ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስፖርት ቤት ኵሉን ክፉትን ተቐባልን ይዅን!

ስፖርት እምበኣር ከም ሓደ ህይወት ዝህብ ንጥፈት ጌርካ ክውሰድን ክድንፍዕን ይግባእ። ከም ሓቂ ብጽቡቕ እንተተወዲቡ ብስላትን ዕዉታትን ስብእናታት ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ይህልዎ፡ በዚ ከምዚ ድማ ኣገዳሲ መዳይ ቤት ትምህርትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ይኸውን

ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳብ ዕለት 30 መስከረም 2022 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ “ስፖርት ንዅሉ፥ ውሁድ፡ ተበጻሒን ንነፍሲ  ወከፍ ሰብ ዝምጥንን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ተጋባእያን ዕለት 30 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራከቡን ቅዱስነቶም፥ ስፖርተይናታትን ሰብ ሙያን ስልጣንን ጒዳያት ስፖርት፥ ስፖርት ቤት ኵሉ ክፉትን ተቐባልን ንምግባር ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ሓደራ እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዛዕባ ስፖርት ኣብ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዓውደ ጒባኤ ንዝተሳተፉ ስፖርተይናታትን ኣካየድትን ሰበ ስልጣናትን ጒዳያት ስፖርትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ እቲ ዓውደ ጒባኤ ዘነቓቕሖ ክቡር ዕላማ ንኢዶም፥ “ስፖርት ንዅሉን ናይ ኵሉን ዝብል ኣምር ምድንፋዕ፥ ውሁድን ተበጻሕን ከምኡ እውን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምጥንን” ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ “ስፖርት ንዅሉ፥ ውሁድ፡ ተበጻሒን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምጥንን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፍት ምስ ናይ ባህሊ ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትካል ንስፖርት ብምታሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. “ስፖርት ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዓዕላ ዝተበገሰ ምዃኑ ዝዝክር ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. እውን “ናይ ገዛእ ርእስኻ ብሉጽነት ምውፋይ” ብዝብል ኣርእስቲ ምክያዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጽባቄ ሕውነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ፍጻሜ ተጋባእያን ዝፈረምሉ ናይ ውሳኔ ሰነድ ተረኪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቲ ኣብቲ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ “ዕላማታት ንምዕዋት ብሓድነት ‘ከም ጋንታ ክንጻወት (ክንዓዪ)” ሓደራ ቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጒዳይ እዚ ዓቢይ ተገዳስነት ኣለዋ፡ ምኽንያቱ ሰባት ንኽራኸቡን ጽባቔን ሕውነትን ንምቕራጽ ዝዓለም ብምዃኑ። ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ሰበኻታትን ዘለዉ ማእከላት መንእሰያት ኣብ ስፖርት ብምስታፍ ነዚ ቅርጺ ናይ ሕውነት ጽባቔ እያተን ዝምስክራ” ከም ብዘሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዒት ተሳታፍነት

ስፖርት ብፍላይ ናይቶም ኣዚዮም ንኡሳን ናይ ተሳትፎን ምውሳእን ዋንነትን ማሕበራውነትን ስምዒት ከመንጩ እንተኾይኑ ስፖርት ሰብኣውነት ዘማእከለ ክኸውን ግድን እዩ። ስፖርት ሓጐስ ዝህብ ማሕበራዊ ርክብ ዘዕብን ዕርክነት ዝፈጥርን ቅርጺ ዝህብ እውን እዩ”፥

ስፖርት ንሓደ ሕብረተሰብ ምልክት ሓድነት ክኸውን ይክእል፡ ተመክሮ ውህደት ኣብነት ምትእስሳርን መልእኽቲ ስምምዕን ሰላምን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ናይ ስፖርት ዓለም ሓድነትን ምትእስሳርን ዘመሓላልፍ እንተ ኾይኑ ኣብ ሕንጸት ሰላም ዘሰንይ ክኸውን ይኽእል እዩ!

ስፖርተይናታት ከም ኣርኣያ

ስፖርተይናታትን ናይ ስፖርት ዓለም፥ ነቶም ዝተነጸሉ ዝተሓረጒን ብስፖርት ኣቢሎም ካብቲ ዘለውሉ ተገሊልካ ምንባር ከናግፍዎምን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣርኣያ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም፡ “ውልቃውን ማሕበራውን ምብጃውን ክቡራት ዋጋታት ዝምለሰሉ መገዲ ክከውን ይኽእል፥”

ስፖርት እምበኣር ከም ሓደ ህይወት ዝህብ ንጥፈት ጌርካ ክውሰድን ክድንፍዕን ይግባእ። ከም ሓቂ ብጽቡቕ እንተተወዲቡ ብስላትን ዕዉታትን ስብእናታት ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ይህልዎ፡ በዚ ከምዚ ድማ ኣገዳሲ መዳይ ቤት ትምህርትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ይኸውን

ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ኣብ ናይ ስፖርት ዓለም ንንግዲ ንመኽሰብን ምርኢትን ጥራይ “መጋበርያ” ምስ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት ማለት ነቲ ቤት ትምህርትን ማሕበራዊ ጽባቔን ናይ ምዃን ጥዑይ ተራኡ ንሓደጋ እዩ ዝቃላዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኵሉ ክሳተፈሉ ዝኽእል

ስፖርት ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ፡ ተበጻሕነት ስፖርት ከተዓናቕፍ ዝኽእል ኣካላዊ ማህበራዊ ባህላዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማት ክስገሩ ምዕያይ ኣገዳሲ ይኸውን፥

ንዅሉ ሰብ ናይ ስፖርት ዕድል ምሃብ። ብስፖርት ምስልጣን . . . ክብርታት ስፖርት ንምምዕባልን ናብ ጽቡቕ ባህርያት ንምቕያርን

. . . ስፖርት ኵሉ ሰብ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ንኽፈልጥ ዝሕግዝን ከምኡ እውን ተኽእሎታት ኣብ ጽቡቕ መዓላ ንኸንብር ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኪኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና  ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተውህቦታት ምምዕባል

ሰባት ቅኑዕ ስፖርት ኣብ ምርካብ ዝኾነ ኵነትን ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ብድሆታት የጋጥም ብዘይገደስ ክእለቶም ከማዕብሉ ይኽእሉ። ስፖርተይናታት ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ዝኾነ ሰብ ዝያዳ ሰብ ዝበሃል ስለ ዘየለ ኵላትና ድሩትነት ኣሎና፡ ይዅን እምበር ዝከኣለና ንገብር። እዚ ድማ ባህርን ክእለትን ንኸዕምብብ ውልቃዊ ተግሳጽን ስርዓትን ተሓድሶን ይሓትት፡ “ኣብ መሰረተ ሱር ናይዚ ምድላይ እዚ ሃረርታ ናይቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ዝሓልሞ ጽባቐን ምልኣትን ህይወት እዩ ዘሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቤት ኵሉ

ቅዱስነቶም፥ ኵሉ ሰብ “ስፖርቲ ቤት ኵሉ ክኸውን” ክጽዕር ኣተባቢዖም፥ ኣብዚ ተልእኾ እዚ ቀረባኦም ከም ዝኾኑን ቤተ ርስቲያን እውን ኣብዚ ጻዕርታቶም እዚ ከም እትድግፎም ገሊጾም፥

ኣብ ቤት መንፈስ ስድራ ቤት ፈጺሙ ኣይጠፍእን፡ ከመይሲ በዚ መገዲ እዚ ኣብ ስፖርት ዓለም ኣሕዋትን ኣሓትን ፈተውትን ክንረክብ ንኽእል ኢና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Oct 2022, 16:24