ድለ

2022.10.24 Seminaristi e Sacerdoti che studiano a Roma 2022.10.24 Seminaristi e Sacerdoti che studiano a Roma 

ካህናት ንሥልጣን ሃነፍነፍ ካብ ምባል ኣብ መንጎ ሕዝቦም ኮይኖም የገልግሉ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ከተማ ሮማ ምስ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረቡሉ መንነት ካህን ዝገልጹ ጠባያት ካብ ሕያውነት ጀሚርካ መንፈስ ጸሎት ብምልባስ ብትሕትና ኣብ መንጎ መጓሰ ኰንካ ምግልጋል እምበር መንፈስ ዘዳኽሙ ናብ ሓጢኣት ዝመርሑ ናይ ዘመንና ዘይእርኑብ ነገራት ምዕዛብ ወጊድ ክብልዎ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2022 ዓም ምጅማር ዓመት ትምህርቲ ምኽንያት ብምግባር ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ንዝመሃሩ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ካህናትን ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ምስ ገልጹ ካብ ሕቶ ተመሃሮ ንምንቃል ሕቶ እንተለዎም መድረኽ ንተመሃሮ ሃቡ፤ ቀዳመይቲ ሕቶ ብዛዕባ ምሕረት ትምልከት ኰይና ብጭቡጥ መንገዲ ካህናት ብከመይ ክነብርዋን ክምስክርዋን ይኽ እሉ እትብል ነበረት፤ ቅዱስነቶም ከኣ ሕጽር ብዝበለ ሕያዋይ ካህን እንትርፎ ኣገባብ እግዚኣብሔር ካልእ ዝኽተሎ ኣገባብ የብሉን እንክብሉ መለሱ።

ሕያዋይ ካህንን ኣገባብ እግዚኣብሔርን!

ቋንቋ ኣደ ወይ ኣቦ ክንብል እንከሎና መዋስእን መረዳድእን ኰይኑ ብቀዳምነት ምስ ኣደ ወይ ምስ ኣቦ ኢኻ ትወሃሃደሉ፤ ቅዱስነቶም ንካህናት ቋንቋ እግዚኣብሔር ክመሃሩ ሓደራ ምስ በሉ፤ ቋንቋ እግዚኣብሔር ከኣ ቅርበትን ሕያውነትን ምዃነን ካህናት ነዚ ቁንቋ እዚ ምስ ዘጽንዑ ካብ ስብከቶም ጀሚርካ ኣብ ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ነፍሳት ኩሉ ብጸጋ ይሽለሙ ኢሎም። ቅስዱነቶም ኣብ ደረጃታትን ዓይነታትን ቋንቋ ምልስ ብምባል ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“‘ብስለት ሓደ ሰብ ዝግለጸሉ ሠለስተ ደረጃ ቋንቋ ኣሎ፤ ቋንቋ ርእሲ ወይውን ኣእምሮ ቋንቋ ልቢ ከማኡ እውን ቋንቋ ኣእዳው’ ቢሎም ምስ ዘርዘሩ ካህናት ነዘን ቋንቋታት እዚኤ ብዝግባእ ከጽንዕወን ምስ ኣዘኻኸሩ ናብ ትንተና ሰጊሮም። ብቋንቋ ኣእምሮ ሓደ ሰብ ዚሓስቦ ነቲ ዝስምዖን ዝገብሮን እንክኸውን ብቋንቋ ልቢ ከኣ ነቲ ዚሓስቦን ዝገብሮን ይስምዖ፤ ኣብ መወዳእታ ብቋንቋ ኣእዳው ነቲ ዚስም ዖን ዝሓስቦን ይገብር ኢሎም።”

ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ነታ ንሶም ደጋጊሞም ዝብልዋ ሓረግ ማለት ‘ካህን ከም ጓሳ ኣባግዕ መጠን በጊዕ በጊዕ ክሽትት ኣለዎ’ ኣብ ትብል ኮይና ነዚ ብተግባር ከመይ ቢልካ ይትርጐም ትብል ነበረት፤ ነዚኣውን ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ኣብ መንጎ መጓሰኻ ብምዃን ምስ መጓሰኻ ብምውሳእን ዝኾንዎ እናኮንካ ምሳኦም ብምንባር ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጥቡቅ ርክብ ምግባር እንክብሉ መለሹ።

ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ርክብ ይሃሉ!

