ድለ

2022.10.24 Comunità Accademica del Pontificio Istituto Teologico Giovanni Paolo II per le Scienze del Matrimonio e della Famiglia 2022.10.24 Comunità Accademica del Pontificio Istituto Teologico Giovanni Paolo II per le Scienze del Matrimonio e della Famiglia 

ሥድራቤት ሥነሓሳብ ኣይኮነን! መንግሥትን ቤተክርስትያንን ክድግፍዎን ኣብ ጐድኑ ክቆሙን ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ

ብስም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ መካነ ጥበብ ላተራነንሰ ዝቆመ ተቊዋም መርዓን ስድራቤትን ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ማሕበረ ኮም ትምህርቲ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸቡ እንክምልከት፤ ቅዱስነቶም ‘ቤተክርስትያንን መንግሥትን ንሥድራቤታት ጽን ቢሎም ክሰምዑ፤ ሥድራቤት ሕመረት ማሕበረሰብ ስለዝኾነ ካብ ዝኾነ ሥነሓሳባዊ ጽልዋታት ክሕሎ ሓደራ’ ኢሎምዎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ታሪኽ ምልስ ቢልና እንተተመልከትና ብ1980 ዓም ኣበው ጳጳሳት ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ንስድራቤት ዝምልከት ዓቢይ ሲኖዶስ ኣካዪዶም ነበሩ፤ ነዚ ሲኖዶስ እዚ ስዒቡ ዝተዋህበ ቃለ ምዕዳንን ለበዋታትን ተኸቲሎም ከኣ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብ1981 ዓም ኣብ መካነ ጥበብ ላተራነንሰ ብዛዕባ መርዓን ሥድራቤትን ዘጽንዕ ጳጳሳዊ ተቊዋም ክትከል ምስ ሓተቱ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ብስሞም ዘይንገብሮ ቢሎም ጳጳሳዊ ተቊዋም መጽናዕታት መርዓን ሥድቢቤትን ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ቢሎም ሰየምዎ።

ንመላእ ዓለም ማእከል መጽናዕትን ሃሰሳን መር ዓን ሥድራቤትን ንክኸውን ከኣ ብ2017 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሱማ ፋሚልየ ኩራ ብዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ክብ ኣበልዎ፤ እዚ ንኩላዊት ካቶልኪካዊትቢቤተክርስትያን ኣብ ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ሰብኣዊ መጽናዕትታን መወከሲ ንክኸውን ነበረ፤ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ምሳኡ ዝተኣሳሰሩ ተቊዋማት ተዘርገሐ፤ ነዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብዝምልከት ከኣ ብዙሓት ም እመናንን ውሉደ ክህነትን ብዝተፈላለየ ማዕርጋት ኣመሪቁ ኣብ ምምህርናን ሃሰሳን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነትን ነፍሳትን የዋፍር።

ቅዱስነቶም እምበኣር ንምኽፋት ዓመተ ትምህርቲ ምኽንያት ገቢሮም ንክረኽብዎም ንዝመጹ ኣባላት ናይዚ ተቊዋም ስድራቤት መበቆላዊ ታህዋስ ናይ ማሕበረሰብ ምዃኑ ብምዝኽኻር ቀንዲ ዕዮ ገዛኦም ንመር ዓን ስድራቤትን ብዝምልከት ብብርሃን ካቶሊካዊ ትምህርትን እምነትን ከማኡ እውን ዘመናዊ መጽናዕቲ ዘመደ ኣዳም ንኩሉ ዘጠቃልል ርድ ኢት ንከውሕሱ ምኻኑ ገለጹሎም።

በቲ ባዕሎም ብ2017 ዓም ዚኣወጅዎ ሓዋርያዊ ኣዋጅ እዚ ተቊዋም እዚ ናብ ኩሉ ንክሰፍሕ ዘይካቶሊካውያን ሊቃንትን በሰላትን እውን ከምዝጠቃልል ከምዝገበሩ እውን ኣዘኻኸሩ።

ኣብቲ ርክብ ካብ ዝተሳተፉ ናይቲ ተቊዋም ዓቢይ ቻንስለር ሊቀጳጳስ ቪንቸንሶ ፓልያን ሓላፊ ናይቲ ትቊዋም ሞንስኞር ፊሊፕ ቦርደይነን እንክርከቡ ቅዱስነቶም ሓደራ ካብ ዝበልዎም ነቲ ተቊዋም ሓዲስ መንፈስን ሓይልን ከልብስዎ እሞ ንዝሰፍሔን ንዝዓበየን ዕላማ ከውዕልዎ ዝጽው ዕ ነበረ፤ ብቀንዱ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ንሥድራቤት ቀንዲ ግድልን ብደሆን ኮይኖም ንዘለው ጸገማት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንዝሃብዎ ሓደራ እሙናት ኮይኖም ከም ውርሻ ክቅጽልዎን ንናይ ዘመኑ ጸገማት ዝኸውን ዘመናዊ ፍታሓት ከናድዩ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“ትምህርቲ ንባበ መለኮት ቀንዲ ሥርሑ ንሥድራቤትን ውሉድነትን ሕውነትን ብዓይኒ ቃል ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ብክርስትያናዊ ራእይ እውን ከብርህ ኣለዎ፤ እዚ ከኣ ተመኲሮ ስድራቤት ምዃን ኣብ ውሽጢ መላእ ማሕበረሰብ ዘመደ ኣዳም ዘጠቃልል ስፍሓት የድልዮ ኢሎም።”

