ድለ

2019.01.21 ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝክተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ 2019.01.21 ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝክተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ 

ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝክተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ህየንተ

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጉጀሮቲ ብዘይካ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ብቋንቋ ጣልያን ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝደረሱን ካብ ዝደረስዎ መጻሕፍቲ፡ ዛዕባ ማዕርገ ድቁናን ክህነትን ኣብ ናይ ስርዓተ ቅዳሴ ኣርመንያን ሓድሽ ሊጡርጊያዊ ሰብን ናይ ሓድነት ቲዮሎጊያ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ነጸብራቕ ምብራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ወዲ 67 ዓመት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ነቶም ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ዘገልገሉ ዘለዉ ብሕገ ቀኖና መሰረት ብዕድመ ምድፋእ ጡረታ ንዝኣትዉ ዘለዉ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ክትክኡ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ  ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ስኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንኽመርሑ ህየንተ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፡ እዚ ናይ መሪሕነት ለውጢ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣብ ቀረባ እዋን 79 ዓመት ዕድመኦም ንዝመልኡ ዝትክእ ከም ዝኾነን፡ እቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ  67 ዓመት ዕድመኦም ዘብዕሉ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጉጀሮቲ እቲ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ክርከብዎ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጽናዕትን ኣገልግሎትን

ሊቀ ጳጳሳት ጉጀሮቲ ኣብ 1955 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና ዝተወልዱ ኣባል ናይቲ ብኣባ ኒኮላ ማዛ ዝተመሰረተ ማሕበረሰብ ግብረ ጽድቅ ኣባልን ኣብ 1982 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ፡ ቨነዚያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ብስነ ቋንቋ ምስራቓውን ስነ ጽሑፍን ምሩቕ፡ ሮማ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ኣንሰልሞ ተቕዋም ብሊጡርጊያ ምሩቕ፥ ብስነ ምርምር ኤቅለስያዊ ስነ ምስራቕ ካብ ጳጳሳዊ ኦሬንታሉም ተቕዋም ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ኣብ ቨነዚያ ደሓር እውን ኣብ ፓዱዋን ሮማን ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብን ኣብ ጳጳሳዊ ኦሬንትሉም ተቕዋም መምህር ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር

ብጹዕ ኣቡነ ጉጀሮቲ ካብ 1985 ዓ.ም. ጀሚሮም እውን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ዘገልገሉን ኣብ 1997 ዓ.ም. ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሰምዩን ካብ 1990 – 2001 ዓ.ም. ኣብ ጆርጅያ፥ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖ ከም ዘገልገሉን ብድሕሪኡ እውን ኣብ 2011 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ኣብ በላሩስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ተሰምዮም ከም ዘገልገሉን፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ተሰምዮም ክሳብ 2020 ዓ.ም. ከም ዘገልገሉን፡ ብቅዱስነቶም ንናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ህየንተ ንኽኾኑ ክሳብ ዝተሰመዩሉ ዕለት 21 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዘለዉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ደራሲ ብዙሕ ጽሑፋትን መጻሕፍትን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጉጀሮቲ ብዘይካ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ብቋንቋ ጣልያን ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝደረሱን ካብ ዝደረስዎ መጻሕፍቲ፡ ዛዕባ ማዕርገ ድቁናን ክህነትን ኣብ ናይ ስርዓተ ቅዳሴ ኣርመንያን ሓድሽ ሊጡርጊያዊ ሰብን ናይ ሓድነት ቲዮሎጊያ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ነጸብራቕ ምብራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

22 Nov 2022, 15:51