ድለ

2022.10.13 Membri del pontificio Istituto Missioni Estere ( P.I.M.E. ) in occasione dei 150 anni della Rivista "Mondo e Missione" 2022.10.13 Membri del pontificio Istituto Missioni Estere ( P.I.M.E. ) in occasione dei 150 anni della Rivista "Mondo e Missione" 

ናይቶም ድምጺ ኣልባ ድምጺ ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንልኡካን ጳጳሳዊ ተቅዋም ተልእኮ ስብከተወንጌል

ነቲ ጐይታ ሑሩ ወመሓሩ ክብል ዚኣዘዞ ትእዛዝ ንምፍጻም ቅድሚ 150 ዓመት ብጳጳሳዊ ተቅዋም ስብከተወንጌል ንወጻኢ ብዝብል ስም ዝቆመ ማሕበር ኣብ ርእሲ እቲ ዘወፍዮ ተልእኮ ስብከተ ወኒገል ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ዓለምን ተልእኮ ስብከተወንጌልን ዝብል ህቡብ ወርሓዊ መጽሔት ብምስንዳእ እውን ፍሉጥ እዩ። ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምሥረታኦም ንምዝካር ጒጅለ ሓለፍቲ ሕትመት ናይቲ መጽሔት ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም። ቅዱስነቶም ከኣ ንድምጺ ኣልባ ድምጺ ክኾኑ ምናዳ እቲ ማንም ዘይዛረቡሉ ውግኣት ዓለምና ክዛረቡ ሓደራ ከምዝበልዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ዓለምን ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ዝብል ዝሓለፈ ግንቦት 4 2022 መበል 150 ዓመት ምሥረታኡ ብዝተፈላለየ ምርኢታት ዘብዓለ ናቱ ሓለፍትን ደረስትን ዝኾነ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝተጋብኡ ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ንኩሎም ሰላምታን ምስጋናን ምስ ኣቅረቡ ናብ ታሪኹ ምልስ ቢሎም ምስቲ ንስብከተወንጌል ኣሕዛብ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ብምልፋን ለ ሚስዮን ካቶሊክ ዝብል ብቋንቋ ፈረሳ ዝተወረቀ ማሕበር ቅድሚ 4 ዓመት ንሶም ነዚ ኣገልግሎት ማሕተም ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ዓለምን ተልእኮ ስብከተወንጌልን ምጅማሮም ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ካቶሊክ ብዝብል ኣብ ከተማ ልዮን ሃገረ ፈረንሳ ይሕተም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።  ቅዱስነቶም ነዚ ንሚእትን ሓሙሳን ዓመት ምስ መመላእታኡ ብዘይምቚራጽ እናዓብየን እናተምሓየሸን ነንግዜኡ ዝኸውን ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ብምሃቡ ብሓቂ ከምዝተደነቁ ምናዳ ኸኣ ነታ ኣብ ሻውላት ዓለምና እትርከብ ቤተክርስትያንን ኣገልግሎታን ንምድንፋዕን ንምድጋፍን ዝወሰድዎ ተበግሶ ብሓቂ ዘደንቅ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብዚ ንበዓል ዝኽሪ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ተጋቢኦም ዘለዎ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ደረስትን ኣሰናዳእቲ ርእሰ ዓንቀጻትን ሓላፍትን ቀንዲ ካብ ክገብርዎ ዘለዎ ጉዳይ ተመኲሮ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክለዋወጡን ነንሕድሕዶም ከመሃሃሩን ከምዘድሊ እውን ኣዘኻኺሮም።

ተመክሮ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ምልውዋጥ!

ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ ኣድላይነት ናይቲ መጽሔት ዘበገሰ ጉዳይ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ መጽሔት እዚ ብሓቂ ነቲ ብዛዕባ ኩነታት ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ኣብ ወጻኢ ንክፈልጡ ሃረር ዝብል ዝነበረ ሕዝበ እግዚአብሔር ናይ ሓበሬታ ጽምኡ ንምርዋይስ ይኹን ብኣኡ ኣቢሎም ንኣኣቶም እውን ቃል ኣምላኽ ንምስባኽ ዝነቀለ ነበረ። እቶም ኣብ መላእ ዓለም ኮይኖም ነዚ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሕዝበ እግዚአብሔር ከኣ ብገንዘብስ ይኹን ብጸሎት ነዚ ዓቢ ሥራሕ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል የሰንይዎ ነበሩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ካባኣቶም እውን ብዛዕባ እቶም ብእምነት ኣሕዋቶም ዝኾነ ኣብ ርሑቅ ሃገራት ዝርከቡ ብተልእኮ ስብከተ ወንጌል ልኡካን ዝግልገሉ ኩነታት ባህሊ ቋንቋ ናብራ ንምፍላጥ ዝነበሮም ካብቲ ናይ ኮሎንያዊ መግዛእቲ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ፍልይ ብዝበለ ብወንጌል ዝተዓለሰ ምዕባሌን ባህልን በቲ ድሒሩ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኢንካልቹረሽን ብዝብል ስም ዘጠመቆ ዝተሃንጸ ውሁድ ባህልታትን ምዕባሌታትን ክርስትና የጋውሕ ነበረ።

ቅዱስነቶም ናብ ዝኽሪ ናይዚ ህቡብ መጽሔት እዚ ቀዳማይ ኣሰናዳኢ ዝነበሩ ኣባ ጃኮሞ እስኩራቲን ተሓባበርቶምን ምልስ ይብሉ እሞ እዞም ካህን እዚኦም ምስ ተሓባበርቶም ኣበርኽቶ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ብኡ ንብኡ ቆብ ኣቢሎም ዝተረድኡ ነዚ ከኣ መጀመርያ ንኣገልግሎት ቤተክርስትያን ርክብ ቀንዲ ምዃኑ ብድሕሪኡ ናብ ካልኦት ንክትሰፍሕን ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከተወንጌልን ብምውፋን ኩሉ ብሥራት ወንጌል ክኸውን ዝተረድኡ ሰብ ዓቢ ራእይ ከዝምነበሩ ገሊጾም። ስለዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ከማኣቶም ዚኣመሰሉ ሰብ ሰፊሕ ራእይን ተበግሶን የድልዩና ኢሎም።

ሰብ ሰፊሕ ራእይን ተበግሶን ንኹን!

ቅዱስነቶም ነዞም ቅድሚ 150 ዓመት ዝነበሩ ኣርካናት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኮይኖም ዝፈለሙ ነተን ብተልእኮ ዝኸድወን ኣብ ምጥፋእ ሃገር ዝርከባ ዝነበራ ዘይፍለጣ ሃገራት ከምዝፍለጣ ምግባር ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑን ኣብዚ ርሑቅ ሃገራት ዝግበር ዝነበረ ርክብ ወንጌልን ናይቲ ክልል ኣብያተክርስትያንን ገሊጾም።

“ኣብ ፈለማ ጀሚሩኸስ እዚ መጽሔት እዚ ሰፊሕ ራእይ ዝነበሮን ንሃብቲ ናይቲ ዝበጽሖ ሕዝብን ነፍስወከፍ ናይ ክልል ቤተክርስትያንን ክፉት ተበግሶ ዝፈጸመ መጽሔት እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ሎሚ እውን እንተኾነ ግደ ናይዚ መጽሔት ዓቢ ምዃኑ ብምዝካር እቲ ብ1966 ዓም ስሙ ናብ ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ዓለምን ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ናብ ዝብል ካብ ዝልውጥ ኣትሒዙ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲክን ኣድ ጀንተስ ናብ ኣሕዝብ ዝብል ሰፊሕ ሰነዱ ሓደራ ንዝበሎ ለበዋታት ኣብ ግብሪ ኣርእዩን የርኢ ኣሎን ኢሎም። ነዚ ከኣ ኣብ ሻውላት ዓለምናን ቤተክርስትያንን ንዝፍጸም ታሪኻት ብሰሓብን መሃርን መልክዕ ብምቅራብ ከምዝገብሮ እውን ገሊጾም።

ኣብ ሻውላት ዓለምናን ቤተክርስትያናን ንዝፍጸም ታሪኻት ምትሕልላፍ!

