ስለ ሰላም ኡክራይናን ኢትዮጵያን ብምዕልቅላቅ ማይ ዝተሃስየ ክፍሊ ኣፍሪቃን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነቲ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ኮሎሰዩም ስላም ዝካየድ መራሕቲ እምነታት መላእ ዓለም ኣብ ዝሳተፍዎ ክሳተፉ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ድሕሪ ጽባሕ ሰሉስ ዕለት 25 ጥቅምቲ ስለ ሰላም ኡክራይናን መላእ ዓለምን ምስ ወከልቲ ኣብያተ ክርስትያንን ማሕበራት ክርስትያንን ወከልቲ እምነታት መላእ ዓለምን ምስቲ ‘ገዓር ሰላም’ ብዝብል መሪሕ ቃል ተጋቢኦም ዝጽልዩ ክሳተፍ እየ። ንኩሉኹም ብመንፈስ ኣብዚ ናብ እግዚአብሔር ነቅርቦ ምህለላ ምሳይ ክትሓብሩ እዕድመኩም። ናይ ሰላም እንኮ ሓይሊ ጸሎት እያ! ንጸሊ! ስለታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ጸሎትና ንቀጽል ኢሎም።
ኣብ ኑቮላ ዝበሃል ማእከል ሮማ ትማል ሰንበት ዝጀመረ ኮንግረስ ‘ገዓር ሰላም’ ብዝብል ተማ ሰሉስ ኣብ ኣደራሽ ትያትን ፍላቭዮ ስለ ሰላም መላእ ዓለም ብምጽላይ ክዛዘም ምዃኑ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። እዚ ንመበል 36 ግዜኡ ብማእከልነት ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ስለ ሰላም ንምዝታይን ንምጽላይን ዝተወደበ ዓለም ሓቆፍ ዘተ ሰላም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓም ኣብ ኣሲዚ ናይ መላእ ዓለም መራሕቲ እምነታት ኣኪቦም ስለሰላም ካብ ዝጸለዩሉ ግዜ ጀሚሩ ዓመት ዓመት ዚካየድ ኮንግረስ እዩ።
ኣብዚ ተበግሶ እዚ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ዓበይቲ እምነታት ዓለምና ከማኡ እውን ዓበይቲ መራሕቲ ፖሎቲካን ዓለምለኸ ማእከላት ባህልታትን ይሳተፉ።
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዜናታት ዓለም ማንም ዘይዛረቦ ሕይወት ኣሽሓት መንእሰያት ዝቀዝፍ ዘሎን ሕድሕዳዊ ኩናት ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ከምዝተሓሳሰቦ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ዕለት 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእከላይ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ ውድብ ወያኔን ናይ ሰላም ዘተ ንምግባር ተጋቢኦም ከምዘለውን ነዚ ደማዊ ውግእ ደው ዘብሉሉን ሰላምን ዕርቅን ዘንግሡሉን ሃዋሁ ክፍጠር ትጽቢት ይግበር።