ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ‘መንፈስ ኣሲዚ’፥ ስም እግዚኣብሔር ንራዕድን ዓመጽን መባረኺ ክኸውን ኣይክእልን!

ሎሚ ብሓቂ ንምዝራብ ድሕሪ ደጊም ከይንሰምዖ እንፈርሖን ከይህሉ ተስፋ ዝገበርናዮን ነገር ፍጹም ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ድማ ድሕሪ ሂሮሺማን ናጋሳኪን እውን እንተኾነ ምፍራይን ምፍታንን ምጥቃምን ኣቶማዊ ኣጽዋር ይቐላቕል ምህላዉ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ኣብ ዝተኻየደ መበል 36 “መንፈስ ኣሲዚ” ናይ ኵለን ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መድረ፥ ስም እግዚኣብሔር መባረኺ “ራዕድን ዓመጽን” ምግባር ጸረ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ እንክብሉ ስም እግዚኣብሔር መጋበርያ ዓመጽን ራዕድን ምጥቓም ስም እግዚኣብሔር ምርካስ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሃይማኖት ንውግእ ክውዕል ወይ መጋበርያ ውግእ ክኸውን ኣይክእልን፡” ሰላም ጥራይ እዩ ቅዱስ! ራዕድን ዓመጽን ክባርኽ ስም እግዚኣብሔር ዝጥቀም ሰብ ከይህሉ። ኣብ ከባቢኹም ውግእ ክትራዩ እንከለኹም መራሕቲ ዓለም በጃዅም ክግበር ዝከኣል የለን ምባል ሓዲግኩም ምሩኻት ውግእ ኣይትኹኑ፡ ህዝቢ ሰላም እዩ ሃረር ዝብል . . . ከም ዝበሉን ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት መራሕቲ ሃይማኖት ዘኪሮም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መደባትና ዘቕረብናዮ ጻውዒት ሰላም “ሎሚ ዝያዳ እዋናዊ እዩ። ስለዚ መዓልታዊ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓሸ ኣብ ምግባር ዝጽዕሩ ኽንከውን ኣሎና” ቢሎም፥

ንውግእ ምሩኻት ኣይንኹን ዘርኢ ዕርቂ ነማዕብል!

ሎሚ ምእንቲ ሰላም ናይ ልመና ጸሎት ናብ ሰማይ ሓፍ ነብል፡ ኵናት ውድቀት እዩ፡ ስለዚ ነዚ ጸረ ኩሉ ዝኾነ ተግባር እዚ ደው ንምባል ነፍሲ ወከፍና በቢ እርካኑ ክዋሳእ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ‘መንፈስ ኣሲዚ’

እቲ ብማሕበረሰብ ቅዱሳ ኤጂዲዮ ዝተዳለወ ናይ ሰላም ገዓር ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ናይ ሰለተ መዓልቲ ዋዕላ ሰላም፥ መራሕቲ ሃገራት መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ልስጣን ከም ዘአንገደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ናይ 2022 ዓ.ም. መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም መበል 36 ተኸታሊ ናይቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ብሓልዮት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በሰናዳኢ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝተበገሰ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥

ዓለም ለኻዊ ጽርሃ

እዚ ናይ መበል 36 ናይ ሰላም ገዓር ብዝብል መራሕ ቃል ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ናይ ሰላም ዋዕላን መደብ ጸሎትን ዕለት 23 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ኤውር ናይ ጒባኤ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ቤተ ኣይሁድን ቤተ እስላምን ቡድሃውያን ሲካውያን ሂንዱን ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ተረኺቦም ምእንቲ ሰላም ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ መደብ እዚ ክሳተፉ ንሳልሳይ ግዜኦም ከም ዝኾነን፡ ለብዒ ኮቪድ 19 - ምኽንያት እውን ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መደብ ተቛሪጹ እውን  እንተነበረ እቲ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክቕጽል ከም ዝጸንሐ ኣመላኺቱ።

ብፍሉይ መገዲ ነቶም ቅድሚ ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመት ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ዘበገሰ ናይ መጀመርታ ታሪኻዊ ጻውዒት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዘነቓቕሕ ናይ ሕውነት መንፈስ ዝተጸንምበሩን ለሚ እውን ዝሓበሩ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ስለ ምርኻቦም አመስግን፡

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰላም - ልባዊ ልመና

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ለምዘበን መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ፍልዩን ልዑልን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገሊጾም፥ “ሎሚ ሰላም ብኸቢድ ተጋሂሱን ደሚዩን ስለ ዘሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ራዕዲ ክልተ ኵናት ዓለም ዝተጻወረት ክፍለ ዓለም እነካይዶ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም፡ ነዛ ክፍለ ዓለም እዚኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ፡ እቲ ዘሕዝን ግን ድሕሪ እቲ ከቢድ ተመክሮ ኵናት ዓለም ውግኣትን ደም ምፍሳስን ይቕጽል ምህላዉ እዩ።

ባእሲ እናቐጸለ ምስ ዝኸይድ ጽልኢ ይላባዕ

ሰላም ሕመረት ሃይማኖታትን ቅድሳት መጻሕፍትን ኵለን ሃይማኖታት ትምርህትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ሎሚ ምሽት ኣብቲ ናይ ጽሞና ጸሎት ምእንቲ ሰላም፥ ጻውዒት ሰላም ሰሚዕና ኢና፡ ማለት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ዝተዓፈነ ሰላም ብብዙሕ ተግባራት ዓመጽ ዝተጋህሰ ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከይተረፈ ዘየናሕስይ ኵነት ክስማዕ ዝገብሮ ገዓር ሰላም ሰሚዕና ኢና!

