ድለ

ሲኖዶስ፥ ድምጺ ዝተገሉ ዝተሰምዓሉ ሰነድ ንኣህጉራዊ ምዕራፍ ኪደት ሲኖዶስ ሲኖዶስ፥ ድምጺ ዝተገሉ ዝተሰምዓሉ ሰነድ ንኣህጉራዊ ምዕራፍ ኪደት ሲኖዶስ 

ሲኖዶስ፥ ድምጺ ዝተገሉ ዝተሰምዓሉ ሰነድ ንኣህጉራዊ ምዕራፍ ኪደት ሲኖዶስ

እቲ ሲኖዶስ ዘምxeኦ ተኸታታሊ ውጥረት፥ ክንፈርሆ የብልናን የግዳስ ኣዕናዊ ዘይኮነስ ከም ምንጪ ጸዓት ገርና ክንጥቀመሉን ብቐጻሊ ንናይ ሓባር ምስትውዓል መስርሕ ጌርና ክንምልከቶ ከም ዝግብኣና እቲ ሰነድ የተሓሳስብ

ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ፥ ነቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ንኽዝትይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ብኣህጉራዊ ደረጃ መቓን መወከሲ ዝኾነ ድምጺ ዝተገሉ ዝተሰመዓሉ ሰነድ ከም ዘሕተመን እዚ ሰነድ እዚ እውን ካብ ኵለን ሰበኻታት ናብ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጒዳይ ዝምልከት ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ንዝተላእከ ሰነድ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድኻታትን ደቀባትን ኣባይቲ ስድራን ዝተፋትሑን ዳግማይ ዝተመርዓዉን ንጽል ወለድን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎምን እተገሉ ኮይኑ ዝስምዖን ሰባት፡ ከምኡ እውን ደቀ ኣንስትዮ ግዳያት ማሕሰይቲ ንግድ ሰብ ወይ ዓሌታዊ ጽልእን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቑን ዛዕባ ክህነትን ግደ ደቀ ንስትዮን ተሓድሶ ክግበር ዚደልዩን ከምኡ እውን እቶም “ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዘንበሮ ሕዳሴ ሊጡርጊያ ክቕበልዎ ዘጸግሞም፡ እቶም ሰማእትነት ኣብ ዘድልየን ሃገራት ዚነብሩ መዓልታዊ ምስ ዓመጽን ግጭትን ዚቃለሱ፡ ምስ ጥንቆላን ምስ ቀቢላነት ዚቃለሱ፡ ድምጾም ዘስምዕሉ፡ ብሓጺሩ ነዚ ኵሉ ድምጺ ዘጠቓልል ብገምጋም 45 ገጻት ቁስልን ፍርህን ዘይፍጽምናን ጠለባቱን ተነባቢ ዝገብር፡ ንዅሉ ሰብ ዘጠቓልል ብኣህጉራዊ ደረጃ ንዝካየድ ካልኣይ መድርኽ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንዝዝትይ ሲኖዶስ “መቓን መወከሲ” ሰነድ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዕለት 27 ጥቅምቲ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸማሪ ድምጺ ኣብ መላእ ዓለም ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን

እዚ ሰነድ እዚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ብምምይያጥ ኣብ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዘሰጋግርን ዘዛትይን ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም ዚርከቡ ምእመናን ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ዘይምእመናን እውን ኣብ መስርሕ “ምስማዕን መመያን” ተሳቲፎም እዮም። ልዕሊ ኵሉ ድማ እቲ ናይ መሃዝነት ተበግሶታትን ዓውደ ኣኼባታትን ዘተን ውጽኢት ዝኾነ ሰነድ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ጒዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ተላኢዅን እነሆ ድማ ናይቲ ኵሉ ዝተላእከ ሰነዳት ጽማሬ መሰረት “ሰነድ ንኣህጉራዊ መድረኽ” ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ መወከሲ መቓን

እቲ ዝቐረበ ሰነድ ብኽልተ ቋንቋታት ዝማዕለበ፡ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዛትይ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ሰነድ ግን ኣይኮነን፡ ስነ ኣእምሮኣውን ሕቶታትን ዘይሰማምዑን ዘበለ ኵሉ ዘጠቓልል ድምጺ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሰነድ እዩ። ስለዚ እዚ ፍኖተ - መስርሕ እዚ ነቲ ኣብ ክልተ ግዜ ተወዲቡ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ 2023 እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰንዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ግምት ዘእተወ ንኪደት ኣህጉራዊ ምዕራፍ ናይ “መወከሲ መቓን” እዩ።

