ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብታ መበቆል ኣቦሓጎታቶም ዝኾነ ቶሪኖ ሃገረ ጣልያን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ!
ዜና ቫቲካን!
ንዝመጽ እ ዕለት 19 ከማኡ እውን 20 ሕዳር 2022 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ምብጻሕ ቤተሰብ ኣብ ኣስቲ ትበሃል ን እሽቶ ከተማ ቶሪኖ ክበጽሑ ምዃኖም ምስ ተመልከተ ሽሕ’ኳ ብጥብቂ ናይ ግሎም እንተኾነ ደቂ እቲ ዓዲ ግን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መበቆሉ ኣባኡ ብምዃኑ ዝተሰምዖም ሓጐስ እናገለጹ ኣብ ማእከሎም ውሉድ ውሉዶም ብሥልጣነ ጴጥሮስ ክር እይዎ ዘለዎም ሃረርታ ዓቢ እዩ። እታ ቅዱስነቶም ወትሩ ኣደዓባየይ ከምዝበለትኒ እናበሉ ኣብ ስብከትስ ይኹን ኣብ ኣስተምህሮ ወትሩ ዝዝክርዋ ዓባዮም ሮዛ ማርገሪታ ዝተወልደትሉ ቦታን መዛግብ ጥምቀታን ሜሮናን መጀመርያ ቊርባንን ምስ ዝተፈላለየ ኣሳእልን ታሪኽ ስድራቤትን ብተለቪዥን እንክቀርብ ቅዱስነቶም ኣደ ዓባዮም ኣብ ሰብ ኣውን ክርስትያናውን ኲስኰሳ ሕይወቶም ዘወፈያኦ ዓቢ ኣበርክቶ እውን እቲ መደብ ይድህስስ።
ኣብ ኣሰር ኣደዓባይ ሮዛ!
እዚ ሎሚ ንኣፍሪቃውያንን ካልእ ድኻታት ኣህጉር ደቡብ ኣመሪካን ኤስያን ጥራይ ዝተወሰነ ዝመስል ናብራ ስደት ስደት ብስደቱ ኸኣ ሕሱም ስደት ካብ ሃገረ ጣልያን ከምዝነበረ ብኽንደይ ቃልሲ ንኣዋርሕ ብጃልባታት ናብ ኣርጀንቲናን ኣመሪካን ካልእ ክፍልታት ዓለምና ዝነበረ ስደት ይዝከር፤ ነዚ ሕሱም ታሪኽ ስደት ኢጣላውያን ዝምዝግቡ ኦርሶላ ኣፐንዲኖን ጃንካርሎ ሊበርትን ዝበሃሉ ሊቃውንቲ ታሪኽ ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ኣቦሓጎን እኖሓጎን ከመይ ቢሎም ካብ ሃገረ ጣልያን ከምዝነቀሉን ኣብ ኣርጀንቲና መጀመርያ መዀርመዪ ጸኒሖም መሳፍሒ ቦታ ረኺቦም ኣብዚ ዘለውዎ ደረጃ ከምዝበጽሑ ዝገለጽ መደብ ተመሓላለፈ። ናይታ መበቆል ቅዱስነቶም ዝኾነት ቊምስና ቆሞስ ኣባ ኾዘ ኣዶኒስ ሓጐሶም ድሕሪ ምግላጽ ኣብ መዛግብቲ እቲ ቊምስና ወረቃዊ ዝኾነ ሰነዳት ከምዝረኸቡ ኣደ ዓባይ ቅዱስነቶም ኣብታ ቤተክርስትያን መጀመርያ ቊርባን ከምዝገበራትን ሜሮን ከምዝተቀብኣን እዚ ብዕለት 17 ግንቦት 1894 ከምዝነበረ ነቲ መዛግብቲ ከፊቶም ኣርኣዩ።
ቅዱስነቶም ብ2015 ዓም ኣብ ቶሪኖ ኣብ ዝበጽሑሉ እውን ኣባሓጐም ጆቫኒ በርጎልዮን ኣደ ዓባዮም ሮዛ ቫዛሎን ቃል ኪዳን ዚኣሰሩሉ ቤተክርስትያን ቅድስት ተረዝ በጺሖም ከምዝነበሩ ይዝከር።