ድለ

2019.12.12 Summit in Vaticano, nella Casina Pio IV, con giudici e procuratori donne africane a confronto sul traffico di esseri umani 2019.12.12 Summit in Vaticano, nella Casina Pio IV, con giudici e procuratori donne africane a confronto sul traffico di esseri umani 

ተቊዋማዊ ሥልጣናት ነዚ ንሰባት ዘዋርዱን ዝጒሕፉን ሥርዓታት ቊጠባ ይቀልሱ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መክሲኮ ንዝካየድ ካልአይ ዓለምለኸ ኮሚቴ ፓንኣመሪካ ዳኛታት ማሕበራዊ መሰላትን ትምህርቲ ፍራቸስኮን ጉባኤ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ እንክምልከት ብሕዝብን ሕግን ብዕሊ ዝቆሙ ኣካላት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ንውልቀምልክን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝወፍሩ ፖሎቲካዊ መደባት ክገትኡ ከማኡ ከኣ ዳኛታት ዕለት ዕለት ተጣበቅቲ ክብሪ ሰብን ሕጋውነትን ክኾኑ ሓደራ ቢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብዚ ዕለት ዕለት ቅልውላው ዓለምና ንኩነታት መነባብሮ ደቂሰባትን እንነብረላ ዓለምን ዝድህኸሉ ህሞት ብዙሓት ተበለጽትን ናይ መኽሰብ ጥራይ ዚዓጦምን ንፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ሓደጋ ዘውድቁሉ ዘመንዚ ኣበርክቶ ደያኑ ብቀንዲ ዘድልየሉን ወሳንን ሁመት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፤ ነቶም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንካልኣይ ግዜ ዝጋብኡ ዘለው ደያኑ ብዓንዲ ርእሱ መሠረታውያን መሰላት ደቂሰብን ክብርታትን ቈሲሉ ብምህላው ፈውሲ ንምድላይ እኳ እንተኾነ ሥልጣናዊ ትምህርቶም እውን መበገሲኡ ምዃኑ ዘኪሮም። እዚ ምንቅስቃስ እዚ ብመሠረቱ ካብ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ብምንቃሉ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤኡ ዝሓለፈ 2019 ዓም ኣብ ከተማ ቫቲካን ምስ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሳይንስ ብምትሕብባር ዕለት 3ን 4ን ሰነ ተኻዪዱ ነበረ። ኣብዚ ንካልኣይ ግዜኡ ዚካየድ ጉባኤ እቶም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቫቲካን ዝተጋብኡ ብሙሉኦም እንክርከቡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝተላእኩ ደያኑን ኣኽበርቲ ሕግን ተረኺቦም ብዛዕባ ንዮኮልያሊዝም ማለት ዳግማዊ መግዛእትን ዕብለላን ስደት ፍትሒ ደሞክራሲ ምዕባሌ ብስም ሓገዝ ዘኻትም ዝግበር መሸጣ ሕጻናት ነጻነት ቤትፍርድታት ወዘተ ከም ዝዘተዩ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ደያኑ ተኸላኸልቲ ክብሪ ግርማ ወዲሰብ!

ቅዱስነቶም ዝሰደድዎ መል እኽቲ ር እየት ብቋንቋ እስፓኒሽ እንክኾን ኣብ ዘመንና ብህርፋን መኽሰብ ተደፋፊኤን ዝቆማ ዓበይቲ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ቊጠባ ንኩሉ ኩሉ ዓብሊለን ሰብኣዊ ክብሪ ኣይእንታየንን ኮይኑ ዘየኽስብ ዘየርብሕ ሰብ እውን እንተኾነ ክሳብ ምጒሓፍ በጺሐን ብምህላወን ግደ ደያኑ ነዚ መደባት እዚ ደው ንከብላን በዚ ዝምርሑ ውልቀምልካውን ኣዋረድትን መደባት ፖሎቲካ ንምምካንን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዘለዎም ል ዕሊ ኩሉ ከኣ ተኸላኸልቲ ክብሪ ግርማ ወዲሰብን ሕጋውነትን ኮይኖም ዕለት ዕለት ነዚ ክጽ ዕቱ ሓደራ ቢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እንተደኣ በዚ ሥራሕ እዚ ተዓዊቶም ሓንቲ ቅርዕይቲ ማሕበረሰብ ማለት ብኩሉ ኩሉ ዝከላኸሉላን ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣሰራርሓ ከምዝመርሓ ንምግባር ከም መማህራን ክሰርሑን ክመርሑን ሓደራ ቢሎም፡ ከመይ ፍትሒ እንተርሒቁ ኩሉ ከንቱ እዩ፤ ስለዚ ንሶም እውን ከም ደያኑ ፍትሓውያን ክኾኑ ነዚ ኣቊሞሞ ዘለው ዓለም ሓቆፍ ትካል እውን ፍትሒ ኣብ ቤትካ ከምዝጅመር ተረዲኦም ክብሪ ዘለዎ ሥራሕ ክብሪ እውን ከምዝቀበል ክፈልጡ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Nov 2022, 17:41