ካህናት ኣብ ብዙሕ ኣገልግሎታት ቤተክርስትያን ብምውፋር እኳ ገሊኦም ኣብ መጽናዕቲ ገሊኦም ኣብ ቤትጽሕፈታት ኩርያ ዝርከቡ እንተኾኑ ኣገልግሎት ክህነት ምስቶም ኣባግዕ መጓሰ ዝበልናዮም ሕዝቢ ማለት ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ግድን ርክብ ክህልዎም ኣለዎም፤ እንተዘየሎ ካብ ኣባግዕ መጓሰኻ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክትርሕቅ እንከሎኻ ኣብ ህውተታ ሓሳባት ጥራይ ትነብር፤ ዝበለጽካ ሊቅ ንባበ መለኮት ፍላስፋ ወይውን ንፉዕ ናይ ቤትጽሕፈት ኣገልጋሊ ክትከውን ይከኣል ክትከውን ይከኣል ቅርበት ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር እንተዘይብልካ ግን በጊዕ በጊዕ ምጭናው ካባኻ ይጠፍእ፤ ምስ በሉ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ቅርበት ዝበልወን ኣርባዕተ ነጥብታት ብምድጋም፤

“ሓደ ካህን ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ብምዃን ብጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ጥቡቅ ርክብ ክህልዎ ቀጺሉ ምስ ኣቡኑ ካባኡ ምስ ኣሕዋቱ ካህናት ብራብ ዓይ ደረጃ ከኣ ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ጥቡቅ ርክብ ክህልዎ የድሊ እዚ ቅርበታት እዚ እንተዘየሎ ጥዑይ ካህን ኣይኮንካን ኢሎም።”

ክህነት ኣገልግሎት እምበር ናብራ ምቾት ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ገሊኦም ካህናት ከም ዕሱባት ሰዓታት ሰሪዖም ከም ማንም ሠራሕተኛ ቤትጽሕፈት ክኾኑ እሞ ቅሱን ናብራ ክነብሩ ሃሰስ ዝብሉ ከምዘለው ብምዝኽኻር ብዓንዲ ርእሱ ትርጉም እንታይ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“መዓርገ ክህነት ቅዱስ ኣገልግሎት እግዚኣብርሔ ኮይኑ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘ ኣገልግትሎ ማሕበረ ክርስትያን እዩ፤ እንተ ካብዚ ሓሊፎም ንሥልጣን ሃነፍነፍ ዝብሉ ግን ካብዛ ሰዓት እዚኣ ጀሚሮም ደው ክብሉ እምሕጸኖም፤ ሥልጣን ሃነፍነፍ ዝብል ካህን ው ዒሉ ሓደሩ ከዳዕ እዩ ዝኸውን፤ ኣገልጋሊ ኣይኮነን፤ ጥቅሚ ገዛእ ር እሱ ጥራይ ይደሊ፤ ንካል ኦት ምንም ኣይገብርን ኢሎም።”

መንፈሳዊ ምስናይ!

ቅዱስነቶም ኣጥቢቆም ሓደራ ዝበልዎ ካልእ ነጥቢ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወት ካህናት ኮይኑ ንካል ኦት ብመንፈሳውነት ንክተሰንን ንክትመርሕን ብቀዳምነት ከም ካህን መጠን ብመንፈሳውነት ዘሰንየካ ዝመኽረካ ኣብ ልማድ ኣበነፍስ እንብሎ ቅዱስነቶም ግን መንፈሳዊ ምስናይ ክብሉ ዝሰመይዎ ብግዲ ክትገብሮ ዘሎካ ጉዳይ እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ጒ ዕዞ ሕይወት ክህነት ብጣዕሚ ኣድላዪ ምዃኑ እዚ ግን ካብ ዘናዝዝ ካህን ዝተፈልየ ኮይኑ ብተኣማንነት እትቀርቦ ክኸውን እንከሎ እዩ ኢሎም፤ ፍልልይ መናዘዚ ካህንን ዘሰኒ ካህንን ኣንጺሮም መታን ክርድ እዎ ከኣ፤

“‘ናብ ዘናዝዝ ካህን ሓጢኣትካ ንክትመሓር ትኸይድ፤ ናብ ኣበነፍስ ግን ኣብ ልብኻ እንታይ እንታይ ይኸውን ኣሎ መንፈሳዊ ስምዒታትካ ሓጐስካ ሓዘንካ ቊጥዓኻ ኮታስ ኣብ ውሽጥኻ ኰይኑ ንዝገላበጥ ነገራት ክትነግር ምኽሪ ክትሓትትን ትኸይድ፤ መንፈሳዊ ምስናይ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ እዚ ከኣ ነገራት ከምዝንጽሩ ይገብር ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናብ ሕቶታት ተመሃሮ ምልስ ብምባል ሳይንስን እምነትን ከመይ ገቢርካ ክነጣምሮ ንኽ እል ን እትብል ሕቶ ከም ዋዛ ዝኾነ ሕቶ መልሲ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ምስ በሉ ክፉት ኣዎንታዊ ኣእምሮን ትሕትናን ከምዘድሊ ገሊጾም።