ካብቲ ቅዱሰንቶም ኣብቲ መጽሔት ዘተኰሩሉ ዓምድታት ሓደ እቶም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ተዋፊሮም ዝነበሩ ልኡካን ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ መልእኽታትን መልስታትን ዝእንገደሉ ክፍሊ ሕዝበ እግዚአብሔርን ልኡካነ ስብከተወንጌልን ዝራኸቡሉን እሂን ምሂን ዝበሃሃሉሉን ዝመሳገኑሉን ንዋታውን መንፈሳውን ሓገዛት ዝለዋወጡሉን ከምዝኾነ እውን ገሊጾም። እዚ ጸብጻባትን መልእኽታትን እዚ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ምስክርነት ስብከተ ወንጌል ኮይኑ እቲ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ኩነታትን ዝጸሓፍ መልእኽታት ነቲ ኣብ ሻውላት ዓለምናን ቤተክርስትያናን ዝፍጸም ታሪኻት የተኣሳስር ኢሎም።

እንተኾነ ናይ ትማሊ ጒዕዞስ ይኹን ናይ ሎሚ ጒዕዞ ብዙሕ ግድላት ዘለዎ ንወንጌል ክሳብ ኣጽናፈ ምድር ንምብጻሕ ከኣ እቲ ግድላት ዕጽፍን ድርብን ከምዝኸውን ኣብ ርእሲኡ እውን ዘይማዕርነትስ ይኹን ፍትርሒ ምጒዳል ዝድህኾ ብዙሕ ስለዘሎ ቀዳማይ እጃም ሥራሕ መጽሔት ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ድምጺ ክኸውን ካብ ጥንቲ ዘለዎ ተልእኮ እኳ እንተኾነ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለምና ማን ዘይዛረበሎ ውግኣትን ስደትን መከራን ምናዳ ኣብ በዓል የመን ሶርያ ምያንማርን ብዙሕ ክፍልታት ኣፍሪቃን ክርሳዕ ዘይብሉ እዩ። 

“ነዚ ምርሳዕ ወይውን ዘንጊዕካ ሸለል ብምባል ከምዘየሎ ኣጽቂጥካ ምሕላፍ ሓጢኣት እዩ ኢሎም።”

ዝተረሰዔ ውግኣት!

ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ምናዳ ከኣ ሃምን ቀልብን መላእ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ውግእ ኡክራይና ምልስ ብምባል ሳዕቤን ውግእ ድሕሪ ተንቲኖም ካልኦት ዝተረስዑ ውግኣት ከምዘለው ነዚኦም ምርሳዕ ከኣ ሓጢኣት ምዃኑ ዳግም ኣስሚሮምሉ። ሕመረት ተልእኮኦም ከለልዩን ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ኣተኲሮም ከይተርፉ እዚ መጽሔት እዚ ከምዝሕግስ ኣዘኻኺሮም። መጽሔት ሞንዶ ኤ ሚስዮነ ወንጌል ከመይ ገቢሩ ምስ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን ባህልታትን ከምዝራኸብ መንገዲ ብምኽፋት ወትሩ ሓዲስ ሕይወት ብምዝራእ ናብ ዘተን ዕርክነትን እንኮላይ ምስቶም ፍሉይ እምነት ዘለዎም ሰባት ከም ደቂ ሓደ እግዚአብሔር ኣቦ ኮይኖም ከምዝፋለጡ ይገብር ብማለት ጳጳሳዊ ተቊዋም ስብከተ ወንጌል ንካልኦት ድምጹ ከስምዕ ነተን ድምጺ ኣልባ ዝኾና ናኣሽቱን ኣብ ዕብየት ዝርከባን ኣብያተ ክርስትያንን ማሕበረክርስትያንን ዓቢ ኣገልግሎት ምሃቡ ክቅጽሎ ምናዳ ኸኣ ኣብ ሻውላት ዓለምናን ቤተክርትያንን ንዝርከቡ ወንጌል ንምብሳር ክንዮ ብዙሕ ቊስልታትን ዘፍርህ ኩነታትን እቲ መጽሔት ገና ድሕሪ 150 ዓመት እውን ዓቢ እጃም ከበርክት ትጽቢት ከምዘሎ ብምዝካር ንኢየሱስ ብምስዓብ ዝበለጸ ዓለም ክንሃንጽ ከም እንኽእል ከበስሩ ሓደራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
15 Oct 2022, 19:16