እቲ ንሰላም ዝሓትት ልመና መብዛሕትኡ ግዜ ብተጻባኢ ኣዘራርባ ዘይኮነስ ብዘይምግዳስ እውን ዝሕከኽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፥ “ባእሲ እናቐጸለ ምስ ዝኸይድ ጽልኢ ይላባዕ” ቢሎም፥

ምትሓታዊ ቀመር የልቦን ኵሉ ሰብ ግና ጽዉዕ እዩ

ንሰላም ዝዓርግ ጸሎት ምዕፋን ብፉጹም ዝከኣል ኣይኮነን፥ ኣብ ልቢ ኣዴታት ኣብ ወጅሂ ስደተይናትትን ተምዛበልትን ኣባይቲ ስድራን ኣብቶም ኣብ ውግእ ዝሞቱን ኵሎም ብዕምቆት ተቐሪጹ ኣሎ፡ እዚ ኣልቦ ድምጺ ዝኾነ ልመናን ሰላምን ድማ ናብ ሰማይ ሓፍ ዝብል ገዓር ሰላም እዩ፡ ብስም ኵሎም ዝሳቐዩ ሰላም ምልማን ናይ ኵሉ ግዴታ እዩ፥ 

እቲ ምእንቲ ሰላም ዝዓርግ ልመና እቲ ኣደ ኵሉ ዓይነት ድኽነት ዝኾነ “ቃንዛን ራዕድን ኵናት” ዝገልጽ እዩ!

ውድቀት ኵናትን ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋርን

“ነፍሲ ወከፍ ውግእ ንዓለምና ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ብዝያዳ ይሃስያን። ኲናት ውድቀት ፖለቲካን ሰብኣውነትን ዘሕፍር ኢድካ ናይ ምሃብ ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ክፍኣት ምልክት ስዕረት እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እዚ ርግጸይናነት እዚ ድማ ፍረ ናይቲ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ዝረኸብናዮ መሪር ትምህርቲ እዩ፡ እቲ ዘሕዝን ድማ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ብኸምዚ ዓይነት መሪር ኩነት ምጅማሩ እዩ፥

ሎሚ ብሓቂ ንምዝራብ ድሕሪ ደጊም ከይንሰምዖ እንፈርሖን ከይህሉ ተስፋ ዝገበርናዮን ነገር ፍጹም ዝምለስ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ድማ ድሕሪ ሂሮሺማን ናጋሳኪን እውን እንተኾነ ምፍራይን ምፍታንን ምጥቃምን ኣቶማዊ ኣጽዋር ይቐላቕል ምህላዉ እዩ።

ምእንቲ እዚ መራሕቲ ዓለም ንፍትሓዊ ባህጊ ህዝብታት መደብ ኣምላኽ ንድሕነትና ሰላም እምበር እከይ ዘይኮነ መደብ ዘሕዝን ፍጻሜ ክዕፍኖ ኣይፍቀዱ . . . ሰላም ውህበት ኣምላኽ እዩ፡ ንሕና ድማ ነቲ ህያብ ካብኡ ንልምን ኣሎና። እንተኾነ ግን ሰላም ብኣና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ድማ በቶም ኣመንቲ ክሕቆፍን ክሕብሐብን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቄናን ምኽንያት ኲናት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “በቲ ቄናን ምኽንያት ኲናት ኣይተዓብለል ኣብ መጻወድያ ጽልኢ ኣይንውደቕ። ደጊምና ሰላም ኣብ ሕመርት ራእይናን መጻኢናን ነቐምጦ፡ ከም ቀንዲ ውልቃውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወትና ነንብሮ፡ ግርጭታት በጽዋር ውግእ ዘኮይነ በጽዋር ዘተ ነህድእ።”

ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ከቢድ ኣህጉራዊ ቅልውላው ወተሃደራዊ ኑክለሳዊ ግጥምን ክህሉ ዝመስለሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዮሓንስ መበል 23 ‘ንዅሎም መራሕቲ መንግስታት ንኣውያት ሰላም ህዝብታት ጸማማት ከይኮኑ ንለምን። ሰላም ንምሕላው ዝከኣለኵም ኵሉ ግበሩ”

ከም ዝበሉ ዝዘከሩ ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ድሕሪ ስሳ ዓመት ነተን ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ናተይ ገርይረ ምእንቲ ሰላም ክንዓዩ እምሕጸን፥ ንሕና ሰብ ሃይማኖት ገለልተይና ኣይኮናን ንሰላም ዝተሓባበሩ ኢና፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሕገ ሰላም ከም ናይ ኵሉ መሰል ክሕሎን ዓመጽ ዝፈጥሩ ግጭታት በዚ ሕጊ እዚ ፍታሕ ክረኽቡ ኣለዎም እንክብሉ ጻውዒት ነቕርብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሃይማኖታት ንዓመጽ ክባርዅ ኣይክእሉን!

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ሕውነታዊ ዝምድና ወሳኒ ስጉምትታት ኣርእዮን ንቕድሚት ከም ዝሰጐመን ስለዚ ድማ ቅዱስነቶም ሞሳኦም ገሊጾም፡ ሃይማኖታት ውግእ ከለዓዕላ ኮነ ውግእ ክባርኻን ስም ኣምላኽ ንራዕድን ዓመጽን ክባርኻ ኣይክእላን፡ ህዝብታት ድማ ንውግእ ከም ልሙድ ከይርእዮ ሓደራ እብል፡ ኣብ ክንድኡ ንዕርቅን ንሰላምን ብሓባር ድምጽና ናብ ሰማይ ክብ ነብል እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

26 Oct 2022, 15:55