ር.ሊ.ጳ. ናብ ባሕረይን ዝገብርዎ ምብጻሕ “ክቡር ስጒምቲ ኣብ መንገዲ ሕውነት” እዩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ባሕሬን ምብጻሕ ንኸካይዱ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለውሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ፥ ብዛዕባ እዚ መበል 39 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንምሕያልን ኣብ ባሕሬን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ እምነት ንምጽናዕ ዝዓለመ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ -ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ንኻልኣይ ግዜ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣቕኒዖም ኣብ ንግስትነት ባሕሬን ዑደት ከካይዱ እዮም። እዚ እውን መበል 39 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣዘካኺሮም፡ ፍራንቸስኮ ናብ ባሕሬን ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ ምዃኖም ይሕብሩ።
ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንቕድሚት ዘሰጒም
እቲ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ዑደት ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን “ምርኻብን ምትብባዕን” ኣብ ዝብሉ ማንታ መርሕ ቃል ዘተኮረ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ቅዱስነቶም ኣብቲ “ባሕሬይን ናይ ዘተ ጒባኤ፥ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ንሰብኣዊ ሓባራዊ ሕይወት” ኣብ እተሰምየ መድረኽ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ኣብዚ መደብ እዚ እውን ኣስታት 200 ዝኾኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ሕውነት ንምድፋዕ ክርከቡ ምዃኖም ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፥
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምሕር ኣል ጣይብ ከቲሞም ወግዓዊ ገይሮም እዚ ታሪኻዊ ርክብ እዚ ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብን ዘተን ድሕረ ባይታ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ “እዚ ናይ ባሕሬን ዑደት ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብ ጐደና ሕውነት ክቡር ስጒምቲ ዝውክል እዩ” ቢሎም፥ “እቲ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኵናት እውን ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ድሕረ ባይታ ከም ዝኸውን ገሊጾም፥ ብናይ ሓባር ድሌት ሰላም ከም ኣሕዋት ብሓባር ምስጓም ዘለዎ ልዕሉ ክብሪ እውን ዘረጋግጽ ምብጻሕ እዩ፥ እዚ ዘካይድዎ ምብጻሕን ኣብ መድረኽ ዘተ ባሕሬይን ንኽሳተፉን ንጉስ ሓመድ ቢን ዒሳ ኣል ከሊፋ ዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ እምነት ንምጽናዕ
ስለዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ኣብ ዝግበር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘተኮረ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ጓሳ መጠን ንካቶሊካውያን ምእመናን ንምብጻሕን ንምርኻብን ኣብ እምነት ንምጽናዕን እውን ብምዃኑ፡ ነቶም ኣብ ባሕሬን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ እምነት ከጽንዑ እዮም።
ካብቶም ኣብ ባህረይን ዝርከቡ 80 ሺሕ ካቶሊካውያን ምእመናን እቶም ሓደ ሺሕ ጥራይ ናይ ባሕሬን ዜግነት ዘለዎም ከም ዝኾኑን መብዛሕቲኦም ድማ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ እዮም። ባሕሬን ካብተን ኣብ ግዛኣት ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ማሕበረ ክርስቲያን ዘልዋ ሃገር እያ። መብዛሕቲኦም ካቶሊካውያን ካብ ህንዲ ፊሊፒንስ ስሪ ላንካ ከምኡ እውን ካብ ቱርኪ ሶሪያ ሊባኖስ ግብጽን ዮርዳኖስን ዝመጹ ወጻእተይና ሰራሕተይናታት ምዃኖም ብሩኒ ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት እዚ፥ ሸውዓተ ህዝባዊ ርክባት፥ ካብዚ እቲ ኣርባዕተ ርክባቶም ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካውያን ምእመናን ዘካይድዎ ኮይኑ፡ ምስ መንእሰያት ካህናትን ገዳማውያንን ከምኡ እውን እዚ ርክብ እዚ ካብ ጎረባብቲ ባሕሬን ምስ ዝመጹ ካቶሊካውያን ዘጠቓልል ምዃኑን፡ “ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካቶሊካውያንን መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብዛ ኣብዚ እዋን እዚ ብግጭትን ዓመጽን እትብከል ዘላ ዓለምና ኣብ መገዲ ሰላም ናይ ስተስፋን ምትብባዕን ቃሎም ይጽበዩ” እንክብሉ ብሩኒ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።