ድለ

ስለቲ ኣብ ባሕረይን ዝገብሮ ሓውጾተ ኖልዎን ስለ ሰላም መላእ ዓለምናን ጸልዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብበዓለ ኩሎሙ ቅዱሳን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ኣስተምህሮ ገቢሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ስለቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 6 ሕዳር 2022 ዓም ኣብ ባህረይን ዝገብሮ ሓውጾተ ኖልዎ ክጽልዩ ድሕሪ ምምሕጻን ነቶም እዚ ምብጻሕ እዚ ዕውት ንክኸውን ለይትን መዓልትን ዝሠርሑ ዘለው ከኣ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ምስጋናኦም ከምዝገልጹ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትን ከምዝተገልጸ ቅዱስነቶም ሰበሥልጣን መንግሥቲ ባህረይን ብዝገበሩሎም ዕድመ ንሳልስቲ ካብ ዕለት 3 ሕዳር ክሳብ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ እዚ ምብጻሕ እዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ ‘ንሰላማውን ሠናይን ናብራ ደቂ ሰባት ምብራቅን ምዕራብን ክፍልታትን ዓለምና ብሓባር ክራኸቡ ብግዲ ዘድሊ ጉዳይ እዩ’ ንዝብል ሓሳብ ብግብሪ ንምትርጓም ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ናብቶም ኣብ ዓቢ ነጸላ ሠናይ ጒዕዞ ይኹነልኩም እንክብሉ ናብ ባህረይን ንዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ሠናይ ምንዮቶም ዝገልጹ እናጠመቱ ስለቲ ምብጻሕ ክጽልዩ ሓደራ ድሕሪ ምባል ነቶም ነዚ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ክውን ንክኸውን ዘበርከቱ ካብ ንጉሥ ባሕረይን ጀሚሮም ንኩሎም ከምዚ ክብሉ ኣመስጊኖም።

“ድሮ ካብ ሕጂ ሚረ ንንጉሥ ባሕረይንን ሰበሥልጣኖምን ከማኡ እውን ነቶም ብእምነት ኣሕዋተይን ኣሓተን ዝኾኑ ምስ መላእ ሕዝቲ እታ ሃገር ሰላምታይን ልባዊ ምስጋናይን ከቅርብ ደስ ይብለኒ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ነቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ነዚ ምብጻሕ እዚ ንምስንዳው ዝሰርሑ ዘለው ኣመስግን ኢሎም።”

ምብራቅን ምዕራብን ንክራኸባ ዘለዎም ምንዮት!

ቅዱስነቶም ወርቃዊ ዕድል ዝበልዎ ኣጋጣሚ ናይ ኣብ ባህረይን ዝካየድ ክሳተፉ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ኣብቲ ‘ንሰላማውን ሠናይን ናብራ ደቂ ሰባት ምብራቅን ምዕራብን ክፍልታትን ዓለምና ብሓባር ክራኸቡ ብግዲ ዘድሊ ጉዳይ እዩ’ ብዝብል ተማ ዚካየድ ፎርም ወይ ጉባኤ ክሳተፍ እየ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስ ወከልቲ እምነታት ፍልይ ብዝበለ ኸኣ ምስ ወከልቲ እምነት ምስልምና ንክራኸብ ዕድል ክህልወኒ እዩ። ኩሉ ርክባትናን ፍጻሜታትን ብስም እግዚአብሔር ነቲ ኣብዚኣ ግዜዚ ብጣዕሚ ዘድልየና ህጹጽ ጉዳያት ማለት ንጉዳይ ሕውነትን ሰላምን ዘደንፍዕ ክኸውን ኩሉኹም ብጸሎት ክተሰንዩኒ እምሕጸን ኢሎም።”

ስለ ሰላም ሃገረ ኡክራይና ዝቀረበ ጻውዒት!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብዛዕባ ሕውነትን ሰላምን ዝተዛረቡሉ ሁመት ሎሚ ነታ ወትሩ ዘይርስዕዋ ሃገረ ኡክራይና ብምዝካር ስለ ሰላም እታ ሃገር ክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ተማህጸኑ።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሃትን በጃኻትኩም ኢለኩም ነታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ኣይትረስዕዋ፣ ስለ ሰላም ንጸሊ። ሃገር ኡክራያን ሃገረ ሰላም ንክትከውን ንጸሊ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 Nov 2022, 15:22