ር.ሊ.ጳ. ንሱታፌን ሓርነትን ማሕበር፥ ነቢያት ሰላምን ሓድነትን ኵኑ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ጥቅምቲ ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ውልደት ነፍሰ ሄር የኔታ ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ መስራቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሱታፌን ሓርነትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ ስሳ ሺሕ ዝኾኑ ኣባላት ምንቅስቓስ ሱታፌን ሓርነትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኺቦም ንኣገልግሎት እቲ ምንቅስቓስ ብፍላይ ድማ ንመስራቲ እቲ ማሕበር የኔታ ኣባ ጁሳኒ ንኢዶም “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነገልግሎትኵም አመስግን ሰናይ ምንዮተይ ድማ እገልጸልኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መበል ሚእቲ ዓመት ውልደት ኣባ ጁዛኒ
እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብጸሎትን ብዝተፈላለየ መዛሙርን ከምኡ እውን ኣባ ጁዛኒ ኣብ ህይወት ዘመኖም ታሪኽ ኣገልግሎቶም ዝገልጽን ኣብ ጽሑፋቶምን ስብከታቶምን መሰረት ዝገበረ ብምስማዐ ርእየት ዝተቐርጸ ምርእቲታት ተበጊሱ ከም እተኻየደን፥ ኣባ ጁዛኒ ኣብ መጀመርታ 1960 ዓ.ም. ንእምነት ብእዋናዊ ሓረኮት ብምቕራብ ባዕሎም ናይዚ ኪደት እዚ እውን ኣብነት ብምዃን ነዚ መፍነሳውነት እዚ ዝነብር “ሱታፌን ሓርነትን” ዝብል ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ከም ዝመስረቱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕድርኣዊ ኣስተንፍሶ
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፥ ነፍሰ ሄር ጁዛኒ እቲ ከም ካህን ገዛእ ርእሶም ዝነብርዎ ዝነበረ ህይወት ንመንእሰያትን ወለዶታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ኒሕ እምነት ናይ ምክፋልን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዓሚቑ ሱር ሒዙ ኣብኦም ክዕንብብ ብምሕጋዝ ዝገበሮ ዓቢ ጽልዋ ብምዝካር፡ ነዚ ኣገልግሎቶም ብምድናቕ፥ ኣብ 1960 ዓ.ም. ብዙሕ ቅልውላዋትን ዕግርግርን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክምህሩን ተልእኾ ወንጌል ብምትብባዕን ዝነበርዎ ኣገልግሎት ሎሚ ኣብቲ ዘሎ ብድሆታት ብተመሳሳሊ ጽንዓት ሰባት ኣብ እምነት ምጽናዕ ኣገዳሲ እዩ፥
ግዜ ቅልውላው ንቤተ ክርስትያንን ተልእኾ ወንጌልን ንምሕዳስ ዘተባብዕ ኵነት እዩ፡ ቅልውላው ናብ ዕቤት ክቕየር ይኽእል!
ቢሎም፥ ኣባ ጁዛኒ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ መስህብን ክህነታዊ ጸዋዕታኦምን ከም መምህር ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ፍቕሪ ኣብ ምግላጽ ዝነበርዎ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ልቢ ዝትንክፍ መንፈሳዊ መስህብ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነት ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ መንእሰያት ልብን ኣእምሮን ክትንክፎም ዝኸኣለ ዓቢ ናይ ብሕቲ ክእለትተ ኣባ ጁዛኒ ብምዝካር እዚ ካብቲ ብንእስነቶም ኣብ ምስጢረ ክርስቶስን ኣምላኽን ንዅሎም ሰባት ዘለዎ ደረት ዘይብሉ ፍቕርን ዘደንቕን ዘገርምን ኮይኑ ካብ ዝረኸብዎ እምነት ዝመንጨወ እዩ።
ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ማእከል ኵሉ ክውንነት፡ መልሲ ኵሉ ሰብኣዊ ሕቶታት፡ ከምኡ እውን ኵሉ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ሓጐስን ሰናይን ፍቕርን ዘለዓለማዊ ትምኒትን ፍጻመ እዩ!
ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብታ ሕጂ ዘላ እተቐየረት ዓለም እቲ ምንቅስቓስ ዘለዎን ዝነበሮን ናይ ግብረ ሰናይ ባህሪ ሓደ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘፍሪ መታን ክኸውን ሓንጐፋይ ቢልና ክንቅበሎ ይግባእ፥ ትሕትና ድማ ይሓትት፥
ትሑት ሰብ ህይወት ይህብ ንኻልኦት ይዕድም ናብ ዘይትፈልጦ ነገር ድማ ይድርኽ፡ እቲ ዕቡይ ሰብ ግን ንኻልኦት እዩ ዝቐድሕ፡ ሓድሽ ዝኾነ ነገር ከኣ ኪኰጻጸሮ ስለ ዘይክእል እናፈራሀ ኣብቲ ዝፈልጦ ነገር ጥራሕ እዩ ቅሳነት ዝስምዖ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትምህርቲ ንህይወት
ር.ሊ.ጳ. ኣባ ጁዛኒ ከም መምህር ዝነበርዎ ተራ ኣብነት እዩ። ምስ ኢየሱስ ዝነበሮም ውልቃዊ ርክብ ንኽእልኦት ንምምስካርን በዚ መንፈስ እዚ ንኸተባብዑን ህጹጽ ኣገልግሎት ምዃኑ ምስ ተሰምዖም ኣብ ቅድሚ ሃይማኖታዊ ድንቁርና ወይ ዘይምርዳእ ናይ እምነት ትርጉምን ሓቅን ድሌትን ንምንቕቓሕ ዝኸኣሉ እዮም፥
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ንዘገልግልዎ ሰብ ናጽነትን ውልቃዊ ሓላፍነትን ዓቢ ኣኽብሮም ብምርኣይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ክእለትን ጸዋዕታን ክዕንብቡ ዘተባብዑ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍቕሪ ንቤተ ክርስቲያን
ኣባ ጁዛኒ “ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዩ” ነይሩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ብዓቢ ኣኽብሮትን ተኣማንነት ዘፍቀረ፡ ንኻልኦት እውን ተመሳሳሊ ኣኽብሮትን ውሉዳዊ ፍቕርን ክህልዎም ዝመሃረን እዩ፥ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ክርስቶስ ብምንባር ንኽርቶስ እተንጸባርቕ ስለ ዝኾነት፥
ኤቅለስያውያን ምንቅስቓሳት ስሕበት ክርስትና ንኽርአ ይሕግዛ፡ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን እዞም ምንቅስቓሳት ክኸድዎ ዝግብኦም መገዲ ብጥበብን ብጥንቃቔን የመላኽቶም፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝሃቦም ተልእኾ እሙናት ኮይኖም ክነብርዎ ዘለዎም ሓላፍነት ወትሩ የዘኻኽሮም!
ሰላምን ሓድነትን
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኵሎም እቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብሓባር ናይ ሰላምን ሓድነትን ነቢያት ብምዃን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ንኸሰንይዎም እንክዕድሙ፥
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ውግእ ዝመልኦን ዓለምና ብዙሕ የተሓሳስበኒ፡ ኣምላኽ ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተደርበዩን ተኣፋፍያን ህልው ምዃኑ እንህቦ ትቢታዊ ምስክርነት ኵሉ ምስቲ ንልቢ ወዲ ሰብ ዝመልእ ባህጊ ፍቕርን ሓቅን ፍትሕን ሕጐስን ንኽራኸብ ይገብር!
እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።