ድለ

2022.10.21 Parlamentari e Sindaci dalla Diocesi di Cambrai 2022.10.21 Parlamentari e Sindaci dalla Diocesi di Cambrai 

ኣብ ጽኑዕ ሕማም ኣብ ጻዕረሞት ንዝርከቡ ክንክንን ምጽንናዕን እምበር ሞት ኣይወሃብን! ር.ሊ.ጳ

ካብ ሰበኻ ካምብረ ሃገረ ፈረንሳይ ዝመጹ ኣብ ምሕደራን ፖሎቲካን ናይቲ ሃገር ዝዋስኡ ኣመሓደርትን ፖሎቲካውያንን ናይታ ሰበኻ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸቡ እንክምልከት፤ ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ፖሎቲካ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ምዃን ኰይኑ ምናዳ ነቶም ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣብ ጻዕሪ ሞት ንዝርከቡ ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ንመጻኢ ወለዶ እታ ሃገር ሃብታም ዝኾነ ባህላውን ማሕበረሰባውን ፍልጠታውን ውርሻ ክገድፉ ሓደራ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ን ኣጋይሾም ተቀቢሎም ሰላምታን ምስጋናን ምስ ኣቅረቡ ናብ ቀንዲ ትምህርቲ ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ብዛዕባ ፖሎቲካን ምሕርደራን ተሳትፎ ም እመናናን ብዝምልከት ነቲ ኣብ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተመልኪቱ ንዘሎ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ብቀንዱ ከኣ ፖሎቲካ ክኾኖ ዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገለጹሎም።

ፖሎቲካዊ ምሕደራ ናይ ዜጋታት ግድነታት ቀዳምነት ክህብ ኣለዎ፤ ከመይ እዚ መሠረታዊ ዝኾነ ግድነታት ዜጋታት ምስ ዕለታዊ መነባብሮኦም ብዘየሳኒ ካል እ ዛዕባታትን ክርክራትን ተዓቢጡ ይጐዓዝ፣ ስለዚ ከም ካቶሊካውያን ኣመሓደርትን ፖሎቲካውያንን መጠን ቀዳምነት ክህብዎ ዘለዎም ካብ ዘሎዎም ዝኾነ ፖሎቲካዊ ሥነሓሳብን ካል እ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ሓራ ኮይኖም ኣብ ኣገልግሎት ሕዝቦም ክጽመዱ ነዚ ከኣ ብቀንዱ ግድነታቶም እንታይ ምዃኑ ንምስማዕን ምርኣይን ጽን ቢሎም ብትሕትና ክሰምዑን ካብ ዝኾነ ምቅንጃው ዘረባን ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ተግባርን ክቊጠቡ ሓደራ ቢሎምዎም።

ማሕበራውን ባህላውን ጐድንታት ምሕደራ!

እዛ ሰበኻ እዚኣ ኣብ ዶብ ፈረንሳን በልጅዩምን ትርከብ ኰይና ሓደ ግዚ ብማዕድን ካርቦን ዝሃብተመት ከምዝነበረት ዝዝከሩ ቅዱስነቶም እንተኾነ ካብ ሰብ ዓታት ናይ ዝሓለፈ መበል 19 ክፍለዘመን ኩሉ ፋብሪካታትን መዔድኒ ቦታታትን ምስ ተዓጽወ ዓቢ ቅልውላው ኮይኑስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመን ብሰውራ ኢንዱስትሪ ዘምጽ ኦ ለውጢ ቅሂሙ ኣብ ቊጠብዊ ቅልውላው ኣብ ድኽነት ሓፋሽ ሕዝቢ ከምዝበጽሔ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዚ ግድል እዚ ንዓሠርተታት ዓመታት ነቲ ከባቢ ከምዘሳቀዮ እፈልጥ እየ፤ እዚ ከኣ ክንዮ ማሕበራዊ ሻቅሎት ናይ ዞባኹም ባህላዊ ጉዳያት እውን ከምዘሻቅለኩም ይርደኣኒ እዩ።እዚ ከኣ ወዲ ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ከምዘይዕንገል እንታይ ደኣ ብክብርታት ባህላዊ መሠረታቱ ኰሪዑ ነፍስወከፍ መንነቱን ክብረቱን እናዘከረ ከምዝነብር ይገብሮ ኢሎም።”

ምቅባል ጋሻን ክንክንን!

