ድለ

2022.11.03. ኣመንቲ ስም ኣምላኽ ዘርክስ ‘ውግእ’ ኣይፋል ይበሉ! 2022.11.03. ኣመንቲ ስም ኣምላኽ ዘርክስ ‘ውግእ’ ኣይፋል ይበሉ!  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣመንቲ ስም ኣምላኽ ዘርክስ ‘ውግእ’ ኣይፋል ይበሉ!

“ነቲ ስም ኣምላኽ ዘርክስ ግብረ ክፋእን ዓመጽን ከምኡ እውን ንውድድር ዳግመ ዕጥቂ ኣጽዋርን ንግድ ኲናትን - ኣጽዋር ውግእን ዝኾነ ዕዳጋ ሞት” ይቃወሙ

ናይ ዜና ቫቲካንን ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ “ምብራቕን ምዕራብን ንሓባራዊ ሕይወት ደቂ ሰባት”  ብዝብል ርእሰ ጒዳይ ተመሪሑ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 200 መራሕቲ ሃይማኖት ኣሳቲፉ ካብ ዕለት 3 – 4 ሕዳር ዝተኻየደ ዋዕላ ባሕሬይን ንዘተ ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዛዘሙ ዝዝኸር ኮይኑ ነቲ ቃለ ምዕዳን ቅዱስነቶም ኣማኺሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣብ እዋሊ ኣብ ናይ ንጒስነት ባሕረይን ቤተ መግንስቲ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ካብቲ ኣብ ማእከል ክርስቲያናዊ ኤውሮጳ ዞባ ዝተወልዐ ደማዊ ግጭት ነዊሕ ርሒቕና እውን እንተሃለና፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምልስ ቢሎም ከም ዝዘከሩን ከምኡ እውን እብታ  ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ደሴት ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ርሒቓ እትርከብ ሃገረ ባሕሬይን እታ ውግእ ዝካየደላ የመን እውን ኣብ ጥቓኣ ዝኾነን፥ እዚ ክሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይቲ እናትኾላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም “ቁንጣሮ” እዩ፡ እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝገልጽዎን ዝብልዎን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እናዐበየ ይኸይድ ምህላዉ እውን ስክፍታኦም ይገልጹ።

ብቐዳምነት ሓደ ሰብ ብሓደ ትዕዝብቲ ክትንከፍ ይእኽል እዩ፡ “ድሕሪ ክልተ ዘስካሕክሕ ውግእ ዓለም ንዓሰርተታት ዓመታት ንዓለም ኣብ ስግኣት ዘጽንሐ ዝሑል ኲናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ግጭታት ሃይማኖታውያን ኣብ ክስታትን ምፍርራሕን ውግዘት ብምንባር ኣብ ወሰን ደልሃመት ክንከውን ኣይንድለ!”፥ እዚ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ምስሊ ህልው ኩነታት ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ማእለያ ዘይብሉ ዝህልው ሳዕቤናቱን ተቓሊዑ ምህላዉ ዘተሓሳስብ እዩ።

ቅዱስነቶም እቲ ብንጽጽር ዘቕረብዎ ሓሳብ ብሓቂ ስግንጢራዊ ኵነታት የቕርብ፥ በቲ ሓደ ወገን ዝበዝሔ ህዝቢ ዓለም ብጥሜት ዓመጽን ብስነ ህይወት ቅልውላዋትን ለበዳታትን ኢፍትሓውነትን ዝሳቐ ክኸውን እንከሎ ብኻልእ ወገን ድማ በጻብዕቲ ዝቝጸሩ “ህዳጣን ሓያላት’ ብሓዊ ዝጻወቱ ንረብሓታቶም ኣብ ዝግበር ቃልስ ዘተኮሩ፥ ብኣረጊት ቋንቋ ክግለጽ እንከሎ ድማ፥ “ንዓውድታት ጽልዋን ተጻረርቲ ቀጽርታትን ዳግማይ ዝነድፉ” ቢልካ ክትገጽሎም። ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘተን ክፉትነትን ሎምን ደሓርን ብሕጊ ሓያላትን ብናይ ቀደም ወተሃደራዊ ምሕዝነታዊ ጥምረት ጥራይ ዘይመሓደር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንምሕናጽ ዝተፈጸሙ ስጒምትታት ሎሚ ከም በረድ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝመክኽ ዘሎ ይመስል።

ቅዱስነቶም ነቲ ዝርአ ዘሎ መዓት በዕይንቲ ሕጻናት ኣክንዲ ምርኣይ ብዛዕባ መጻኢ ወዲ ሰብ ዝሓስቡ “ብሓዊ ብሚሳይልን ቦምብታትን ሓዘንን ሞትን ብዘምጽእ ኣጽዋር ይጻወቱ ኣለዉ። ኣክንዲ ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ተቓውሞታት ተጎልቢቦም ናይ ገዛእ ርእሶም ምልካውነትን ሃጸያውነትን ህዝበይናውነትን ኣገባባትን ኣረኣእይያን ኣብ ምጽዓን ይዋፈሩ። ቁጠባውን ስነ ሓሳባውን መግዛእቲ ወይ ናፍቆት ሃጸያዊ ንሰላምን ድሕነትን ዕብየት ኩላትናን መጻኢ ዓለምን የዳኽም።

እቲ ቅዱስነቶም ካብ ባሕሬይን ዘቕርብዎ ጻውዒት ዝደኸመን ሸለል ኣብ ምባል ዝተርፍ ኣይኮነን። እዚ ጻውዒት እዚ “ንገዓር ህዝብታትን ድምጺ ድኻታትን” ምስማዕ ማለት ብመገዲ ቃልሲ ኣብ መንጎ ሰናይን ክፋእን መን እዩ እቲ እከይ መን እዩኸ እቲ ክፋእ ብዝብል ስነ ሓሳብ ንምምልካት ዘይኮነስ በንጻሩ “ሕድሕዳዊ ምርድዳእን ንጥቕሚ ኵሉ ናይ ምትሕብባር ጻዕሪ” ንኽፍጸም ዝላበው እዩ።

ኣብዛ ቁሸት ዝኾነ ዓለም ግን ከኣ ሕውነታዊ ባህርይ ዘለዎ ቑሸታዊ መንፈስ ኣብ ዝረሓቖ ዓለም፡ ሃይማኖታት ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ናይ ምምልካት ዕማም ኣለወን። ኣማኒ “ናይ ሮማ ጳጳስ” ኣብ ቅድሚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ከምኡ እውን ናይ ምስልምና ሃይማኖትን ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም፥ “ነቲ ስም ኣምላኽ ዘርክስ ግብረ ክፋእን ዓመጽን ከምኡ እውን ንውድድር ዳግመ ዕጥቂ ኣጽዋርን ንግድ ኲናትን - ኣጽዋር ውግእን ዝኾነ ዕዳጋ ሞት” ይቃወሙ።

እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝሙ

(Andrea Tornielli)

05 Nov 2022, 15:30