ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፥ ዝሓሸ ዓለም ምሕላም ፈጺምኩም ኣይተቋርጽ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም ንተጋባእያን “ኦርሶሊናዊ ዓለም ሓቆፍ ትምህርታዊ ውዕል” ጒባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ” ጽባቐ ነጸብራቕ ናይቲ መለኮታዊ ዝኾነ ጐሊሑ ክረአ መታን እጀታትና ዓጺፍና ኣእዳውና ኣብቲ ህልው ኩነታት ዓለም ብምእታዊ ክንዓዪ ኣየፍርሓና” ቢሎም፥ “በጺሐ እየ ንዝብል ፈተና ኢድና ከይሃብና ወትሩ ፍጥረት ብምክልኻል ንምእንጋድ ክፉትት ምዃን የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ወትሩ ዝሓሸ ዓለም ምሕላምን መዓልታዊ ድማ “ብትብዓትን ትዕግስን በቢ መዓልቲ በብቑሩብ ምህናጽ ፈትኑ” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ነቶም ኣብቲ “ኦርሶሊናዊ ዓለም ለኻዊ ትምህርታዊ ውዕል” ኣብ እተሰምየ ዓውደ ጒባኤ ንዝሳተፉ ተመሃሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም እቲ ዘመሓላለፍዎ ቃለ ምዕዳን፥ ተመሃራይን መምህርን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጸንዔ ኮይኑ ኵሉ ከም ተመሃራይ ቀጺሉ ድማ ከም መምህር ምስ ቈልዑ ምዝራብ ዘስዕቦ ሓጐስ ገሊጾም፥ ምዃንን ግብርን ዝብል ናይ ኦርሶላ መንፈሳዊ ትምህቲ መሰረት ገይሮም፥ ምምሃር ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ትብሎ ኴይንካዮ ምርኻብ ዓቢይ መምህር ይገብረካ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለም ለኻዊ ውዕል ጽባቐ
ክቡራት መንእሰያት እቲ ብቐዳምነት ክብለኩም ዝደሊ፥ ጽባቔዅም ርኡይ ግበርዎ፥ እዚ ኸኣ ብመሰረት ኣገባብ ዓለም ዘይኮነስ እቲ ሓቀይና ጽባቔኵም” ማለተይ እዩ። ትምህርቲ ስራሕ እውን ዘጠቓልል እዩ፥ ስለዚ ትምህርቲ ገጠምቲ ዘይፈጥር እንተድኣ ኮይኑ ውጺታዊ ክኸውን ኣይክእልን” ስለዚ እቲ “ዓለምለኻዊ ውዕሊ ትምህርቲ - ዓለም ለኻዊ ውዕል ጽባቔ እዩ፡ እዚ ጽባቔ እዚ እውን ናርሲሳዊ - ርእሰ ፍትወትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጸፈ ዘይኮነስ ናይቲ መለኮታዊ ጽባቔ ነጸብራቕ እዩ፥ እዚ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ንምብጻሕ ሓለፋዊ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዓለም ንምቕያር
እቲ ነዚ ዓይነት ጽባቔ ዝስዕብ ነቲ ዝተሰረሓሉ ፍቕሪ እሙን ክኸውን እጀታኡ ዓጺፉ ንምዕያይ ድሕር ዘይብል ገዛእ ርእሱ ንምልዋጥ ዘይፈርሕ እዩ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ደቂስካ ምትራፍ ዘይኮነ በቲ ጽባቒ ተደሪኽካ ነዚ ጽባቔ እዚ ንኽትምስክር ምውጻእን ተዋሳእን ምዃን እዩ። . . . ወትሩ በቃ በጺሐ ዘይብል . . . ሓላፍነት ዘየፍርሖ ክፉትን ተባዕን ምዃን የድሊ. . . እዚ ኸኣ ዓለም ንምቕያር ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ ቢሎም፥ እቶም መንእሰያት ካብቲ ተበጺሑ እዩ ወይ ከኣ በጺሐ እየ ዝብል ፈተና ክጥንቀቑ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
መንእሰያት ንዓለም እንተድኣ ዘይቀይሮም መን እዩ እሞ ዝቕይራ? እዚ ዝኸውን ነቲ ኣብ ብዙሓት ውጹዓት ዓለም ዘሎ ጽባቔ ብምሕይዋይ ነቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ተኣፋፍያን ብምቕባል ነቲ ጽባቔ ምምስካርን ነቲ ኣብኣቶም ዘሎ ጽባቔ ብምጒላሕን፥ ከምኡ እውን እቲ ካባይ ዝተፈልየ ከም ሃብቲ ብምጥማት። ነቲ ዝተወግአ ጽባቐ ፍጥረት ምክልኻል ጸጋታት ናይ ሓባር ቤትማ ምሕላው ዝያዳ ልዙብን ንከባብቢ ዝምችእን ኣነባብራ ምቕባል” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ፕራጋ ናብ ዝተኻየደ “ዋዕላ መንእሰያት ሕብረት ኤውሮጳ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ናብቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊስቦና ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክጥምቱን እቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ መንእሰያት ዓለምና ንዅሉ ዓቢይ ምልክት ናይ ተስፋን ጽባቔን ምዃኖም ዘርእይ ምልክት እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።