ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጥሜት ዝውገድ ብዛዕባ ሰባት ብምሕሳብ እዩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዋና ኣመሓዳሪ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩ ዶንግዩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብሓባር እንተ ዘይሰሪሕና እንተ ዘይተጓዓዝናን ቅልውላው ደቂ ሰባት ክንገጥሞ ከም ዘይከኣልን ንኻልኦት ነቶም ስቓዮምን ድሌታቶምን ንዅላትና ዚጸልወናን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ኩናት ብዝተፈላለየ መዳያት ኣብ ዝረኣየሉ ኵነታት ኢና እንነብር ዘሎና፥ እዚ ዝርአ ዘሎ ኩናት እውን እናተበራረየን እናተኾላለፈን ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም እዩ። ዓለም ኣብ ኲናት እያ ዘላ፡ እዚ ድማ ከነስተንትኖ ይግባእ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 16 ጥቅምቲ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ፡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ትካል ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ርክብ ናብቲ ናይቲ ትካል ዋና ኣመሓዳሪ ኵ ዶንግዩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ናብቲ ዓውደ ርክብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ መልእኽቲ ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኻልኦት ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምርኣይ
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ “ንሓደ እኳ ድሕሪት ኣይትሕደግ፡ ዝሓሸ ምህርቲ ዝሓሸ ኣመጋግባ ዝሓሸ ኣካባቢ ከምኡ እውን ንዅሎም ዝሓሸ ህይወትን” ዝብል መርሕ ቃል ብምዝካር፡ “ዋላ ሓደ ሰብ ድሕሪት ከይሓደግ ብሓባር እንተድኣ ዘይሰራሕናን ብሓባር እንተ ዘይተመላለስናን ንፍጥረት ሰብ ዝትንክፍ ዘበለ ጸገማት ኩሉ ክንብድሆ” ከም ዘይከኣል ገሊጾም፡ ንኻልኦት ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገይርና ክንርእዮም ከም ዘድልን መከራኦምን ድሌታቶምን ንዅላትና ዝትንክፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንነባሪ ፍታሕ ዝኣመቱ ውጥናት ምርግጋጽ
እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ፥ “ዝሓሸ ምህርቲ ዝሓሸ ኣመጋግባ ዝሓሸ ከባብን ዝሓሸ ሕይወት” ዝብል ምምሕያሽ ዘድልዮም ኣርባዕተ ነገራት የቕርበልና፥ እዚ እውን ንነባሪ ፍታሕ ዝኣመተ ውጥናት ንኸነረጋገጽ ይዕድም፡ ጥምየትን ሕጸረት መግብን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ንዕለቱ ምላሽ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን . . . ናብ ፍትሓውን ነባርን ፍታሕ ንምብጻሕ ምስ ሕጽረት እዅል ኣመጋግባ ብቐረባ ዝተኣሳሰረ ጸገም ድኽነት ብሓባርን ብዅሉ ጽፍሕታትን ምፍታሕ ህጹጽ ምዃኑ ኣርጊጽና ክንፈልጦ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ፍቕሪ ናይ ኵሉ ዓለም ሓቆፍ ግብረ ምትሕብባር ማእከል ምግባር
ስለዚ ነዚ ሸቶ እዚ ንምጭማት ነፍሲ ወከፍ ውጥናት ንሰባት ፍሉይ መግለጽን ባህልን ወጅህን ዘለዎም ደኣ እምበር ከም ውሁብ ቅጽርታትን ሓበሬታን ወይ ኣሃዛዊ ጭብትታት ገርካ ክረአዩ የብሎምን፡ ነቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ብምስዓብ ምስ ደቅሰብን ኣብ ዓለም ለኻዊ ግብረ ምትሕብባርን ደገፍን ፍቕሪ ሚዛን ምግባርን የድሊ፡ ዕዮታትና ኣብ ክንክን ካልኦትን ፍጥረታትን ብምትኳር ናብቲ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ናብቲ ብናጻ እተወሃበና ክንጥምት ጻውዒት አቕርብ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ፣።
ንሰብኣዊ ሰናይ ረብሓ፥ ሕውነትን ስኒትን ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን
ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ዓለም ሓቆፍ ትካል መግብን ሕርሻን ካልኦት ምእንቲ ድኻታት ምስ ዝዓዩ ውስጠ መንግስታውያን ማሕበራትን ብሓባር ከም እትዓይን ሕውነት ስኒት ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን ብምቕዳም ኣብ ዝግበር ዕዮ ናይ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ተወፋይነት ኣሐድስ፡ ንሎሚ ጥራይ ዘይኮነስ ንዝመጽእ ወለዶታት እውን ግምት ዝህብ ንዓለም ዘርብሕ ኣድማሳዊ ማዕቅን ክህሉ ይግባእ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።