ር.ሊ.ጳ.፥ ቅዱሳን ክቡር ዕንቁን ኩሉ ግዜ ህያዋንን እዋናውያንን እያቶም!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ብናይ ቅድስና ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዝተወደበ ዛዕባ “ቅድስና ሎሚ” ኣብ ዝመኸረ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ዕለት 6 ጥቅምቲ ተቐቢሎም፥ ወንጌል ምሉእ ብምሉእ ምንባር ዝከኣልን ዓስቢ ዘለዎን ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ “ቅድስና ሎሚ” ብዝብል መርሕ ቃል ናይ ቅድስና ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ተወዲቡ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ሎሚ ቅድስና ንምንባርን ክውን ንምግባርን ኣብ እዋናዊ ህሞት መገድታቱ ንምዕሟቕን” ዝሓቀነን ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቅድስና ተኸኣሊ ምዃኑ ዝመስከሩ፥ መንን ብኸመይን ንምልላይ ዝዓለመ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጽዋዐ ንቕድስና ዳግም ንምቕራብ
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነታ ብቕዱስ ኣቦና ዝተደርሰት ተፈስሑ ወተሃሰዩ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብግብራዊ መገዲ ጻዋዕታ ቅድስና ዳግማይ ንምቕራብ ዝብል ድሌት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥ ጻውዒት ቅድስና ኣድማሳዊ ምዃኑን እዚ እውን ናይ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ትምህርቲ እዩ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝጐልሕ ቅድስና ምምስጋን ኣገዳሲ ምዃኑ ክስትብሃል ከምዘለዎን፥ ቅድስና፥ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ምሉእ ብምሉእ ምንባር ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ዓስቢ ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥ ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብጹዓን እትብሎምን ቅድስና እትእውጀሎም፥ ከም ኣብነትን ኣርኣያን ተቕርቦም።” ቅድስና “ብቐዳምነትን ልዕሊ ዅሉን ብኣምላኽ ከም እተፈቐርናን ብናጻ ፍቕሩን ምሕረቱን ከም እንቕበልን ዘመላኽት እዩ” ስለዚ እዚ ምግንዛብ እዚ ድማ ናብቲ ህይወት ቅዱሳንን ብጹዓንን ዝነበርዎ ሓሴት ዝመርሕ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናይ ቅድስና ክብሪ ምልላይ
ቅድስና ኣብ ጭቡጥ ሕይወት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከም ዝለዓል ብሕዝበ እግዚኣብሔር ድማ ኣፍልጦ ከም ዝወሃቦን እዚ ዝና ወይ ናይ ቅድስና ዝና ነቶም ቅዱሳን ክዀኑ ዝኽእሉ ኣብ ምፍላጥ ኣገዳሲ ባእታ እዩ። ይዅን እምበር . . . እዚ ናይ ቅድስና ዝና እዚ ድንገታዊ ርጉእ ነባሪ ኣብ ምሉእ ርኡይ ክፋል ማሕበርሰብ ክርስቲያን ዝተዘርግሐ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣድላዪ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዘሎ ሓደጋ ምግናን ወይ ብጌጋ ምግላጽ፥ “ብወገን ኵሎም እቶም ንኣቃውማ ናይ ቅድስና ዝና ዝምርምሩ ጥበብ ዘለዎ ምስትውዓል” ኣድላዪ ይገብሮ። እዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ንመርትዖታት ተኣምራት ዘጠቓልል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቅዱሳን ወትሩ ክቡር ዕንቍ እዮም
“ቅዱሳን ክቡር ዕንቊ እዮም” ወትሩ ህያዋንን እዋናውያን እዮም” ከምኡ እውን “ኣገዳስነቶም ፈጺሙ ኣይሃስስን እዩ።” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብነት ናይ ዘመንና ደቂ ኣስንትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣእምሮ ከብርህ እምነትን ተስፋን ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘበራብርን ኵሉ ሰብ ኣብቲ ማእከል ኣልቦነትን ተስፋ ምቑራጽን ዝኾነ ናይ ጸልማት ምድንጋራት ናብ ጽባቐ ወንጌል ዝተማርከ ኮይኑ ክስምዖ ዝገብር እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ እቲ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ርድኢትን እማመታትን ንቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ነቲ ጐይታ ሓድሓደ ግዜ እውን ከይተረፈ ኣብ ዘይሕሰብ መገድታት ዘተንስኦ ዘየቋርጽ ምልክታ ቅድስና ንኽግንዘቡ ዝሕግዝ ጸሎት ዝመልኦ ተስፋ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።