ሓደኳ ዘየግልል

እቲ ሲኖዶስ ዘምጸኦ ተኸታታሊ ውጥረት፥ ክንፈርሆ  የብልናን የግዳስ ኣዕናዊ ዘይኮነስ ከም ምንጪ ጸዓት ገርና ክንጥቀመሉን ብቐጻሊ ንናይ ሓባር ምስትውዓል መስርሕ ጌርና ክንምልከቶ ከም ዝግብኣና እቲ ሰነድ የተሓሳስብ። ንሱር በተኻዊ ሓቋፍነት ክፉት ዝኾነ ወላ ሓደ ዘየግለለ ምስማዕ ዝወለዶ ሰነድ እዩ። ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን እተገሉ ኮይኑ ዝስምምዖም ጽን ዝበለ፡ እተናዕቍን ዕሽሽ እተባህሉ ብጌጋ ዝርድኡ ኮይኑ ዝስምዖም ጽን ዝበለ፡ ውህበቶም ክእለቶምን ተፈላጥነር ዝረኸበ ኮይኑ ዘይስምዖም ደቀ ንስትዮን መንእሰያትን ድምጾም ዝተሰመዓሉ ሰነድ እዩ። ጽን ኢልካ ምስማዕ “ለውጢ ዘምጽእ ተመክሮ” ምዃኑ ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክህነቶም ዝሓደጒ

ገለ ካብቶም ዝያዳ ቆራጽ ዘተን ዝያዳ ኣአንጋዲ ቦታ ክህሉ ዝሓቱ ንኣብነት ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ሓዲጐም ንኽምርዓዉ ዝደልዩ ዝሓትቱ ብምጥቃስ፡ እቲ ሰነድ “ነተን ምስቶም መብጽዓ ንጽሕና ኣፍሪሶም ዝነብሩ ዝተዛመዳ ደቂ ኣንስትዮን ካብዚ ኵነት ዝምድና እዚ ዝውለዱ ቆልዑ ንኸቢድ በደልን ኣድልዎን ኢፍትሓዊ ንዝኾነ ሓደጋ ከይቃልዑ ሓለዋን እንግዶትን ምሃብ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ የመላኽት።

ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም ዘይምንጻግ - ምእንጋድ

ብፍላይ እቶም “ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ መንጎ ኣባል ቤተ ክርስቲያንንን ፍቕራዊ (ጾታዊ ርክባም) ርክቦምን ኣብ ውጥረት ከም ዘለዉ ዝስምዖም” ንኣብነት ተፋቲሖም ዳግማይ ዝተመርዕዉ ንጽል ወለዲ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ዝተመርዓዉ ከምኡ እውን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት፥ “እቶም ክእንገዱ ዝደልዩ” እዮም። ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተላእከ መስርሕ ሲኖዶስ፥ “ሰባት ቤተ ክርስቲያን መዕቆቢ ናይቶም ዝቘሰሉን ልቦም እተሰብረን ክትከውን ደኣ እምበር ንፍጽማን ዝኾነት ትካል ከይትኸውን ዝሓትትት፡ ካብ ሎሴቶ ዝተላእከ ድማ፥ “ሓደኣዊ ጾታውነት ከም ቅቡል ምሕሳብ ኣብ መንጐ ካቶሊክ ምእመናን ሃገርና ዝርአ ዘሎ ተግባር ኮይኑ ኣሎ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ባህርያቶምን ጠባዮምን ክትቅበሎ ትጽቢት ይገብሩ” ዝብል ሓሳብ ነንብብ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝተገሉ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ኣጸጋሚ እዩ።”

ሓባራውን ዝፈላልዩን ነጥብታት

ባህላዊ ፍልልያት እኳ እንተሎ ምስተን ኣብ ሕብረተሰብን ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብን ከም “እተገላ” ገርካ ዝረኣያ ኣህጉራት ግን ብዙሕ ምምስሳል ክርአ ይከኣል እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኽፍሊ ዓለም ወይ ሃገር እውን ከይተረፈ ዝተፈላለየ ቦታ ኣሎ፥ ፍልልያት እውን ኣሎ። “ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ መከላኸሊ ጥንሲ ማዕርገ ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ መርዓ ንካህናት ማሕላ ንጽሕና ፍትሕ ዳግማይ መርዓ ቅዱስ ቁርባን ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝኣመሰሉ ጒዳያት ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ኣብዝርከባ ሰበኻታት ዝልዓል ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ርግጽ ኢዩ ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ኣረኣእያ ነይሩ እዩ ኣሎ እውን፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ካብዚ ጉዳያት እዚ ኸኣ ማሕበርሰብ ውሱን ኣቕዋም ክህብ ኣይክእልን እዩ” ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ ሰነድ ይንበብ።