ኩሉ ሕቶ መልሲ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝኣገረ ካህናት ሊቃውንቲ ንዘቅርብዎም ሕቶታስ ይኹን ሻቅሎትን ጭንቀትን ምእመናንን ንምስማዕ ክፉት ኣእምሮ ንክህልዎም ተመሃሮ መካነ ጥበባት ከኣ ንክሰም ዖኡ ስንድዋት ኮይኖም ኣዎንታውን ትሕትና ዝለበሰን ኣመለኻኽታ ንክህልዎም ኣዘኻኸሩ፤ ትሑት ምዃንን እምነት ኣሎኒ ክትብልን እንከሎኻ ንኩሉ ሕቶ ዝኸውን መልሲ ኣሎካ ማለት ኣይኮነን፤ እምነትና ክንከላኸል ንገብሮ ዝነበርና ኣገባብ ሎሚ ኣይሰርሕን እዩ፤ እምነት ንክህልወካ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንገድኻ ከምዘሎ ንክት ኣምን ጸጋ የድሊ። ሽሕ’ኳ ንኩሉ ዝኸውን መልሲ እንተዘይብልና ምስ ሳይንስ ብኽፉት ኣእምሮ ክዋስኡ ከምዘለዎም እንተሓሰመ ከኣ ኣነ መልሲ የብለይን ግን ምስ ሊቃውንቲ ሳይንስ ክትዋሳእ ትኽእል ምናልባት እዚ ክሕግዘካ ይኽእል ምባል ዘጸግም ኣይኮነን እንክብሉ መሊሶም።

ብዛዕባ ውድቀት ንዝቀረበቶም ሕቶ ከኣ ሕይወትና ሽሕ’ኳ ኣብ ቀጻሊ ሰንከልከል ዝርከብ እንተኾነ ብቅልጡፍ ካብ ውድቀትካ ምትንሣእ የድሊ ኢሎም።

ምውዳቅን ምትንሳእን!

ቅዱስነቶም ኣብ ኩነታት መነባብሮ ደቂሰባትን ሕይወት ውሉደ ክህነትን ምልስ ቢሎም ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ብዙሕ ጸገማት እናሰገርካ እናወደቅካን እናተንሣእካን እትጐዓዞ ምዃኑ ገሊጾም፤ እንተኾነ እዚ ሰንከልከል ምባል ከሰክፎም ከምዘይብሉ ከመይ ኣብዚ ውድቀትን ትንሣኤን እዚ ጐይታ ንገለ ጉዳይ ይጽውዓካ ከምዘሎ ሠናይ ነገር ንክትደሊ ዘዘኻኽር ምንቅስቃስ ጐይታ እውን ስለዝሎ ጽጹይ መመያ ብምክያድ ኣብዚ ሰንከልከል ዝብል ናብራ ብ እግዚኣብሔር ዝምራሕ ጽኑዕ መነባብሮ ክትሃንጽ ከምዚከኣል ገሊጾም።

ሓደጋ ኢንተርነት!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም ንናይ ዘመንና ምዕባሌ ተክኖሎጂ ምናዳ ኸኣ ዲጂታል ተክኖሎጂ ዝብልዎ ብዙሕ ከምዘይምእምኦም እንተንሶም ግን ዓለሞም ስለዝኾነ ብጥንቃቄ ክጥቀመሉ ሓደራ ኢሎም፤ ነዙይ ዘበሎም ከኣ ግሉጽ ሓደጋታቱ ምናዳ ጽዩፍ ምስልታት ኣብ ምዝርጋሕን ኣብ ፈተና ብምውዳቅን ንብዙሓት ስለዝጐድእ እዚ ከኣ ንውሉደ ክህነት እውን ከይተረፈ ስለዘጠቃልል ወጊድ ንበሎ፤ ፈተና እዩ፤ ልቢ ዘድክም ንነፍሲ ዘድክም ፈተና፤ ሠይጣን ብ ኣኡ ኣቢሉ እዩ ዚኣቱ ንክህነታዊ ልቢ ስለዝጐድ እ ኣብ ፈተና ዘይም እታው ይሓይሽ እንክብሉ ምዒዶም።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብታ ብውግ እ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ዝኾነ መን እሰይ ካህን ምኽሪ ምስ ሓተቶም ቤተክርስትያን እውን ምስ ም እመናና ትሳቀ ትበኪ ትጽሊ፤ ግዳይ ውግ እ ንዝኾኑ ከኣ ክትሕግዝ ኣለዋቢቤተክርስትያን ኣደ እያ፤ ቀዳማይ ተግባር ኣደ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ዝሳቀ ደው ምባል እዩ፤ ንስኻ ብዙሕ ከም እትሳቀ ሕዝብኻ እውን ብዙሕ ከምዝሳቅ እፈልጥ እዩ፤ ብመንፈስ ምሳኹም ኣሎኹ፤ ስለእቶም ዓመጽቲ እውን ጸሊ፤ ንሶም እውን ግዳይ እዮም፤ ኣብ ነፍሳቶም ዘሎ ኣቊሳል ክትር እዮ ኣይትኽ እልን ትኸውን ግንጉጐይታ ልቦም ንክልውጥ በዚ ከኣ ሰላም ክመጽእ ስለኦም ጸሊ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 Oct 2022, 13:49