ድለ

ር.ሊ.ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖታትን፥ “ድሕሪ ሕጂ ኵናት የብቅዕ ኵላዊ ተኹሲ ደው ምባል ይሃሉ

ንዕርቂ ህዝብታት ኣድማዒ መድሓኒ ዝኾነ ዘተ ዳግማይ ብሓባር ንጀምር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መገዲ ንዘተ ወፍሪ ንግበር፡ ሰላም ኵሉ ግዜ ተኻኣሊ እዩ። ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ፡ ድሕሪ ደጊም ሓድሕዳዊ ተጻብኦነት የብቕዕ!

ኵናት ንዓለም ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ እዋን  ኣብ ሮማ ቅርዓት ኮሎሶዩም ኣብቲ ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘዳለዎ “መንፈስ ኣሲዚ” እተሰምየ መበል 36 ናይ ኵለን ሃይማኖታት ዓለምን ባህልታትን መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ ዝተሳተፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን፥ ኣብ ፍጻሜ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም፥ ኵላዊ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉን ውግእ ከብቅዕን ናይ ሓባር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብዝጸንዐ ተኣማማንነት፥ ድሕሪ ደጊም ኵናት ኣይሀሉ፡ ኵሉ ግጭት ድማ ደው ነብሎ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብቲ ዕለት 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ኣብ ዝተኻየደ መበል 36 ዓመታዊ ጸሎት መእንቲ ሰላም “መንፈስ ኣሲዚ” ኣብ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ሰላም ገዓር ብዝብል ቃል ተመሪሑ ዕለት 25 ጥቅምቲ ብወግዒ ዝተበገሰ ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ ሰላም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ መግንስቲን ባህልን ላዕለዎት ኣካላትን ኣርእስተ ብሔር መደረ ዘስምዕሉ ጻውዒት ሰላም ዝቐርበሉ እውን ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

መንፈስ ኣሲዚ

እዚ መደብ ጸሎት እዚ ብሓልዮት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብካቶሊካዊ ምንስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ሓደ ቢሉ ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን መንግስታትን መራሕቲ ብሓባር ዓለም ካብ ውግእን ግጭትን ናጻ ክትከውም ጻውዒት ሰላም ዘቕርብሉን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝካየድ መደብ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን እነሆ ኣብቲ መበል 36 ሕታም ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታት ሻቕሎቶም ናብ ዓለምን መራሕቲ ሃገራትን፥ “ድምጺ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ስደተይናታት ስድራ ቤታት ኵሎም ግዳያትን ዝሞቱን ኢና” እንክብሉ ከም ዘቕረቡን፥

ብጽኑዕ እምንቶ ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ! ኵሉ ጎንጺ ደው ይበል። ኲናት ሞትን ጥፍኣትን ጥራሕ እዩ! ኵሉ ተሳዓሪ ዝኾነሉ እዩ፥ ጠበንጃታት ሱቕ ይበል ኵላዊ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ድማ ኣውጁ!

ናይ ዘተ ባህሊ ክተባባዕ

እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ንዘተ ሰላምን ምስፋሕ ናይ ሰላም ባህልን ክህሉ እንክምሕጸኑ፥

ንርጉእን ነባርን ሰላም ናብ ፍትሓዊ ፍታሕ ከብጽሕ ዝኽእል ዘተ ብዘይ ምድንጓይ ይበገስ፥ ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከይህሉን ከንቱ እውን እዩ ዝብል ውሳኔ ንምርግጋጽ ዘተ ዳግም ይበገስ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ እቲ ራዕድን ቃንዛን ህልቂትን ካልኣይ ውግእ ዓለም ብብዝሓ ጐናውነታው ዝተኸየደ ዘተ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ንምቛም ከም ዘኽኣለን እዚ እውን ውጽኢት ናይ ሰላም ባህጊ እዩ፥ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህጹጽ ኮይኑ ኣሎ፥ “ኣብ መስቀላዊ መገዲ ኢና ዘሎና ወይ እቶም መሬትን ሰብኣውነትን ክመውት ዝገብሩ በጽዋር ዝድልቡን ንግድ ኣጽዋር ዘካይዱን ወይ ከኣ ናይ ብሓባር ናይ ምንባር ኣገባብ ዝፈጥር ኣብ ኣጽዋር ወፍርታት ዘይገብሩ ኲናት ከም መፍትሒ ዘይቅበሉ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዝፍጸም ምዝመዛ ደው ዘብሉ ወለዶ ክንከውን ንኽእል ኢና፡ እቲ ምርጫ ኣባና እዩ! ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስም እግዚኣብሔር ብዘይግቡእ ዘይምጥቃም

ኣመንቲ ብዅሉ ዝከኣል መገዲ ንሰላም ክሰርሑ ከም ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖት ተላብዮም፡ “ልባትና ኣጽዋር ከራግፍ ምሕጋዝን ኣብ መንጐ ህዝብታት ዕርቂ ክህሉ ጻውዒት ምቕራብ ግዴታና እዩ” ዝበሉ መራሕት ሃይማኖት፥

እቲ ዘሕዝን ኣብ ነንሕድሕድና ከይተረፈ ነቲ ቅዱስ ስም እዚኣብሔር ብዝየግቡእ ብምጥቃም ተፈላሊና ንርከብ ስለዚ ብትሕትናን ጣዕሳን ይቕረታ ንሕተት፡ ሃይማኖታት ንሰላም ዓቢይ ጸጋ እየን ኣብዚ መዳይ እዚ እያተን ክስጉማ ዘለወን፡ ሰላም ቅዱስ እዩ ውግእ ግና ፈጺሙ ቅዱስ ክኸውን ኣይክእልን!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ሰብኣዊ ፍጥረት ውግእ ከወግድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከራግፍ ኣለዎ

ወዲ ሰብ ውግእ በቃ ቢሉ ይኣክል እንተዘይበለ እቲ ውግእ ንሰብኣዊ ፍጥረት ከጽንት እዩ፡ ዓለም ዋንነትና ዘይኮነስ ብተመሳሳሊ ናይ መጻኢ ውለዶ እውን እያ፡ ስለዚህ “ካብ ኑክለሳዊ ሕልምታት ንገላገል፡ ብቕልጡፍ ኣብ ዘይምዝራግሕ ኑክልሳዊ ኣጽዋርን ምውጋድን ዝድርኽ ውሳኔ ክረጋገጽ ዕቱብ ዘተ ዳግማይ ይበገስ፥”

ንዕርቂ ህዝብታት ኣድማዒ መድሓኒ ዝኾነ ዘተ ዳግማይ ብሓባር ንጀምር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መገዲ ንዘተ ወፍሪ ንግበር፡ ሰላም ኵሉ ግዜ ተኻኣሊ እዩ። ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ፡ ድሕሪ ደጊም ሓድሕዳዊ ተጻብኦነት የብቕዕ!

እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Oct 2022, 16:00