ቅስዱነቶም ካብ ጉዳይ ባህሊ ናብ ማሕበራዊ ኩነታቶም ስግር ይብሉሞ ብቀንዱ ኣብዚ ዘመንና ከምቲ ድኽነትን ስእነትን ድሂኽዎም ብዙሕ መከራ ዘሕልፉ ሎሚ ኣብ ዓለምና ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝስደዱ ሰባት ስለዘለው ብቀንዱ ነዞም ጽጉማት ክቅበሉ ክሓልዩሎም ምናዳ ኸኣ ከምቲ ጨጓር ከልቢ ኣሎ እናበልካዮ ይመውት ዝበሃል ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም ዝርከቡ ድኻታትን ኣላዪ ዘይብሎም ሕሙማትን ክከናኸኑ ሓደራ ኢሎምዎ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ባህሊ ምጒሓፍ ናይ ዘየፍርዩ ክፍለሕብረሰብና ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ ምናዳ ኣብ ሽማግለታትን ዘይሓዊ ሕማም ዝሓዞም ኣብ መወዳእታ ጒዕዞ ሕይወቶም ዝርከቡ ሕሙማትን ዓቢ ክንክን ክግበረሎም ብቀንዱ ከኣ ኣብ ጻዕሪ ሞት ንዝርከቡ ናይ ምሕረት መቅተልቲ ብዝብል ብ ኤታናዝያ ዝፍለጥ ዳርጋ ከም መሰል ከቅርብዎ ብዙሓት ዝቃለሱሉ ዘለው ጉዳይ ከም ክርስትያን ኣብ ጻዕሪ ሞት ንዝርከቡ ብብርቱዕ ዚሳቀዩ ሕሙማት ክንክንን ምጽንናዕን እምበር ሞት ኣይወሃብን ብማለት ከምዚ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

“ጽቡቅ ንገብር ኣሎና ብማለት እንተደኣ ቀቲልናዮም ወትሩ ብዙሓት ክንቀትል ክንርከብ ኢና፤ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ መሠረታውያን ክትዓት ኩሉ ብሓቂ ክግበር እምሕጸን፤ ሕይወት ደቂሰባት ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝቈጽያ ክትከናኸና ዘሎካ ዓቢይ ት ዕድልቲ ስለዝኾነት ካብዚ ናይ ምጒሓፍ ባህሊ ክትርሕቁ ብምንም ተኣምር ኢድኩም ከይትሕውሱ እምሕጸነኩም ኢሎምዎም።”

ካብ ሕሉፍ ዝርከብ ውርሻ ንመጻኢ ወለዶ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ንባህሊ ብዝምልከት ናይ ዝሓለፉ ሓባራዊ ሠናይ ሃብቲ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝሓልፍ ስለዝኾነ ኣብ መሬትካ ዝነበርካዮ ታሪኽ ብ እምነትስ ይኹን ካል እ ንደቂሰብ ዘገድሱ ሓነጽቲ ባህልታት ነናቶም እጃም ስለዘበርክቱ ንሶም እውን ብግዲኦም ባህላውን ማሕበርሰባውን ሥነፍልጠታውን ሃብታ ውርሻ ንመጻኢ ወለዶ ከውርሱ እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽን ባህልን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ መላእ ሃገሮም ፖሎቲካውን ቊጠባውን ጒዳያት እውን ክኸውን ከምዝለዎ ኣዘኻኸርዎ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለይ ጽፍሒ ምሕደራን ሓላፍነትን ቊጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት ሃገሮም ዝርከቡ ምእመናኖም ከምዚ ቢሎም ክረኽብዎም ብምምጻኦም ዝተሰምዖም ሓጐስ ብምግላጽ ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዘላን ምሳኦም ኰይና ከኣ ንስደተኛታትን ጽጉማትን ሕሙማትን ሽማግለታትን ድኻታትን ክትሕግዝ ከም እታቃለን ማንም ድሕሪት በይኑ ከይተርፍን ከይንጸልን ከምእተረጋግጽ ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
22 Oct 2022, 12:58