ር.ሊ.ጳ.፥ ርክብን ጸሎትን ንዓለም ክቕይራ ይኽእል
ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ተጠቀምቲ ቋንቋ ፈረንሳ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም፥ ብጸሎት መልእኽቲ ወንጌል ናብ ዓለም ንብጻሕን ኣብ ምጓዓዝ ሓድነት ምንባር ዓቢይ ዋጋ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ምስቶም ንሕንጸት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተመክሮ ዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ሲኖዳውነት ናይ ዝመክር ሲኖዶስ መስርሕ ብሓባር ንኸስተንትኑ ሮማ ዝኣተዉ ልኡካን ተጠቀምቲ ቋንቋ ፈረንሳ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም፥ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለያ ተጠቕመቲ ቋንቋ ፈረንሳ ሃገራት ዝነብሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝሓቁፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ማሕበር እዚ “ናይ ወንጌል ሓሴት ንምንባርን ንምምስካርን ሕውነት ኣብ ምክፋል ዚነብር” እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዝነብርዎ ሕውነት ድማ ምስታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ጳጳሳትን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ሕብረት መግለጺ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንሓድነትን ርክብን ዝተጸዋዕና
ቅዱስነቶም እቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ካብ ግብረ ሓዋርያት ዝተወስደ፥ ዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገቱ ብሓባር ተኣኪቦም ዝነበርዎ ተመክሮ ጸሎት መሰረት ገይሮም፥ “ንሕና እውን ክንራኸብን ሓድነት ክህልወናን ተጸዊዕና ኢና። ምስ ካልኦት ምራኻብን በቲ ኣብ ምርኻቦም ምስ ዝህሉ ብድሆ ምግጣምን የድሊ፡
ምርኻብ ንሕይወት ክቕይር ይኽእል እዩ
ምስ ካልኦት ምርኻብ ብሓቂ ምስኦም ምትእስሳርን፥ ይቕይረናን ኩሉ ግዜ ዘይሓሰብናዮን ዘይተጸበናዮን ሓደስቲ መገድታት ይኸፍት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ንኽንጽልይ ንተኣከብ - ንሕበር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት፥ “ደቀ መዛሙርቲ ብትግሃት ክጽልዩ ተኣኪቦም ነይሮም” ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም ብፍላይ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ፥ “መንፈስ ቅዱስ እንታይ ክብል ከም ዝደሊ ንምልላይ ጸሎት ከም ዘድልን - ማሕበራዊ ጸሎት ከም ዘድሊ” ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ሲኖዶስ ብቐጻሊ ምስማዕ ምምሃር ወይ ድማ እግዚኣብሔር እንኽተሎ ዘሎና መገዲ ከርእየና ካብ ብሉምድ እንገብሮ ነገራት ዘውጽኣና፡ ከም ኣብርሃም ሓድሽ መገዲ ክንሕዝ ዝጽውዓና ኣገባብ ዘጠቓልል እዩ፥
ሲኖዶስ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ። በቲ ንዅሉ ሓድሽ ዝገብር መንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ መስርሕ እዩ። ካብ ናይ ዓለም ምዃን ካብ ዕጹው ምዃን ካብ ብተደጋጋሚ መደባት ጒስነት ምንባር ካብ ፍርሕ ሓራ ዘውጽእ እዩ!
ወንጌል ናብ ኵሉ ምብጻሕ
ግብረ መንፈስ ቅዱስ ፍርሕን ሰብኣዊ ተቓውሞታት ክንስዕሮ የኽእለና። ናይ ደቀ መዛሙርቲ ልቢ የስፍሕን ይኸፍትን፥”
እዚ ናይ ልቢ ለውጢ እዩ፡ ንዓለም ክንቅይራ ዘኽእለና ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን ክንሕድስ ዘኽእለና እዩ!
ዝበሉ ቅዱስነቶም ወሲኾም፥ “ንሕና ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ዝበራህናን እሞ ቃልቃል ዝበልናን ብውህበቱ ዝሃብተምናን ብምዃንና ተሓጒስና ክንበብር ነዚ ሓቂ እዚ ከነመሓላልፎን ኣብ ህይወትና ንዘሎ ተኣምራት ኣምላኽ ምርኻብናን ምስምማዕናን ጽን ምብህሃልናን ሕውነታዊ ፍቕርን ክንምስክር ምስ እንኽእል ጥራሕ እዩ” ቢሎም፥ “ኣብ ትሕቲ መርሕነት መንፈስ ቅዱስ ኴይና መዓልታዊ ብሓባር ክንመላለስን እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ክንከውንን” ሓደራ ቢሎም፡ ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካልኦት ባህልታትን ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትንን ክንራኸቦም መታን ኣብ ጐደናታት ምጒዓዝን ምውጻእን ከም ዘድሊ ምዒዶም፥ “ተመክሮታትኵምን ርክባትኩም ንናይ መላእ ቤተ ክስቲያን ሲኖዶሳዊ ምንቅስቓስ ዘሀብትም እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ሞዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።