ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 24 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ርእሰ ብሔር ማክሮን ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክራኸቡ ንሳልሳይ ግዜኦም ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ናይ ዕለት 24 ጥቅምቲ ርክብ፡ ብዛዕባ እዛ ብኲናት እትልለ ዘላ ዓለምን ብፍላይ ድማ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኩናትን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዝካየዱ ጻዕርታት ኣብ ዝምልከቱ ቀንዲ ኣርእስታት ከም ዝዘተዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥
ኲናት ኣብ ዩክረይን
ርእሰ ብሔር ማክሮን ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ብሕታዊ ርክብ ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፥ ኣብዚ ክሌኣዊ ክርብ እዚ ድማ ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሰብኣዊ ኩነታት ፍሉይ ኣቃልቦ ብምሃብ ዛዕባ ህልው ኩነታት ካኡካሰስ ዞባን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝምልከቱ ጒዳያት ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ሰዓት ክሌኣዊ ዘተ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምክያዱን፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 27 መጋቢት ለብዒ ኮቪድ 19 ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዝደረስዎ ሰነዳቶምን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስሊ ዝተነብሮ ኣስራዚ መዳልያ ከም ዝለገሱሎምን ርእሰ ብሔር ማክሮን እውን ብወገኖም፥ ብጀርመናዊ ፈላስፋ ኤማኑኤል ካንት እተደርሰት ንዘላቒ ሰላም ዘርእስታ መጽሓፍ ቀዳማይ ሕታም ቋንቋ ፈረንሳ ንር.ሊ.ጳ. ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዕለት 23 ጥቅምቲ ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብቲ ኣብ ሮማ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ብዝብል መርሕ ቃል ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክብ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑ ኣዘኻኺሩ፥ ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ ሰላም ገዓር ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ሮማ ኣብ ዝካየድ ቅዱስ ኣቦና ብዘስምዕዎ መደረ ዝዛዘም ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንግስታትን መራሕቲ ርክብን መደብ ጸሎትን ክሳተፉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 26 ሕዳር ደሓር እውን ዕለት 26 ሰነ 2016 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡን ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ማእከላይ ምብራቕን ከም ዝመኸሩ ዘዘኻኸረ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፥ ሰንበት ዕለት 23 ጥቅምቲ ምሸት ምስ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ከም እተራኸቡን ይሕብር።