ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈደራላዊ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ

ኣገዳስነት ዓለማውያን ምእመናን ከይሰሓት፡ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ዝተቐበልዎ ጸጋ ጥምቀት ሓላፍነት ክስምዖን ከም ዓለማውያን ምእመናን ሓላፍነት ዕዮታትም ክለብሱ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓይነት ልብሲ ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኵላውነት ኣብ ብዙሕነት እዩ፡ ንዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ታይላንድ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሃገራት እስያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ጳጳሳት እስያ መንፈስ ቅዱስ ኣንታይ ይብሎም ከም ዘሎ ከስተውዕሉ፡ ኣብ መንጐኦም እውን ሕውነት ክዕቅቡን ድኻታትን መንእሰያትን ክሓቕፉን ዘተ ከተባብዑን ክነብሩን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እስያ “ከም ቤተ ክርስትያን” ወትሩ ኣብ ዘተ ብዝጸንዕ ተልእኾኦም ኣቢሎም ብሓቂ ድኻታትን መንእሰያትን ክሓቕፉ ናብቲ ካብ ዕለት 12 – 30 ጥቅምቲ ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ዝተኣከቡ ኣባላት ፈደረሽን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እስያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕጂ “ሓቀይና ሕብረተሰብ”

ቅዱስነቶም ነቲ  ናይ ሃገራት እስያ ፈደራላዊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ኣኼባ መኽፈቲ ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣመጻጽኣ ታሪኽ ቤተ ክርትያን ኣብ እስያ ከምኡ እውን ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1970 ዓ.ም. ኣብ እስያ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደትን ዘኪሮም፥ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ስድራ ቤታዊት መንእሰያት ቤት ህብረ ሃይምኖትን ህብረ ባህልን ክፍለ ዓለም ከም እተራኸቡ እውን ገሊጾም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ጳጳሳት እስያ፥ ህዝቢ “ካብ ጽሕፍቶ እዩ ዝብል ኵለ መዳያዊ ኣመለኻኽታ ናብ ንሰብ ዝበቅዕ ሕይወት ናብ ዝብል ዓይነት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ይሰጋገር ምንባሩ ከም ዘስተውዓሉን መንእሰያት ከይተረፉ ርእየት ዘለዎም ስክፍታን ሻቕሎትን ዓቕሊ ጽበትን ዝነበሮም ርግኣት ዘይብሎም ዝነበሩ እውን ነቒሖምን፥ ናብ ህብረ ባህላዊ ሕብረተሰብን ሓቀይና ማሕበረሰብ ህዝብታትን ናብ ዝብል ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ተነቓቒሖም እዮም፥

እዚ ማለት ኣብ እስያ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ድኻታትን ቤተ ክርስቲያን መንእሰያትን ምስ እስያውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ቤተ ሃይማኖታትን እትዝትይ ቤተ ክርስቲያን ንኽትከውም ትጽዋዕ ማለት እዩ!

ሕውነትን ሓሳብ ምልውዋጥን

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅዱስነቶም ናብ መጻኢ እናማዕደዉ፥ ጳጳሳት እስያ ናብ መጻኢ ክጥምቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እንታይ ይሓትቶም ከምዘሎ ንኸስተውዕሉ ጻዕራማት ኪኾኑ ተማሕጺኖም፥ “ሕጂ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ክተካይዱ ኢኹም” ኣብቲ እተካይድዎ ርክብ ሕውነትን ሓሳብ ምልውዋጥን ኣብ እትስዕብዎ መገዲ ክሕግዘኵም እደሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን እስያ እንታይ ይብላ ኣሎ?

እቶም ዘባውያን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት፥

ብዘየጠራጥር ትግሃት ክራኸቡ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምኡ ብምግባር ቤተ ክርስቲያን ትቐውም፡ ኣብ ጉዕዞ የበርትዕ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ድማ መንፈስ ቅዱስ ቅዱስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እንታይ ይብላ ኣሎ ዝብል እዩ!

እዚ ሕቶ እዚ ክትምልስዎ ዘለኵም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ዓለማውያን ምእመናን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንዓላማውያን ምእመናን ዝምልከት ጒዳይ፥

ኣገዳስነት ዓለማውያን ምእመናን ከይሰሓት፡ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ዝተቐበልዎ ጸጋ ጥምቀት ሓላፍነት ክስምዖን ከም ዓለማውያን ምእመናን ሓላፍነት ዕዮታትም ክለብሱ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዓይነት ልብሲ ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኵላውነት ኣብ ብዙሕነት እዩ፡ ንዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኽብር እዩ

ብምባል ሰናይን ዝተባርከን ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ንኽዀነሎም ተመንዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Oct 2022, 16:09