ድምጺ ድኻታት

ኣብቲ ሰነድ “ቤተ ክርስትያን ኣብ ርሑቕ ቦታታትን ድኻታትን ብውጽኢታዊ መገዲ ክትበጽሖም” ብዘይ ምኽኣላ ከም እተጠዓሰትን ከም እትሻቐልን ዝገልጽ ሓሳብ ብብዙሕ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ድኻታት ጥራይ ዘይኮኑስ ብጽምዋ እተበልዑ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ደቀባትን ስደተይናታትን ግዳም ሓደር ቆልዑ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸ ፋርስን ግዳያት ንግድ ሰብ ዝኾኑ ዝምልከት እዩ። እሱራት ብሰንኪ ዓሌት ቀቢላ ጾታን ጾታዊ ርክብ ኣድልዎ ዓመጻን ዝወርዶም ኵሎም ምድሓን ኣምላኽ እውን ንኣኣቶም እዩ። ብዙሕ ግዜ ድምጾም ብኻልኦት ልሳን ኮይኑ ስለ ዝንገር ድማ ርኡያት ይኾኑ። ብሓጺሩ ኺርአ እንከሎ ኸኣ እዚ ውጅህታትን ኣስማትን እዚ “ሓድነት ዘተ ምትሕብባር ከምኡ እውን ምእንጋድን” ይጠልብ።

ህስያ ዘምጽኦ ቅልውላው

ብዙሓት ዞባውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብሰንኪ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝፍጽምዎ ህስያ ተኣማንነተን እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ሰነድ ኣመኺቱ፡ “እዚ ነቶም ግዳያት ብህይወት ዝተረፉ ኣብ ስድራ ቤቶም ከምኡ እውን ኣብ ማሕበረሰቦም ከቢድ ስቓይ ዘሕድረሎም ክፉት ቁስሊ እዩ” ዝብል ሓሳብ እውን ካብ ኣውስትራሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን፥ “ነቲ እዚ ህሳያ እዚ ዝፈጠሮ ራዕድን መጒዳእትን ኣፍልጦ ብምሃብ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ስነ ምግባራዊ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ነቶም ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ንምሕላው ምትእምማን ንምህናጽ ብርቱዕ ህጹጽ ጻዕሪ ኮይኑ እዩ ይኸውን እውን ኣሎ ዝብል ሓሳብ ነንብብ። እቲ ሰነድ ቀጺሉ፥ “ብዛዕባ ውርሻ ማህሰይቲ ብምጥቓስ ነዚ ዘሳቕይ ተግባር እዚ ብመገዲ ምስትንታን ብምግጣም ብዙሓት ጉጅለታት ሲኖዶስ ዝያዳ ብርሃን ተሓታትነትን ሓላፍነትን ክህሉ ብዝብል ኣገላልጻ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊ ለውጢ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ” ዝብል ሓሳን ንርከብብ።

ተሳትፎን ኣፍልጦን ደቂ ኣንስትዮ

ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ባህልን ምዋቕርን ኣርኣእያን ብጭቡጥ ቃላት ምዝታይን ጭቡጥ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህሉ ከም ዘለዎን ቅድም ቀዳድም እዚ ነቲ ደቂ ኣንስትዮን ሞያአንን “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ናይ ተሳታፍነት መሰል ክህልዎ” እቲ ሰነድ የተሓሳስብ። እዚ ነጥቢ እዚ ብእተፈላለየ መልክዕ ኣብ ኵሉ ባህሊ ከምኡ እውን ኣብ ተሳትፎን ኣፍልጦን ተራ ደቀ ንስትዮን ገዳማውያትን ዓለማውያን ደቀ ንስትዮን ኣገዳሰንቱ ዘተሓሳስብ ነጥቢ እዩ። “ከም ኵሉ እተጠመቐ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ደቀ ኣስንትዮ እውን ማዕረ ኣባላት ህዝበ እግዚኣብሔር እየን።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕቲኡ ግዜ ህይወተን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ርድኢት ስለ ዘይረኸበ እቲ ዝገብርኦ ኣበርክቶን ዘለወን ክእለትን ወትሩ ዋጋ ስለ ዘይወሃቦ ዝስምዐን ጓሂ ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ ተቕርቦ። ብዙሓት ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ድምጸን ዘስምዓሉ ጽርሓታት ውሑድ እዩ። እንተኾነ ግን ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ስለ ዝኾነት ንዅሉ ብማዕረ እያ እትሓቁፍ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ብድሆታት የጋጥማ፡ ብቐዳምነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብላጺ ብምዃኑ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመሓላለፍ ውሳነ ኸኣ በቶም ህዳጣን ዝኾኑ ኣሰብኡት ዝቐርብ ምዃንን ዝምልከት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንሰብኡት ብዝያዳ ንጥፉታ ኪኾኑ እትስሕበሉን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ናብራ ቤተ ክርስቲያን ብዝያዳ ንኺሳተፋ ዘኽእለን መገድታት ከተናዲ ከም ዘለዋ ንጹር እዩ።

