ድለ

ኣብ ታይላንድ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘሕደረሎም ቃንዛን መሪር ሓዘንን ኣብ ታይላንድ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘሕደረሎም ቃንዛን መሪር ሓዘንን 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘሕደረሎም ቃንዛን መሪር ሓዘንን

ምእንቲ ግዳያትን ንዅሎም በዚ ሓዘን እዚ ዝተጐድኡን ዝተተንከፉን ልዕሉ ፈጣሪ ጽንዓቱ ይሃብኩም” ቢሎም ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ

ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ታይላንድ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ኡታይ ሳዋን ሓደ ወዲ 34 ዓመት ነበር ኣባል ሓይል ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተኣፋፍያን ዕሸላት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ሕጻናት ብዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ትርጒም ኣልቦ መጥቓዕቲ 22 ሕጻናትን ክልተ መምህራንን ከም እተቐትሉ ዝተሓበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም “ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ህጻናት ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ዓመጽ” ክትነግሮን ክትገልጾን ዘይከኣል ትርኢት እንክብሉ ገሊጾም “ኣብዚ መሪር ናይ ሓዘን ህሞት እዚ ኣባይቲ ስድራ ምዉታት “ካብ ጎረባብቶምን ብጾቶምን ምትሕብባርን ቅርበትን ክረኽቡ” ተላብዮምን እዚ ከም ዝኽውን እውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ምእንቲ ግዳያትን ንዅሎም በዚ ሓዘን እዚ ዝተጐድኡን ዝተተንከፉን ልዕሉ ፈጣሪ ጽንዓቱ ይሃብኩም” ቢሎም ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እቲ ወዲ 34 ዓመት ነበር ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ፓንያ ካምራብ ቅድሚ ናብቲ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ሕጻናት  22 ንጹሓን ሕጻናትን ክልተ መምሃራንን ምቕታሎም ናይታ ገጠራዊት ከተማ ኣባላት ማእከል ምሕደራ ዝኾኑ ክልተ ሰባት ቀቲሉን ናብ ቤቱ እናተመልሰ እንከሎ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ኣብ ቤቱ ምስ በጽሔ በዓልቲ ቤቱን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን ወዱን ድሕሪ ምቕታል ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘደንዝ ንጥረ ነገራት ምዝውዋር ብዝብል ገበን ተኸሲሱን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ካብ ሓይል ጸጥታ ስርሑ ከም እተሰጐን ነዚ ጒዳይ እዚ ዘጻርይ ቤት ፍርዲ ኪህሎት ዘበገሰሉ እዋን ቀረባ ምንባሩን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እውን ናይ መጸዋዕታ ወረቐት በጺሕዎ ከም ዝነበር ካብ ታይላንድ ዝወጸ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

08 Oct 2022, 16:15