ክወሃበን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ናይ ትምህርቲ ናይ ስራሕ ከምኡ እውን ናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን መሰላተን ናይ ምጥቃም ናጽነትን” ክኽበረለን ኣለዎ፡ ትምህርቲ እቶም ኣምላኽ ዘምልዅን ንብጻዮም ዘፍቅሩን ምልክት ክኸውን ዝግብኦ መንፈሳዊ ሕውነት ምትሕግጋዝ ዝጻረር ማሕበራውን ታሪኻውን ውርሻታት ንምውጋድ ዝሕግዝ ናብ ሓርነት ዝወስድ መገዲ እዩ።
ሕጻናትን መሰረታዊ መሰላቶምን ክኽበር
ካልኣይ፥ ሕጻናት “ኣብ ትሕቲ ጥምየትን ዓመጽን ከይነብሩን ከይዓብዩን ትምርቲ ክረኽቡ ክሕገዙን ክድገፉ፥ መሰርታዊ መስላት ሕጻናት” ክሕለውን ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ መዳይ ገዛእ ርእስና ንምሃርን ንኻልኦት እውን ንምሃርን፡ በዕይንት ሕጻናት ውግእን ዓመጽን ንርኣዮ። እዚ ከኣ ምልክት ገህረይናነት ዘይኮነስ ናይ ኣርሒቕካ ምጥማት ጥበብ እዩ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባኦም እንተተገዲስና ጥራይ እዩ ምዕባለ ዝንጸባረቕ ኣብ ክንዲ መኽሰብ ናብ ሕንጸት ዝሓሸ ሰብኣዊ መጻኢ ይመርሕ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ካብ ልቢ ስድራ ቤት እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማሕበረሰብን ዓድን ወይ ከተማ ድማ ይቕጽል እናበለ እውን ዓለም ሓቆፍ ኮይኑ ይዓቢ።
ኣምር ዜግነት
ኣብ ማሕበረሰብ ንምንባር ንሕድሕድካ ኣብ ምክብባርን ንሕጊ ንምኽባር ኣብ ዜጋዊ ምዃን ዝተማእከለ ትምህርቲ የድሊ። እዚ እውን ኣብ ማዕርነት መሰላትን ግቡእነትን ዝተመሰረተ ኣምር ዜግነት ዝብል እዩ፥
ኣብዚ ተወፋይነት ይሓትት ኣብ ሕብረተሰብና ኣምር ምሉእ ዜግነት ክንምስክርን ነቲ ናይ ተነጽሎን ትሑትነትን ስምዒት ዝፈጥር ውሑዳት ዝብል ቃል ኣድልዎ ክነጽጎ ክንክእል ኣሎና፡ ዘይግብኡ ኣጠቓቕማ ኣምር ዜግነት ንጽልእን ዘይምስምማዕን መገዲ ይኸፍት . . . ኩሎም ሓቀይና ሃይማኖታውያን ሰባት ሃይማኖት ንውግእ ዓመጽን ምጥቃም ብሓይሊ ይነጽግዎ። ነዚ ምንጻግ እዚ ድማ ብቐሊል ኣብ ግብሪ የውዕልዎ።
ስም ሃይማኖት ብዘይግቡእ ዝጥቀሙ ዓመጽ ዝፍጽሙ ምኹናን
“ንሓደ ሃይማኖት ሰላማዊ እዩ ኢልካ ምእዋጅ ጥራሕ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፡ ነቶም ስም ሃይማኖት ብዘይግቡእ ዝጥቀሙ ገበነይናታት ዓመጽ ምኹናን የድሊ፡ ካብ ዘይምጽውዋርን ጸንፈይናነትን ጥራሕ ምርሓቕ እውን ንበይኑ እዅል ኣይኮነን ክንቃወሞ ኣውን ኣሎና።
ናይ ሃይማኖት ሰዓብቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከም ናይ ሰላም ሰባት መጠን ብተመሳሳሊ ንቕድድም ዳግማይ ኣጽዋር ውግእ ንግዲ ኣጽዋር ውግእ ናይ ሞት ዕዳጋን ይቃወሙ። ስለዚህ ኣንጻር ገለ ወይ እከለ ክትከውን ዘይኮነ ሃይማኖት ንኹሉ ዘራኽብ መገዲ እዩ። ነዚ መገዲ እዚ ብሓባር ክንስዕቦ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ክንከፍተሎምን ኣብ ምዃኖም ክንርከብ ሓደራ እብል።”
ዝተፈላለዩ ሓያላት ኣብ ነንሓድሕዶም ብመሰረት ረብሓ ገንዘብን ስልጣንን ዝጽመዱ እንተድኣ ኮይኖም ካልእ ናይ ርክብ መገዲ ተኻኣሊ ምዃኑ ከነርእን ክንምስክርን ይግብኣና።
ሕልና ሰላም ንዓለምና
ቅዱስነቶም ንዅሎም መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ ሰብኣውነት ብስም እቲ ንሰብኣውነት ዘፍቅርን እቲ ስሙ ሰላም ዝኾነ ኣብ ሓደ ክመጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ጒዕዞ ዓበይቲ ሃይማኖታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ኣድማዕን ቀጻልን ክኸውን ንዓለምና ናይ ሰላም ሕልና ንኽኸውን ጭቡጥ ተበግሶታት ነስፍሕ!
ፈጣሪ ነቶም ኣብ ናይ ሓያላት ዝክረ ነገር እዅል ቦታ ዘይረኽቡን ዕሽሽ ዝበሃሉን ብዙሓት ፍጥረታቱ ወኪልና ንኽንዋሳእ ይዕድመና፡ ድኻታት ዘይተወልዱ ኣረጋውያን ህሙማን ስደተይናታት . . . ንሕና ኣብ ምሕረት ዝኾነ ኣምላኽ እንኣምን ድምጺ ንኽንኮኖም ሰማዒ ድምጺ ኣልቦ ንዝኾኑ ድምጺ ንእተዘይኮይናዮም መን እዩ ድምጺ ዝኾኖም?”
ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ብምሉእ ሓይልን ጻዕርን ኣብ ጐድኒ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዅን ሓደራ እንክብሉ ዓዲሞም፥
ከምዚ ብምግባር ድማ በረኸት እቲ ልዑል ኣምላኽ ናብ ዓለም ከነምጽእ ኢና!
እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።