ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘተ ክካየድ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘተ ክካየድ ይላበዉ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘተ ክካየድ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓመጽ መጻኢ ይቐትል ንህይወተ መንእሰያት ይቕንጽል፡ ተስፋ ሰላም የዳኽም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ግጭትን እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ ብርቱዕ ስክፍታ ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ገሊጾም፥ ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ነባሪ ሰላም ሓድሕዳዊ ምትእምማን ንምሃንጽ ዘተ ንቕድሚት ዝስጉመሉ መገዲ ከናድዩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሃገረ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዳግም ዝለዓዓል ዘሎ ዓመጽን ግርጭትን ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን፡ ብዙሕ እውን ከም ዘሰክፎምን ገሊጾም፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 23 ሕዳር ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ፡ ሓደ እስራኤላዊ መንእሰይ ንሞት ከም ዝዳረገን ብዙሓት ካልኦት እውን ከም ዝቖሰሉን ክዝከር እንከሎ፡ እዚ መጥቓዕቲ  ኣዚ ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት እውን ሓደ ፍልስጥኤማዊ ኣብ ናብሉስ ኣብ ዝተለዓዓለ ግጭት ከም እተቐተለ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ዓመጽ መጻኢ ይቐትል ንህይወተ መንእሰያት ይቕንጽል፡ ተስፋ ሰላም የዳኽም ቢሎም፡ ኩሉ ሰብ “ንዞም ዝሞቱ መንእሰያትን ንስድራ ቤቶምን ብፍላይ ድማ ነዴታቶም ክጽሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰበ ስልጣን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ክህሉ ኣንተኾይኑ ዘተን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምሕንጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮን ነዚ መገዲ ሰላም እዚ ክሃንጹ እላበው” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

28 November 2022, 16:22