ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ነታ እትሳቐይ ዘላ ኡክረይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ነታ እትሳቐይ ዘላ ኡክረይን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ነታ እትሳቐይ ዘላ ኡክረይን

ዕለት 4 ጥቅምቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከም ዘብዓለት ዘኪሮም፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ፥ ንኣምላኽ ብምውፋዩ ንሰባት ብምግልጋል ምስ ፍጡራት ብምሕባር” ዝነበሮ ኣብነት፥ “ንመገድታትኵም ይምራሕ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 5 ጥቅምቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዉ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክትስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዕለት 4 ጥቅምቲ ቤተ ክርስቲያን ዘብዓለቶ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስክ ዘኣሲዚ ዘኪሮም፥ “ኣብ ፍቕርን ምስትንታን መስቀልን ንፍራንቸስኮ ንምሰሎ” እንክብሉ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብቲ ጒባኤ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነታ እትሳቐይ ዘላ ዩክረይን ከምኡ እውን ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝተብዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስክ ዘኣሲዚ ዘኪሮም፥

ወትሩ ንጐይታ ህያብ ሰላሙ እናለመንና ስለታ እትሳቐይ ዘላ ዩክረይን ምጽላይ ሓደራ ኣይንረስዕ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን

ዕለት 5 ጥቅምቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ከም ዘብዓለትን ኣምላኽ ብምሕረቱ ንዓለም ከድሕን  ከም ዝደሊ ገለጸላ፥ ብፍላይ ነቲ ኣብ ዩክረይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሓሰብና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 2 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝበልክዎ፥ ኣብ “ምሕረት ኣምላኽ ንወከል፡ ንሱ ኸኣ ልቢ ክቕይር ዝክእል እዩ፥ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰላሙ ይጸግወና“ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ፍቕሪ ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ንምሰል

ዕለት 4 ጥቅምቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከም ዘብዓለት ዘኪሮም፥

ቅዱስ ፍራንቸስኮ፥ ንኣምላኽ ብምውፋዩ ንሰባት ብምግልጋል ምስ ፍጡራት ብምሕባር” ዝነበሮ ኣብነት፥ “ንመገድታትኵም ይምራሕ” ቢሎም ንመንእሰያትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ሓደስቲ መራዑትን ድማ ኣብ ፍቕርን ምስትንታን መስቀልን” ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ንኽመስሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሓደራ ተረኸቡ እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ኣፍሊጡ።

05 Oct 2022, 15:50