ኣድልዎን ስንክልናን

ብዝተፈላለየ ደረጃ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህልዎም ዝኽእል ሱታፌ ብዙሕ ግምት ዘይህወሃቦ ምዃኑን፡  እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ሓደ ዓይነት ኣድልዎ እዩ። ናይ ዘይምስማዕን ናይ ምምራጽ መሰሎምን ዝምልከት ስርዓት ኵሉ ዝግህስ እዩ። ካልእ ዓይነት ኵሉ ህስያ ነቶም ስንኩላ ዘጋጥሞም ናይ ምንጻልን ገለ ገለ ባህልታት እውን ከም መርገም ወይ ርዅስ መንፈስ ገርካ ብምርኣይ ዝሕረጉ ብምዃኖም እቲ ሰነድ ብምሕባር እዚ ናይ ምንጻግ ባህሊ ዝገልጽ ሓሳብ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቕረቦ ሓሳብ ክኸውን እንከሎዚ፡ እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ህይወት ስንኵላን ካብ ናይ ካልኦት ህይወት ዝተሓተ ዋጋ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ በጋጣሚ ዝቀላቐል ዘይኮነስ ሱር ዝሰደደ ኣመለኻኽታ እውን ምዃኑ የብርህ።

መስጐጒትን ሰማእትነትን ዘስዕብ ምስክርነት

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት “ካልእ ሃይማኖታት ተቐቢሎም ህይወቶም ክመርሑ ኣብ ዝጅምሩሉ እዋን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብዙሕ ምዃኑን፡ እዚ እውን ክሳብ ሰማዕትነት ከም ዘብጽሖም እቲ ሰነድ የመላኽት። እቶም መስጐጒቲ ዘጋጥሞም ሒደት ክርስትያን ክቃለስዎ ዘለዎም ስግኣትን ዓመጻን ዘጒልሕ ጸብጻባት እውን ኣብቲ ሰነድ ተዘርዚሩ ኣሎ። ከምቲ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘረጋገጸቶ፡ ጃምላዊ ቅትለት ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እዚ ጒዳይ እዚ ናብ ዕጥቃዊ ግጭት እናንቆልቆለ ብዙሓት ምእመናን ንስቓይን ስደትን ይዳርግ ኣሎ፡ ይዅን እምበር ኣብዚ ተነቃፊ ኵነታት እዚ እውን ከይተረፈ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓባር ምኻድ - ሲኖዳውነት እንታይ ማለት ምዃኑ ብጥልቂ ንኽንሓስበሉ ይድርዅና።

ተኣፋፊ ህይወት ምክልኻል

እቲ ሰነድ ኣስዒቡ፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ነቲ ተነቃፊ ዝኾነን ንህይወት ዘስግእን ንምክልኻል ዝገብርዎ ቆራጽነት የጒልሕ፡ ኣብታ ኣብ ዪክረይን እትርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን . . . ነቲ ናይ ሞት ባህሊ ስግኣት ንምብድህ ህይወት ኣብ ምክልኻል ብፍላይ ጥንሲ ምንጻል ንምብዳህ ጥራሕ ዘይኮነ ነዚ ሓደጋ እዚ ዝቃልዐ ብምሕጋዝ ኣብ ናይ ሕይወት ባህሊ ትሓንጽ። ኣብ ህይወት ኣጸጋሚ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ሓላፍነት ዝስምዖ ምርጫ ኽገብራ ጻውዒት ንዝቐርበለን ደቀ ኣንስትዮ ትምህርታዊ ሕንጸት ተቕርብ ነተን ድሕሪ ዝፍጽምኦ ጥንሲ ምንጻል ኣብ ዝተፈላለየ ጸገም ዝርከባ እውን ብምክንኻን ናይ ህይወት ባህሊ ተስፍሕ ይብል።

29 Oct 2022, 16:19