ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዩክረይን ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዩክረይን 

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዩክረይን

ካብ ዩክረይን ዝወጹ ዳሕረዎት ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓይሊ ምክልኻል ሩሱያ ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመታ ቍሸታት ብዘይ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ትሕተ ቅርጺ መሰረተ ልምዓት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ኣብ ዝኹንነሉ ዘሎ እዋን፥ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ጸሎቶም ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብተደጋጋሚ ዝገበርዎ ዘለዉ፥ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ምእንቲ ዩክረይን ጸልዮም፥ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከይቋረጽ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ሓሳባትና ናብ ሰማዕት ዝኾነት ሃገረ ዩክረይን ንገብር” ቢሎም፥ “ኣብ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ነገራት፥ ስቅያት ሞት ጥፍኣትን” ደው ክብል ኵሉ ክጽሊ ሓድራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ገና ዝቕጽል ዘሎ ግጭት

ካብ ዩክረይን ዝወጹ ዳሕረዎት ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓይሊ ምክልኻል ሩሱያ ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመታ ቍሸታት ብዘይ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከም ዝተረፋን ሩሲያ ሚሳይላታ ናብ መሳለጥያታት ጸዓት ዩክረይን ከም ዘወንጨፈትን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣስታት 30 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ መደብራት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዩክረይን ብሓይሊ ምክልኻል ሩሲያ ከም ዝዓነወ መንግስቲ ኪየቭ ክሕብር እንከሎ፥

ሕብረት ኤውሮጳ ንዝፍጸም መጥቓዕቲ ይዅንን

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፥ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክረይን እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነናን ንሕብረት ኤውሮጳ ባይቶ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፥ “ሩሲያ ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ትሕተ ቅርጽታት ዩክረይ ዒላማ ዝገበረ እትፍነዎ መጥቓዕቲ ኣብቲ ድሮ ሕሱም ዝኾነ ኵነት ዝተበገሰ ናይ ሓድሽ ምዕራፍ ውግእ ብጋሴ ምልክት እዩ። ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ኣህጉራዊ ስርዓተ ሕጊ ንጹር እዮ። ስለዚህ ገበናት ውግእ እዩ” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ክረምቲ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣገልግሎት ቀረብ ማይን ኤሌትሪክን መውዓይን ክቋረጽ ዝዓለመ መጥቓዕቲ እዩ” እንክብላ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ይሕብራ።

ጸብጻብ ናጻ ናይ ዝኾነ ድርገት

ዛዕባ ይክረይን ዝከታተል ናጻ መርመሪ  ድርገት ናይ መጀመርታ ግዜ ጸብጻብ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣቕሪቡ፥ “ኣብታ ሃገር ገበናት ውግእ ይፍጸምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ተፈጽሚሙ እዩ ናብ ዝብል ድማድመ ዘብጽሕ ከም ዝመስል እውን ይንገር።

እዚ ግህሰት ኣብ ልዕሊ በርገሳዊ ህዝቢ ዩክረይን ዘስዕቦ ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢይ ስለ ዝኾነ ዘይከሓድ ተሓታትነት ዘመላኽት እውን ኮይኑ፥ ንበርገሳዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋን ሞትን ማህሰይትን ከብጽሕ ዝኽል ኵነት እናሰፍሔ ይኸይድ ምህላዉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፥ ብወገን ሩስያ  ቅትለትን ዘይሕጋዊ ምእሳርን ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ጒዳያት ህዝብን ዓመጽን ጾታዊ ዓመጽን ይፍጸም ምህላዉ ከም ዝገለጸን ኣተሓሒዙ እውን ኣገዳስነት ፍትሕን ተሓታትነትን ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Oct 2022, 15:41