ነዚ ተቊዋም እዚ ጳጳሳዊ ዝብል ኣርእስቲ ክወሃቦ እንከሎ ኣሠር ቅዱስ ጴጥሮስን ተልእኮኡን ብምስዓብ ንመላእ ቤተርክስትያን ከገልግል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ግን ንዘሎ ኩነታት ስድራቤታት ዝጭበጥ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ከምዘድሊ ኣትርር ኣቢሎም ገለጹ፤ ከምዚ ኣብ ስድራቤት ብዝተፍለለየ ማዕበላት ኣብ ዝጥቀዓሉ ዘመን እዚ ንምልክታት ጥበብን ምሕረትን እግዛእብሔር ኣለሊኻ ተረዲእካን ንምኽኣል ዓሚቊ መመያ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገለጹሎም።

“ናይ ጥፍ ኣት ነቢያት ኣይኮናን! ናይ ተስፋ ነቢያት ኢና፤ ስለዚ ናይዚ ዘሎና ዘመን ቅልውላዋት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ምጽንናዕ ዘሎና ጠመተ ወትሩ ምሳና ኮይኑ ነቲ ስድራቤታት ዘርእይዎ ልብኻ ዝትንክፍ ክእለታት ብሓደ ምንባር ንክቅጽሉ ዘርእይዎ ኩነታት ንማሕበራት እምነትስ ይኹን ንሲቪል ማሕበራት ከማኡ እውን ዘመደ ኣዳም ከመይ ቢሉ ብሓባር ክነብር ከምዝኽእል ዝምህር ምልክታት እዩ፤ ስለዚ ሰብኣዊ ቋንቋ ሰዋስው ንማሕበረሰብና የድሊ ኣሎ፤ እዚ ሰዋስው እዚ ምስ ዝጐድል ወይውን ዝገማጠል ምሉእ ስርሪዕ ሰብ ኣውነት ከማኡ ዓውን ማሕበራዊ ርክብ ደቂሰባት ይቈስል ይሳቀ ኢሎም።”

ብቅዓት መርዓን ስድራቤትን ብቅዓት ፍቅሪ ነፍስወከፍ ግለሰብ ይውስን በዚ ከኣ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ደቂሰብ ንዝግበር ምት እስ ሳር ይውስን፤ ስለዚ ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ ንስድራቤታት ጽን ቢልካ ምስማዕ ሓላፍነቱ ናይ መንግሥትንቢቤተክርስትያንን እዩ፣ በዚ ከኣ ዝደጋግፍ ሕውነት ዚዓሰሎ ሰብ ኣውነት ዝመለለዪኡ ዓለም ክንሃንጽ ንኽእል ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም ሎሚ ንመላእ ዓለም ጐቢኡ ዘሎ ናይ ኣይድዮሎጂ ወይ ሥነሓሳብ ፍልልያት መሠረታዊ ንዝኾኑን ዘየካት ዑን ጉዳያት እኳ ከይተረፈ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው ንሥድራቤት ከም ሥነሓሳብ ካብ ምርኣይ ክንጥቀቅ ምናዳ ንስድራቤት በቲ ዘጋውሕዎ ስነሓሳብ ክትንትኑ ካብ ዝፍትኑ ክንርሕቅ ‘ስድራቤት ሥነሓሳብ ኣይኮነን ስድራቤት ጭቡጥ ህልው ክውን ጉዳይ እዩ፤ ህልው ነገር ከኣ ብሕይወት ህልውናኡ ይዓቢ’ ቢሎም፤ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ መር ዓን ስድራቤትን ምሉእ ብምሉኡ ፍጹማት ክኾኑ ክንጽበ ከምዘይብልና በዚ ከኣ ኣብ ተልኮኦም ብመንግስትስ ይኹን ብቤተክርስትያን ክሕገዙ ኣለዎም፤ ከመይ መር ዓን ስድራቤትን ክሳብ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ንበጽሕ ዘይተወድኡ መደባት ገና ኣብ ፍጽምና ዘይበጽሑ ጒ ዕዞ ሕይወት ምዃኖም ንዘክር እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።    

ብድምጺ ንምክትታል!
25 Oct 2022, 17:13